Friday , April 19 2024

ገበን

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዛዕባ ቀታሊ ፖሊስ ብዝተዋህበ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ምንም ዘይምግባሩ ተወቒሱ

ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቐርበሎም ሓያሎ ጸብጻባት ተኽእሎ ገበን ኣመልኪቶም ዝኾነ ዝኾነ ስጉምቲ ይወስዱ ዘይምህላኦም ቅረታ ቀሪቡ። ኣብ ሓጋይ 2021 ኣብ ቢስኮፕስጋርደን—ዮተቦሪ– ሓደ ኣባል ፖሊስ ብወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ምቕታሉ ኣመልኪታ፥ መርማሪት መደብ ሬድዮ ሽወደን “ካሊበር” ኣብ ዮተቦሪ ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝተኻየደ ውሽጣዊ መርመራ ገምጋም ኣካዪዳ። ብመሰረት እቲ ገማጋም ድማ ንባህርያት እቲ ገበነኛ ብዝምልከት ካብ ወላዲቱ ሓዊሱ ብኻልኦት ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቐረቡ ሓያሎ …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ መንእሰያት ናብ መርበባት ገበን ከይጽንበሩ ክጽዕራ ምዃነን ይገልጻ

ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኲነታቶም ትሕት ኣብ ዝበላ ከባቢታት ዝርከቡ መንእሰያት ናብ ገበን ከይስሓቡ ዝገብርኦ ጻዕሪ ክቕጽላ ምዃነን ገሊጸን። እዘን ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ዝብላ ዘለዋ ገበን ን ምክልኻል ዕላማ ብምግባር ዝቖመ ድጎማ መንግስቲ ደው ኢሉሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ። ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ መዳይ ወፍሪ ክቕጽላ ምዃነን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢረን ኣለዋ።

Read More »

ወለዲ ንጓሎም ብምምራዝ ተኸሲሶም

ኣብ ስካን ዝርከቡ ወለዲ፡ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ህጻን ጓሎም ኸቢድ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጉዳእቲን ብምብጽሖም ተኸሲሶም። ኣብቲ በዓል እታ ሕጂ 7 ዓመት ዝመልኣ ህጻን ጓሎም ስፒሪት ኤቲካ ዝተባህለ ዓይነት ኣቸቶ ሰትያ ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ዋዜማ ልደት 2022 ምሸት ኣብ ሉንድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ከም እተገብረላ ይፍለጥ። ወለዳ ን 10 ኣዋርሕ ድሕሪ ዝተገብረሎም መርመራ፥ ብብርክት ዝበሉ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ትምሀርቲ ሽወደን ጸረ-ሴማውያን ይኽሰት

ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጸረ-ሴማውያን ተግባራት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ከምዝበጽሐን ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ገሊጸን። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዓሰርተ ክፍልታት ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማታት ድሕሪ ዘካየደቶ ዳህሳስ ፍርቀን ድማ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ክስተታት ጸረ-ሴማውነት ከምዘጋጠመን ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ እስኮና እትቕመጥ ሓንቲ ኣደ ተመሃራይ ወዳ ግዳይ ጸረ-ሴማውነት ምዃኑ ትገልጽ። ንሳ “ተማሃሮ ነታ ምልክት ኮኾብ ዳዊት ዘለዋ …

Read More »

ብዝሒ ጥርጡራት ገበን ፍንጀራ ብዕጽፊ ይውስኽ

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ክብረወሰን ዝሓዘ ብዝሒ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ካብ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብዚ ዓመት ዛጊት 139 ፍንጀራታት ተፈጺሞም ኣለዉ። ካልእ ፍሉይነት ነይዛ ዓመት እቶም ፍንጀራታት እውን ዝሓየሉ ይኾኑ ምህላዎም እዩ። እዚ ማለት ጸኒሂ ንፖሊስ መርትዖታት ኮይኑ ከገልግሎ ዝኽእል ተረፈ ዕንወት ይርከብ ብዘይምህላዉ ነቲ ገበን ንምምርማሮም ኣሸጋሪ ይገብሮ’ሎ። ከም መርኣያ ናይዚ 30% ካብቶም ምስ ገበን ምፍንጃር …

Read More »

ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ዘለወን ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቀንን ክሳብ ሕጂ ኣብ መዓስከር ሶርያ ኣለዋ

ምስ ሽወደን ምትእስሳር ዘለወን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ቆልዑን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ኣብቲ መዓሰከር ናብ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣይኤስ ዝተጸንበሩ ወጻእተኛታት ስድራቤታት ተኣሲሮም ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ኣቦሓጎ 3 ካብቶም ቆልዑ ዝኾነ ሙስጦፋ፡ እቶም ቆልዑ ናብ ሽወደን ከይበጽሑ ከይሞቱ ከምዝሰግእ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ገሊጹ። ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ርእይቶ ንምርካብ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ …

Read More »

ምስ ናዕቢ ፋስጋ ብዝተሓሓዝ ሓደ ሰብኣይ ተፈሪዱ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከብ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት፡ ኣብ ሪንክቢ (ስቶክሆልም)፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ብዝተኸስተ ናዕቢ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ተገሊጹ። ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሽወደን ድሕሪ ዘጋጠመ ጎነጻዊ ናዕቢ፡ እዚ ሰብኣይ ናይ ፈለማ ተፈራዲ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ሕሉፍ የማናዊ ራሙስ ፓሉዳን፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ ቅዱስ ቊርኣን ናይ ምቅጻል ፕሮግራሙ ናዕቢ ምልዕዓሉ ዝዝከር እዩ።

Read More »

ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ዝፈተኑ ኣሕዋት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ዮተበሪ፡ ናብ ዳዕሽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግብረሽበራዊ ውድብ ክጽንበሩ ንዝፈተኑ ክልተ ኣሕዋት፡ ነፍሲ ወከፎም ብሸሞንተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ወሲኑ። እዞም ምንም በደል ኣይፈጸምናን ዝብሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ናብ ቱርኪ ኣናኸዱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቬተር እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብመርትዖ ኣሰንዩ ኣብ ዘቕረቦ መስርሕ ፍርዲ፡ እዞም ኣሕዋት ናብ ዳዕሽ ንምጽንባር ናብ ሶርያ ወይ ዒራቕ ንምጒዓዝ ወዲኦም ምንባሮም …

Read More »

ሓደ ክኢላ፡ “ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ NATO ንኽትቅበል ኣዋርሕ ክወስደላ ይኽእል እዩ”

ቱርኪ፡ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክሳብ ትቕበል፡ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ፕሮፌሰር ኣህጒራዊ ዝምድናታትን ክኢላ መጽናዕቲታት ቱርኪን ሑሰይኒ ባቺ ገሊጹ። ቱርክ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ብ ውልቃ እትወዳደር ኣባል ባይቶ ኣሚነ ካካባቬን ዝተገብረ ስምምዕ ብብርቱዕ ከም እትነቕፎ ዝገለጸ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሽወደን ነቶም ቱርክ ግብረሽበራውያን ኢላ ዝሰመየቶምን ኣብ ሰሜን ሶርያን ቱርክን ዝንቀሳቐሱ ገለ ጒጅለታት ክትሕግዝ ምምብጻዓ ከም አይትቕበሎ ወሲኹ ኣመልኪቱ። …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ዝበዝሐ ናይ ጥይት መጥቃዕቲታት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብ ሽወደን 27 ሰባት ብ መጥቃዕቲ ጥይት ምሟቶም፡ እዚ ድማ ዝለዓለ ኣሃዝ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነባራት ሓለፍቲ ጒሒላታት ብዝገብሮ ናይ ምእሳር ስርሒታት እዩ፡ ክትብል ኣብ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊት ኣሃዱ ስለያ ሊንዳ ስታፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ፡ መንእሰያት ገበነኛታት ግርጭታት ንምፍታሕ ብጥይት ምቕታል ከም ዘዘውትሩ” ፖሊስ ተገንዚቦም ምህላዎም፡ ሊንዳ ስታፍ ወሲኻ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com