Saturday , April 20 2024

በሪሁሉ ብኣማን

መዓልቲ ፍቑራት (Valentine’s Day)

እቲ ፍቑራት ህያባት ዝለዋወጡሉን ፍቕራዊ ቃል-ኪዳኖም ዘሐድሱሉን መዓልቲ ፍቑራት፡ ዓመት መጸ ኣብ ለካቲት 14 ይበዓል። ዝተፈላለዩ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ምቁር ሕብስቲ፣ ቶርታ፣ ፍሉይ ናይ ሽምዓ ምሸትን ካልእ ነዚ መዓልቲ ዘንጸባርቑ ምድላዋትን ብምግባር፡ ፍሉይ ትሕዝቶ ዘለዎም ካርተሊናታትን ዕምባባታትን ብምድላው ዘኪሮሞ ይውዕሉ። ንምዃኑ ኣፍልጦና ብዛዕባ ኣመዓባብላ መዓልቲ ፍቑራት ክሳብ ክንደይ እዩ? ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መዓልቲ ፍቑራት (ቫለንታይን ደይ) ዝጸውዩ ዛንታታት መብዛሕትኦም ዝመሳሰሉ’ኳ እንተኾኑ …

Read More »

ባህሊ ምጽውዋርን ጥቕምታቱን ብበሪሁሉ ብኣማን

ተጻዋርነት ከም ኣምር ክግለጽ እንከሎ ንባህላዊ ብዙሕነት፣ ክዉንነት ከባቢኻን ዓለምን ባህርያት ደቂ ሰብን ምቕባልን ምኽባርን ማለት’ዩ። ዝኾነ ሰብ ባህሊ ተጻዋርነት ከማዕብል እንተኾይኑ፣ ንጽቢብ ኣተሓሳስባ ዝብድህ ፍልጠት ክቐስም፥ ክፉትን ናጻን ምብሃሃልን ከዘውትር፥ ኣብ ፍልልያት ውህደት ንምፍጣር ክጽዕር፥ ንሰባት ናይ ሓሳብ ናጽነት ክህብ፥ ወ.ዘ.ተ ክኽእል ኣለዎ። መለለዪ ጸዋር ባህርይ እዚ እዩ። ባህሊ ተጻዋርነት፣ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ምስፋን ዓቢ ተራ …

Read More »

ስምካ ልዕሊ መቓብርካ

“ብዝተቐበሎ ጥራይ ከቢሩ ዝነበረ ሰብ የለን። ክብረት ኣምሳያ’ቲ ዝሃብካዮ ዝወሃበካ ሽልማት እዩ” – ካልቪን ኩሊጅ ማሃትማ ጋንዲ “እቶም ሸዉዓተ ዉጉዛት ተግባራት” ኢሉ ዝገልጾም ዝነበረ “ሃብቲ ብዘይ ዕዮ፣ ሓጎስ ብዘይ ሕልና፣ ፍልጠት ብዘይ ጠባይ፣ ንግዲ ብዘይ ስነምግባር፣ ስነ-ፍልጠት ብዘይ ሰብኣዉነት፣ ሃይማኖት ብዘይ መስዋእቲ፣ ከምኡ’ዉን ፖለቲካ ብዘይ መትከል” ዝብሉ እዮም ነይሮም። ህጻን ክዉለድ እንከሎ መን’ዩ ዝዕልልን ዝሕጎስን? ወለዲ፣ መቕርብን ኣዕሩኸ-መሓዙትን! መን’ከ ይበኪ? …

Read More »

ኢድካ ናብ ካልኦት ዘይምውጥዋጥ!

ኣብዚ ዓለም፣ ወድ ሰብ ጥራይ እዩ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ፍጡር ሰፊሕ ልቦናን ጥበብን ተዓዲሉ። ይኹን’ምበር ኣብ ህይወት ምሉእነት ስለዘየልቦ ኣብ ትግባረ ዉጥናቱ ዕንቅፋታት ከጋጥምዎን ጌጋታት ክፍጽምን ንቡር እዩ። ዝበዝሕ እዋን ሰባት ንዓወቶም ምስ መንፍዓቶም ከተኣሳስርዎ እንከለዉ፣ ንፍሽለቶም ድማ ናብ ግዳማዉያን ረቛሒታት ወይ’ዉን ካልኦት ሰባት ከጸግዕዎ ይረኣዩ። ጌጋታት ግን ምኽኒት ስለዘናደኻሎም ዘይኮነ ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሕካ ክትገጥሞም ሕልናዊ ቅሩብነት ምስ እተርኢ ጥራይ …

Read More »

ምስ መጽሓፍቲ ንመሓዞ!!ብበሪሁሉ ብኣማን

ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ኣባላቱ እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን። ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ’ዉን ኣብ ዓዉደ-መጽናዕቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com