Saturday , April 20 2024

ዜና

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዋና ወለዱ ብግዜኡ ኣይክልውጥን እዩ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንከን”፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ወለድ ንምንካይ ይጽዕር ከምዘሎ እንተኾነ ግና ክሳብ ሽዑ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ዋና ወለዱ ንግዚኡ ኣብ 4% ከይተቐየረ ይገድፎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪ ሪክስባንክ ኤሪክ ቴዲን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ካብ ዝቕባበ ዝመጽእ ጸቕጢ ኣዝዩ ከምዝቐለለ ብምሕባር፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ጽድያ ወለድ ምንካይ ዝብል …

Read More »

ሽወደናውያን ድሕሪ ምቕያር ሕጊ ንነዊሕ እዋን ናይ ሕማም ዕረፍቲ ይወስዱ

ኣቐድም ኣቢሉ ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ክፍሊት ዘለዎ ዕረፍቲ ሕማም ይኽልከሉ ነይሮም እዮም። ኣብ መጋቢት 2021 ኣትሒዙ ዝተመሓየሸ ሕጊ ግን ንነዊሕ እዋን ዝኽፈል ናይ ሕማም ዕረፍቲ ክወሃብ ዝፈቐደ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ቁጽሪ ናይቶም ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 12 ኣዋርሕ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝወስዱ ሰባት ብ60% ወሲኹ’ሎ።

Read More »

ብዙሓት ተማሃሮ ካብ SFI ዘቋርጹ

ዳርጋ ፍርቂ ካብ ተማሃሮ SFI ትምህርቲ የቋርጹ — ብዙሓት ድማ ድሕሪ ዓመት ስራሕ ምጅማር ኮነ ትምርቲ ምቕጻል ከም ዘይክእሉ ተገሊጹ። ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ “ስኮልቨርኬት”፥ ዝበዝሑ ተመሃሮ ስለምንታይ ካብ SFI ይወጹ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ መርመራ ኣካዪዱ ኔሩ። “እቲ ምኽንያት ጉዳይ ስድራቤትን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት ግን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እዮም ትምህርቶም ዘቋርጹ ዘለዉ” ትብል መርማሪት ናይቲ ትካል ሃና ኦስተርሉንድ።

Read More »

ዝበዝሑ ሰባት መንግስቲ ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም

48% መረጽቲ መንግስቲ ጽቡቕ ወይ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ግምት ከም ዘለዎም ተገሊጹ፡፡ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ ብ7% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑ ትካል ኢንዲካተር ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። “መረጽቲ ብዛዕባ ቁጠባን ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶን ዝያዳ ትስፉዋት እዮም” ክብል ሓላፊ ርእይቶ ኢንዲካተር ፐር ኦለስኮግ ትሪግቫሶን ይገልጽ።

Read More »

ጃፓን፥ ነፈርቲ ኲናት ክትሸይጥ እያ

ካቢነ ሚኒስተራት ጃፓን እታ ሃገር ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ብሓባር እተማዕብለን ዘላ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ንሰደድ ክውዕላ ኣጽዲቑ፡ እዚ ድማ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እተኸተለቶ ናይ “ሰላማውነት” ፖሊሲ ትወጻእ ምህላዋ ዘመልክት እዩ። እዚ ውሳነ ባይቶ ጃፓን እታ ሃገር እተን ጀት ነፈርቲ ናብተን ውዕል ምክልኻል ዝፈረመትለን፡ ከምኡ’ውን ግጭት ናብ ዘይብለን ሃገራት ክሽየጣ ንምፍቃድ ንሕግታት ሰደድ ኣጽዋር ዝቐለለ ክኸውን ጌሩ’ሎ። ጃፓን …

Read More »

ካብ ልዕሊ ክብደት ዝኾኑ ወለዲ ዝወጹ ቆልዑ ልዕሊ ክብደት ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ

ወለዶም ልዕለ ክብደት ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ከራሻት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ሓዲኦም ወላዲ ልዕሊ ክብደት ምስ ዝኸውን ነቲ ተኽእሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ኣብ ኢጣልያ ቬኒስ ኣብ ዝካየድ ኤውሮጳዊ ጉባኤ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ዝርዝር ሓበሬታ ቁመትን ክብደትን ኣብ ማእከላይ ዕድመ (40-59 ዓመት) ዝርከቡ ወለዲን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቆምን ጽኑዕ ምትእስሳር …

Read More »

ኣረጋውያን ሓድሽ መበራትዒ ብልቃጥ ኮቪድ ክወስዱ መተኣሳሰቢ ቀሪቡ

ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ኣብ መላእ ሽወደን ክታበት ኮቪድ ዳግማይ ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ። ኩሎም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ከምኡ’ውን ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዘቤታዊ እምበር ካልእ ክንክን ዘድልዮም ሽማግለታት መበራትዒ ክታበት ኮቪድ ክወስዱ ምኽሪ ቀሪቡ’ሎ። “እቲ ስግኣት ዝወሰኸ ንርኢ’ለና ” ክብል ተጸዋዒ መንግስቲን ክኢላ ለበዳን ማግኑስ ጊስለን ንመደብ ፒ4 ኤክስትራ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ዝተቖጽሩ …

Read More »

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን “ኣብ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ለውጢ የለን”

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብ ልዕሊ ሽወደን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዘሎ ስግኣታት ይከታተል ከምዘሎን፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ”ልዑል” ከምዘሎን ገሊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሽወደን ከቢድ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝዓለመ ሓያሎ መደባት ምንባሩ ተቓሊዑ’ሎ። ኣፈኛ ፕረስ ሳፖ ኣዳም ኢሳክሶን ሳማራ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

መሸጣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሕብረት ኤውሮጳ ብኢንተርነት ይሽየጥ

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዝውንኑ ሰባት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኦም ብናይ ሮማንያ ክቕየረሎም ይኸፍሉ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ብቐሊሉ ናብ ናይ ሽወደን ፍቓድ ይቕየርዎ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዘይሕጋዊ “ቱሪዝም ፍቓድ ምዝዋር መኪና” ኣብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዕዳጋ ይቐርብ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፥ ብ1000 ዩሮ ፍቓድ ሮማንያ ክገዝእ ከምዝኽእል ከም እተነግሮ፡ እዚ ዋጋ ድማ ነቲ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 26 መጋቢት 2024

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com