Thursday , March 28 2024

ናስሮቪች

ስዕረት ብናስሮቪች “ገሊኣቶም ስዕረታት ሓለፋ ዓወት ይምቅሩ” ሞንታኝ

ዓወትን ስረትን ክልተ ፊጺሞም ክዕረቑ ዘይክእሉን ኣንጻራውንን እዮም ዝመስሉና፡፡ ብዘይ እቲ ሓደ እቲ ካልእ ትርጒም ዝስእን ክሳብ ዝመስሉና መብዛሕትኡ እዋን ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሳንቲም ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ፡፡ ኩልሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ተዓዋቲ ዘይብሉ ስዕረት ዘሎ ፤ ብዓወት ዝዛዘም ስዕረት ከኣ ኣሎ እዩ፡፡ ዓወትን ውድቀትን ከም ሌጣ ጻዕዳን ጸሊምን ጌርና ክንርዳኣ እንተ ፈቲንና ህይወትና ከም ላቦራቶሪ …

Read More »

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!

ብናስሮቪች Nature ንነፍሲ ወከፍና ብስምና እያ ትፈልጠና። ነዚ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ሳየንሳዊ መርትዖታት ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣሰር ኣጻብዕና’ኳ ይፈላለ እዩ። ካብቶም ናብ ርሕሚ እኖኻ ዝኣተዉ ኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮ ዘርኢ እቲ ሓደ ዕዉት እዩ ብውህደት እንቋቑሖ ሰሪሑካ። ዝተፈልየ ዋህዮ እንተዝዕወት “ንስኻ” ኣይምኾንካን። ኣብዚ ደርማስ ጠፈር ብዂለንትናኡ ንኣኻ ዝመስል ሰብ ኣይነበረን፥ የሎን፥ ንዘለኣለም ከኣ ኣይክትድገምን ኢኻ። እዝስ ንኣእምሮ’ውን ዝኸብድ እጹብ ድንቂ ነገር …

Read More »

“ናጻ ሕርያ” ብናስሮቪች

ትምል ምሸት “ሰብ ክሳብ ክንደይ ናጻ ሕርያ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ሓደ ብጻየይ ደስ ዝብል ዕላል ጌርና። ዕላልና ብረቂቕ ህላዌን ደራኺ ሓይልን “ገዛኢ መንፈስ” ( Zeitgeist) ዝተቓነየ እዩ ኔሩ። ወከፍ ወለዶ ንመላእ ድርኺቱን ሓሳቡን፡ ብቐንዱ ድማ ንህይወቱ ትርጉም ዝህበሉን ዘማእዘነሉን” ገዛኢ መንፈስ” (spirit of the age) ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ 60ታትን መፋርቕ ሰብዓታትን ዝነበሩ ኣያታትና በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ገኒኑ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናስሮቪች ብምልኣት ሕስብ እንተቢልና ወዲሰብ እታ ዘነአሰት”ውን ሓርነት ኣላቶ ድያ ናብ ዝብል ሕቶ ክመርሓና ይኽእል እዩ፡፡ ብሩኽ ሰፒኖዛ ዝተባህለ ፈላስፋ “ሰባት ናጻ ሕርያ ዘለዎም እዩ ዝመስሎም፤ ምኽንያቱ ባህጎምን ሸውሃቶምን ብውኖም ብዝውስንዎ ፍቓድ ዝድረኽ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ባህጊን ሸውሃትን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ምዃኑ ክሓስቡ ብዙሕ ኣይግደሱን እዮም” ይብል፡፡ ዘደለናዮ ክንገብር ናጻ ዲና? እቲ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን ቀዳማይ ክፋል

“ቅኑዕ ንዘበለ ሕጊ ነብስኻ ተገዛኢ ምግባር ሓርነት እዩ” ዣን ዣኽ ሩሶ ሓርነት ካብቶም ኣዝዮም ዝዝውተሩን ትርጉሞም ዝተዛበዐን ኣምራት ሓደ እዩ፡፡ ንምዃኑ ሓርነት እንታይ ማለት እዩ? በቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣተራጉማኡ ሓርነት ከም ድላይካ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ዓጋቲ፤ ደራቲን ባርያኡ ዝገብረካን ሓይሊ ናጻ ምዃን ማለት እዩ፡፡ ቶማስ ሆበስ እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓርነት እንክጽሕፍ ከምዚ ይብል–ሓርነት ክትብሮ ካብ እትደሊ ዘታርፈካ ግዳማዊ ዕንቀፋት ወይ …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ጸበባ ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ምንጪ ሓጎሰካ ኣብ ዘይንቕነቕ ውሸጣዊ ከውሕኻ ጥራይ ኢኻ ትሃንጾ፡፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተትፍርድ ኣብቲ እትጸንሓሉ ቤት ማሕቡስ እንታይ እናገበርካ ግዜኻ መሕለፍካዮ? ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ምጸሓፍካዶ? ቦትዬስ ከምኡ እዩ ዝገበረ፡፡ እታ ኣዝያ ዘበለጸት ናይ ፍልስፍና ስርሑ ኸኣ ንሳ ነበረት፡፡ ቦትዬስ ማኒለስ (475-525) ኣብ ዘመነ ሮማ ካብ ዝነበሩ ፈላስፋታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ሮማ ብኢድ ባርባርያውን ቅድሚ ምዕናዋ ዕስራ ዓመት …

Read More »

ፍልስፍናን ፍቕርን ካልኣይን መወዳእታን ብናስሮቪች

ነቲ ዝህሉ፤ ምሳና ዝነብርን ዘሎን እውን ነፍቅር ኢና፡፡ ብኣኣቶም ባህ ይብለና፡፡ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ግሪኻውያን ፊልያ ኢሎም ይጽውዕዎ፡፡ እዚ ናይቲ እንስእኖ ኣካል ረባጺ ባህጊ ኣይኮነን፤ እዚ ፈለፋሊ ዛራዪ ሓጎስና እዩ፡፡ አረ ንባዕሉ”ውን ሓጎስና እዩ፡፡ ጥብቕ ዝበለ ኣካላዊ ምርኻብን መሰተጋብርን ፍቑራት፤ ፍቕሪ፡ ምትሕልላይን ተወፋይነትን መጻምዲን ኣዕሩኽን ኣብዚ እዩ ዝምደብ፡፡ ፊልያን ፈልፋሊ ሓጎስን መጓዕዝቲ እየን፡፡ እዚ ዓይነት ፍቕሪ ገለ ባእታታት ኤሮስ ዝሕውስ …

Read More »

ፍልስፍናን ፍቕርን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ከም ፍቕሪ ጌሩ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተባህለሉን ኣርእስቲ ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡ ብፍቕሪ ዝመጽእ ጃሕጃሕታ ሓጎስን ምልኣት ህይወትን ፤ ወይ ድማ በንጻሩ ዝስዕብ መስበርቲ ልቢን ቅዛነትን ቀንዲ ዛዕባ ዝበዝሕ ዓይነት ስነጥበብን ኣፋዊ ያታን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ንኣባጽሕ ከም ዕላል ፍቕሪ ጌሩ ዝምስጦምን ቀልቦም ዝስሕብን ካልእ ኣርእስቲ እንታይ ኣሎ ድዩ? ካብ ፍቕሪ ንላዕሊ ወዕዉዕ ስምዒትን ምትእስሳርን ክፈጥር ዝኽእልከ እንታይ ምተጠቕሰ? ርግጽዩ እቲ ዝበዝሐ ኣርእስቲ …

Read More »

ፍልስፍናን ፖለቲካን ካልኣይን መውዳእታን ክፋል

ሕራይ…! ሕጂኸ እቲ ዝያዳ ኣጠቓላሊ ትርጉም ፖለቲካ እንታይ እዩ ምበልና? ኣብ መንጎ መንግሰትን ውልቀሰብን ዝህሉ ርክብ ውጥረት ዝመልኦ እዩ፡፡ እታ መንግስቲ ነቲ ውልቀሰብ ክትመልኮ ትደሊ፤ ንሱ ኸኣ ብግዴኡ ልጓማ ክሕዝ ይብህግ፡፡ ሰልጣን በኸመይ ትጭብጥ? ምስ ጨበጥካዮኸ ብኸመይ ትዕቅቦ? እቲ ኣከራኻርን ምስ ስነ-ምግባርን ዝያዳ ተኣሳሲሩ ዝለዓልን ገጽ ፖለቲካ እዚ እዩ፡፡ ፖለቲካ ካልኣዊን ዝነዓቕን ንጥፈት ጌርካ ምእማን ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ሓደገኛ …

Read More »

ፖለቲካን ፍልስፍናን ቀዳማይ ክፋል ብናስሮቪች

ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ ክበሃል ብተደጋጋሚ ሰሚዕና ኣሎና፡፡ እዚ ማለት ሰብ ንበይኑ ተነጺሉ ህላዌኡ ከውሕስን ክሰርርን ኣይክእልን እዩ ማለት እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ሰብ ስሱዕን ንውልቀይ ብሃሊን እውን እዩ፡፡ ነዚ ክልተ ተጻራሪ ባህርያት ጸይሩ እዩ ዝነብር፡፡ብዘይ ካልኦት ሰባት ክነብር ኣይኽእልን፤ ይኹን”ምበር ንስለ ካልኦት ብምባል ውልቃዊ ባህጉን ሸውሃቱን ክጥንጥን እውን ፍቓደኛ ኣይኸውንን፡፡ እዚ መስረታዊ ባህሪ ወዲሰብ እዩ፡፡ ኣድላይነት ፖለቲካ ካብዚ እዩ ዝብገስ፡፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com