Friday , April 19 2024

ዜና

ፊንላንድ፥ ኣብ 2024 ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ውሕስነት ስራሕ ዘለዎም ሻቕሎት ይውስኽ

ኣብ 2024 ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ብዛዕባ ኩነታት ስራሖም ዘለዎም ስክፍታ እናዓበየ ምምጽኡ፥ ብ ትካል “ማዕከን ክፉት ሽቕለት ኣልቦነት” ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። እቲ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደን ልዕሊ 3000 ኣባላት ዘሳተፈን መጽናዕቲ፡ ምስ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ስምዒት ሰራሕተኛታት ጭቡጥ ለውጢ ከም እተኸስተ ትዕዝብቱ ኣስፊሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፥ ንኹነታት ስራሖም ተስፋ ዘለዎ ክብሉ ዝገለጹ ካብቶም ነዚ ሕቶ ዝመለሱ እቶም 33% ጥራይ እዮም፡፡ እዚ …

Read More »

ጀርመናውያን መራሕቲ ባቡር ዝነውሐ ኣድማ ከካይዱ እዮም

ጀርመናውያን መራሕቲ ባቡር ኣብዚ ሰሙን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣድማ ብምፍጻም፥ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝነውሐ ናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ማሕበሮም ትማሊ ሰኑይ ገሊጸን፡፡ እዚ ድማ ምስ ኦፕሬተር ባቡር ““ዶቸ ባን”” ን ደሞዝን ሰዓታት ስራሕን ኣመልኪቱ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣጋዲድዎ’ሎ። እቲ ኣድማ ረቡዕ 24 ጥሪ ሰዓት 2 ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰኑይ 29 ጥሪ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክጸንሕን …

Read More »

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ንልዝብ ግረባ ናብ ስቶክሆልም ኣትያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፥ ንመዘናኡ ፊንላንዳዊ ፔተሪ ኦርፖን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ሎሚ ኣብ ስቶክሆልም ብምቕባል፥ ኣብ ኣግራብን ዘላቕነትን ኣገዳሲ ዝርርብ ክገብር እዩ። ሽወደንን ፊንላንድን ነቲ ኣባል ሃገራት “ብዝተኻእለ መጠን” ካብ ምትካል ሓደ ዓይነት ኣርእቲን እጸዋትን ከምኡ’ውን ካብ ላጻዪ ምቊራጽ ኣግራብ ክቑጠባ ኣለወን ንዝብል ክፋል ስትራተጂ ውጥን ምግራብ ሕብረት ኤውሮጳ 2030 ክቃወማ ጸኒሐን እየን። ንርክብ …

Read More »

መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኣገልግሎት ሲነማ ኣሉታዊ ተጽዕኖኡ ኣንቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ስንበት ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከብ ትካል ሶፍትዌርን ወሃቢ ማእከል ኣገልግሎት ዳታን ሓበሬታን ቲየቶቭሪ ዝኾነ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ራንሶምዌር” ሓያሎ ኩባንያታት ኣብ ጸገም ምህላወን ተገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዝተጎድኡ ትካላት ንግዲ ዝኾነ ሰንሰለት ሲነማ ፊልምስታደን፡ ብኢንተርነት ኣቢሉ ምዝገባ ከካይድ ይዂን ካርድ ማሽናቱ ክጥቀም ብዘይምኽኣሉ፡ ክፍሊት ስዊሽ ክጥቀም ምግዳዱ ተፈሊጡ። ገለ ዞባዊ ምምሕዳራትን ከተማታትን እውን በዚ ብኣሉታ ተጸልየን ምህላወን ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብተን ንመኽሰብ ዘይሰርሓ ክሊኒካት ኣገልግሎት ይረኽቡ’ለዉ

መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ሽወደናዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ክሊኒክ “ዶክተርስ ኦቭ ዘ ዎርልድ” ኣገልግሎት ይረኽቡ ኣለዉ ። ዓሚ ክሊኒካቶም ኣስታት 1900 ሰብ ከም ዝረኣያ እዚ ድማ – ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ እንክወዳደር ብ 30% ዝዛይድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዙሓት ሕሙማት ክረኽብዎ ዝግባእ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ይኽልከሉ ከምዘለዉ ሓያሎ ትካላት ይገልጻ’ለዋ። ካልኦት ድማ ናብ ሰብመኢ ከይስትለሙ ብምስጋእ ክንክን ካብ …

Read More »

ኣበል ዩክሬናውያን ኣይክውስኽን እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝወሃብ መዓልታዊ ኣበል ከምዘይውስኽ፥ ኣብ ክንድኡ ዩክሬናውያን ኣብ መዝገብ ህዝቢ ንኽኣትዉ ነቲ መስርሕ ከቀላጥፍ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ድማ ንዩክሬናውያን ዝያዳ ተበጻሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ውሕስነት፥ ሓገዝ ኤጀንሲ ሽቕለትን ገለ ካልእ ጥቕምታትን ክህቦም እዩ ክትብል ሚንስተር ኢኒግሬሽን ማርያ ማልመ ስተነጋድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ርግጽ’ዩ፡ እዚ ንውሕ ዝበለ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓትት ብምዃኑ ግዜ ክወስድ ይኽእል …

Read More »

ህቦብላ ኢሻ ንሽወደን ኣጥቂዑ

ትካል ክሊማ ሽወደን ኣስታት ን ህቦብላ ኢሻ ምኽንያት ብምግባር 30 መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ፡፡ ህቦብላ ኢሻ ናብ ሽወደን ከቢድ ዝናብ፡ ህቦብላን ዕልቕልቕን ሒዙ ምምጽኡ እቲ ትካል ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ህቦብላ ዘምጽኦ ዕልቕልቕ፣ ብርቱዕ ንፋስ፣ መሸንቦባን በረድን ዝበዝሖ ጽርግያታትን ድሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ንህዝባዊ መጓዓዝያ ጸገም ፈጢሩ’ሎ። እዚ ህቦብላ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር–ስኮርና–ብርክት ዝበለ ጒዕዞ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ንኽስረዝ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 23 ጥሪ 2024

Read More »

ኣላሜትሳ፡ እስራኤል ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትግለል ጸዊዓ፡

ኣባል ባይቶ ሓምለዋይ ሰልፊ ፊንላንድ ኣልቪይና ኣላሜትሳ ምስ ሙዜቀኛታት ፊንላንድ ብምሕባር፡ እስራኤል ካብ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትግለል ጸዊዓ፡፡ እዚ ውሳነ ፊንላንድን ሃገራዊ ትካላ YLEን ኣብ ፈነወ ሕብረት ኤውሮጳ (EBU) ጽልዋ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣላሜትሳ ገሊጻ’ላ። እዚ መግለጺ ኣላሜትሳ ዝወጸ ትካል ‘ሴቭ ዘ ቺልድረን’፥ ክሳብ መወዳእታ 2023 ኣብ ቓዛ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 100 ህጻናት ብደብዳብ እስራኤል ይቕተሉ ከምዘለዉ ዝሕብር ሓበሬታ …

Read More »

ባይቶ ጀርመን ድርብ ዜግነት ፍቑድ ክኸውን ኣጽዲቑ

ኣባላት ባይቶ ጀርመን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሕግታት ዜግነት እታ ሃገር ሰፊሕ ጽገና ምግባሮም ተገሊጹ። እዞም ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ድርብ ዜግነት ክፍቀድ ንርዕመተ ዜግነት (ናቹራላይዜሽን) ዝወሃብ ረቛሒታት መንበሪ ኸኣ ቅልል ዝበለ ክኸውን መንገዲ ጸሪጉ’ሎ። ወጻእተኛታት ብዙሕ ውጥረት ዝመልአን ክልተ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፎም፡ መንግስቲ ንሕግታት ዜግነትን ርዕመትን ናቹራላይዜሽንን ዝዓለመ ኣዝዩ ኣገዳሲ እማመ ኣጽዲቑ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቡንደስታግ ዝተኻየደ ካልኣይን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com