Friday , April 19 2024

ገበን

ፖሊስ 130 ኣብ ናዕቢ እተሳተፉ ሰባት ኣለልዮም።

ክሳብ ሕጂ ፖሊስ 130 ኣብ ዋዜማ ፋስጋ ኣብ ዝተኻየደ ዕንወትን ጎነጽን ዝመልኦ ናዕቢ እተሳተፉ 130 ሰባት ኣለልዮም ኣለዉ ተባሂሉ። 10 ካብዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካልኦት 77 ብገበን ተጠርጢሮም ከም ዘለዉ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ነቲ ናዕቢ ዝመልከቱ 2,000 ቪድዮታት ደረቕ ስእሊታትን ተዓቂቦም ምህላዎምን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

Read More »

75% ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት ናብ ክሲ ከም ዘይቀርቡ ተገሊጹ።

ገበን ብብዝሒ ኣብ ዝፍጸመሎም ከባቢታት ካብ ዝኽሰቱ ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት እቶም 75% ናብ ክሲ ከም ዘይቀርቡ ብበዓል መዚ ፖሊስ ሽወደን ዝቐረበ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እዚ ዳህሳስ 3000 ጒዳያት ብምጽናዕ ዝተበጽሐ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ጒዳይ ምቕራብ ክሲ ናይ ብረት መጥቃዕቲታት ኣሉታዊ ድባብ ዝፈጥር እዩ ክብል መደምደምታኡ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብ ምጅማር 90ታት 80% ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት ኣብ ቤትፍርዲ ብይን ክረኽቡ እንከለዉ ኣብዚ እዋን …

Read More »

ምስ ጎነጻዊ ናዕቢ ውድብ SIAN ብዝተኣሳሰር 10 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ሳንደፍዮድ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብ ውድብ SIAN ምስ ዝተኻየደ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ዓሰርተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ሰባት፡ ትእዛዛት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ምጥሓሶም፡ ኣብ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞምን ንብረት ብምዕናዎምን እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ ክትብል፡ መደበር ዜና ኖርወይ NRK ጸብጺባ’ላ። “ምስፍሕፋሕ እስልምና ኣብ ኖርወይ ደው ይበል” ዝብል ጭርሖን ሒዙ ዝንቀሳቐስን ሕሉፍ ጽልኢ እምነት እስልምናን ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ውድብ SIAN፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ቶርቨት …

Read More »

ብፈተነ ቕትለትን ጾታዊ ምድፋርን እተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኖርበርሪ ቬስትማንላንድ ኣብ ዝርከብ 20 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ጒድጓድ ኣትያ ድሕሪ ምርካባ፡ ሓደ ሰብኣይ ብፈተነ ቕትለትን ጾታዊ ምድፋርን ተኸሲሱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀዲ ምእታዉ P4 ዳላርና ጸብጺባ። ኣገልግሎት መድሕን፡ ዓርቢ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ርብዕን፡ ብዛዕባ እዛ ኣብ ጒድጓድ ወዲቓ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ተስምዕ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ’ሎ። እታ ሰበይቲ፡ ኣብቲ ጒድጓድ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝጸንሐት …

Read More »

መርበብ ዝርርብ ሙስሊም—“መንሰያት ንምቅጻል ቊርኣን ከም ዘይረኣዩ ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ” ጸዊዑ።

SIAN ከምቲ ውጥኑ ሎሚ ዓርቢ ቅዱስ ቊርኣን እንተቃጺለ’ውን ምእመናን ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣፍሊጡ። “መንእሰያትና ንኸምዚ ዝበለ ናይ ተጻብኦ ተግባራት ሸለል ኢሎም ከም ዘይረኣዩ ብምኽታት፡ እቲ ቆስቋሳይ ዝደልዮ ኣቓልቦ ክኸልእዎ ኢና ንጽውዕ” ክብል ኣባል ቦርድ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣርሻድ ጀሚል ን NTB ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። መራሒ ናይቲ “ምምስላም ኖርውይ ደው ይበል’ ዝብል ውድብ SIAN ላርስ ቶርሰን ብረቡዕ ን NTB ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ኣሃዱ ጸረ ብልሽውና ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣፈናዊ መርመራ ከፊቱ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ዓቀብቲ ሕጊ ኣሃዱ ጸረ-ብልሽውና ሽወደን፡ ን ጒዳይ ኲባንያ ተሌኮም ኤሪክሰን ኣመልኪቶም ኣፈናዊ መርመራ ምኽፋቶም ተፈሊጡ። እዚ መርመራ፡ እቲ ኲባንያ ኣብ ዓመታት 2013-2019 ኣብ ዒራቕ ፈጺምዎ ዝበሃል ጒቦ ክርኢ እዩ። ቅድሚ ምጅማር እዚ ኣፈናዊ መርመራ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤሪክሰን ቦርየ ኤኾልም፡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነባሪ ለውጢ ንምርግጋጽ ከምኡ’ውን ስነምግባርን ሕጊን እቲ ኲባንያ ንምምሕያሽ” ብተወፋይነት ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣቦመንበር ኣህጒራዊ ተሓታትነት ሽወደን፡ ኡልሪክ …

Read More »

ኣርባዕተ ኣድመኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ናርክፒንግ ከምኡ’ውን ሊንኮፒን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ድሕሪ ዝተኻየደ ናዕቢ ኣርባዕተ ሰብኡት ኣብ ትሕቲ-ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። እዞም ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን ከቢድ እገዳን ናዕቢን ከም ዝፈጸሙ ብ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ መርትዖ ብኣኽባር ሕጊ ቀሪብሎም ኣሎ። ምስ ምቕጻል መርመራ ፖሊስ ኣብ ናርኮፒን፡ ማልም፡ ኡረቦን ሪንከቢን ዝያዳ ማእሰርቲታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ እተራእዩ ናዕቢ ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም ተባሂሉ።

ዋና ሓላፊ ፖሊስ ኣንደርሽ ቶርንበርግ፡ ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቅድሚ ሕጂ ጎነጻዊ ናዕቢታት ተራእዮም እኳ እንተኾኑ፡ እዞም ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሸወደን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ እተራእዩ ግና ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም ኢሉ። እዞም ኮነ ኢሎም ን ፖሊስን ጒጅለታት ኣገልግሎት መድሕንን ሸቶ ብምግባር ዘጥቅዑ ዝነበሩ ሰባት ምስ ጒሒላትት ምትእስሳር ዘለዎም እዮም ዝብል ብርቱዕ ጥርጣረ ከም ዘለዎም ቶርንበርግ ገሊጹ’ሎ። ሓላፊ ፖሊስ ማልም …

Read More »

ነፍሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ዝንባለ ንዘለዎም ኮተቴ ዝግበር ምክትታል ኣዂል ኣይኮነን ተባሂሉ።

ነፍሰ ቕትለት ኣብ ዝፍጽሙ ቆልዑን መንእሰያትን ዝግበር ገምጋም-ሓደጋ እዂል ኮይኑ ከም ዘይተረኽበ ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንኸምዚ ዝብሉ ጒዳያት ኣመልኪቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ጸብጻባዊ ገምጋም ድሕሪ ምቕራቡ እዩ። እቲ ጸብጻብ ንሓንቲ ኣብ 16 ዕድሜኣ ነፍሰ ቕትለት ዝፈጸመት ኮተቴ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም "እቶም ሓካይም ስነኣእምሮ ኣብ ክንዲ ዝግባእ ግዜን ክንክንን ሂቦም ዝሰምዕዋ ከፋንዉዋ ጥራይ እዮም ዝደልዩ …

Read More »

SÄPO፡ ስለያ ሩስያ ንምብርዓን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ። 

ፖሊሲ ጸጥታ ሽወደን ሴፖ ስለያ ሩስያ ናይ ምብርዓን ስራሕ ኣበርቲዑ ተተሓሒዝዎ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሓላፊ ጸረ ስለያዊ ንጥፈታት ሴፖ ዳንኤል ስተንሊን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሩስያ ኣብ ሽወደን ስለያ ዘካይዱ ሰባት ንምኽታብ ትጽዕር ከም ዘላ ሓበሬታ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ስግኣት ንምክልኻል ብተጠንቀቕ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ኣገልግሎታት ስለያ ሩስያ ኣብ ሽወደን ንጥፈታተን የካየዳ ምህላወን. …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com