Thursday , April 18 2024

ገበን

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምምላጥ ብገበን ዘሕትት ክኸውን ባይቶ ድሌት ኣለዎ ተባሂሉ። 

ሓምላይ ሰልፊ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ መርገጺኡ ብምቕያር ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር ክኸውን ድሌት ከም ዘለዎ ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ኣመልኪታ። በዚ ድማ ከምዚ ዝበለ ተግባር ገበን ምዃኑ ንምሕላፍ ዘኽእል ዝበዝሐ ድምጺ ባይቶ ክርከብ እዩ ማለት እዩ።  ሰልፊታት ሞደራትና ዴሞክራትና ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ሊበራል ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ክካትዑ …

Read More »

ቦርድ ኤሪክሰን ብምኽንያት ብልሽውና ክሕተት እዩ ተባሂሉ። 

ኲባንያ ተለኮም -ኤሪክሰን– ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ድዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ወነንቲ ብርኪ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዒራቕ ዝተገብረ ፍጻመታት ነዚ ኣይፋል ዝብል ድምጾም ክህቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዋና ኣካያዲ ትካል ኣቫንዛ ጃስፐር ቦናቪዬር ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ ኲባንያ ምስ ዞም ፍጻመታት ብዝተሓሓዝ ዝጸንሖ …

Read More »

ሰሙን ድሕሪ መጥቃዕቲ፡ ተመሃሮ ማልም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም።

ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ድሕሪ ዝተኻየደን ክልተ መማህራን ግዳይ ሞት ዝገበረን መጥቃዕቲ ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ቤት ትምህርቲ ትማሊ ሰኑይ ናብ ልሙድ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሱ ተገሊጹ።  ተማህሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ማልም ላቲን ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ተመራመርቲ ስነልቦና ከምኡ’ውን ኣማኸርቲ ኣገልግሎት ንኽህቡ ድሉዋት ከም ዘለዉ ተመልኪቱ።  ሓላፊ ጥዕና ተመሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ ኣግኔታ ፍረዲን ን ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኖርወይ፡ ሓምሽተ ሰባት ብ ፈተነ ቅትለት ተኸሲሶም። 

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶቭነር ኣብ ክልተ ሰባት ፈተነ ቕትለት ዝፈጸሙ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።  ሓደ ካብዞም ግዳያት ብስሕለት ብዝወረዶ ከቢድ መቚሰልቲ ኣብ ሆስፒታል ክእለ እንከሎ እቲ ካልኣይ ግና ፍዂስ ዝበለ መውጋእቲ ጥራይ ስለዘጋጠሞ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ፍጡን ሕክምና ከም እተገብረሉ ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ዓርቢ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ብቐዳም ድማ ካልእ ሰብ ክተሓዙ እንከለዉ ትማሊ …

Read More »

ምስ ምንዝርና ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣኣትዉ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ወሲኹ። 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቊጽሪ ናይቶም ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ወይ ክገዝኡ እናፈተኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ምዝያዱ ሰነዳዊ ጸብጻብ ሬድዮ ሽውደን ኣቃሊዑ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ፖሊስ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ገበነኛታት ኣብ ምክትታል እናተመሓየሸ ብምምጽኦም ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣባላት ፖሊስ መላእ ሽወደን ተወሰኽቲ ስልጠናታት ክወሃቡ ምጽንሖም እውን ኣመልኪቶም ኣለዉ።  ዝሓለፈ ዓመት 841 ሰባት ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ወይ ክገዝኡ እናፈተኑ …

Read More »

ናብ ዳዕሽ ክጽንበሩ ዝጓዓዙ ሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተታሒዞም።

ዝሓለፈ ቀዳም ክልተ ናብ ዳዕሽ ንምጽንባር ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዮተበሪ ላንድቬተር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣዞም ጥርጡራት በቶም ፍቓድ መቐየዲ ዝሓዙ ሓይልታት ጸጥታ ሽወደን SÄPO እዮም ተታሒዞም። እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርዓታት ዝርከቡ ሰብኡት ኣብ ምኽታብ፡ ምስትምሃርን ግብረሽበራ ተዋፊሮም ምጽንሖም ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ምስ ግብረሸራውያን ጒጅለታት ርክብ ከይሃለዎም ኣይተርፍን ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ሩስያ ን ሉሃንስክን ዶነትስክን ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ሂባ።

ሩስያ ነተን ካብ ምብራቕ ዩክሬይን ዝተፈንጨላ ዞባታት ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ከም ዝህበን ብቐጥታ ብተሌቪዥን ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ ሓቢሩ። ብዘይካዚ ፑቲን ምስዞም ካብ ዩክሬይን ዝተገንጸሉን ደገፍቲ ሩስያን ዝኾኑ መራሕቲ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ውዕል ምኽታሙ AFP ጸብጺቡ። ፑቲን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝጸንሐ ታሪኻዊ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃበ ነዊሕ መግለጺ ዩክሬይን ብቐንዱ ብ ሕብረት ሶቪዬት ዝቖመት ሃገር እያ ኢሉ። እዚ ውሳነ …

Read More »

መራሒ ወረበላታት ሽወደን ን 18 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ይግባይ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ቅትለት፡ ምዝውዋር ዕጸፋርስን ኣጽዋርን ተዋፊሩ ጸኒሑ ንዝበሎ መራሒ ወረበላታት ንንውሕ ዝበለ ማእሰርቲ ፈሪዱ። እዚ መራሒ መርበብ ቮርቢ ምንባሩ ዝተገልጸ መራሒ ወረበላታት ን 18 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ ምዃኑ ቤት ፍርዲ ይግባይ ገሊጹ’ሎ። እቲ መራሒ ነቲ ዝተባህለ ገበናት ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ ክሕደት ቃሉ ክህብ ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ መጋባእያ ኣብ ታሪኽ ሕጊ ሽወደን …

Read More »

ሽወደን ኣምባሳደራ ካብ ኪዬቭ ጸዊዓ።

ብሰንኪ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ጸጥታዊ ወጥሪ ሽወደን ንገለ ኣባላት ኤምባሲኣ ካብ ኪየቭ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጌራ። “ብሰንኪ ጽንኲርን ክትንበዮ ዘሸግርን ጸጥታዊ ኲነታት ኤምባሲና ኣባላቱ ካብ ኪዬቭ ከጒድል ወሲኑ’ሎ” ክትብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ገሊጻ’ላ። ቤተሰብ እቶም ኣባላት ኤምባሲ ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዝገብሮ ጻውዒት ድሮ ናብ ሽወደን ተመሊሶም ኣለዉ። ንምዕባለታት እቲ ከባቢ ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ ብዘይካ …

Read More »

ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ምኽታት ሩስያ ጽንክር ዝበለ መርገጺ ዝወሰዱሉ ምኽንያት በዚ እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ኣብሪሁ። ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ዝኾነ ያን ሃለንበርግ ነቱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሩስያ ነቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ክትጽንበሮ ምንም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com