Thursday , March 28 2024

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. በዓልቲ-ሓዳር’ዶ ወይስ በዓልቲ-ቓንዛ?. . .

ገንዘብ ሓድሓደ ግዜ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ድሕሪ ኣምላኽ (ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ) ዚስራዕ መሳለጢ ኢዩ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ገለ ሰባት እናሞቱ ከለዉ እውን ንሓንቲ ህሞት ናይታ ተሪፋቶም ዘላ ህይወት እኳ ትኹን ገንዘብ እናቖጸሩ ኪሰናበቱ ዚደልዩ ኣለዉ። ገለ ድማ ገንዘብ ደኣ ይደልቡ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣሽሓት እንተ ተሳቐዩ ዘይግድሶም ኣለዉ። ብናይ ሰብ ቃንዛ፡ ገንዘቦም የኻዕብቱ ማለት ኢዩ። …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ሳየንሳዊ ሓበሬታ ካብ ደፋር መምህር (Ig Nobel Prize Winner?). . .

ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገር ኤውሮጳ ኢዩ። እቲ መምህር ኣብ 3ይ ክፍሊ ሳየንስ ኪምህር እተመደበሉ ምኽንያት ሕጽረት መምህራን ስለ ዝነበረ ኢዩ ምበር ፍልጠቱስ ክሳዕ ክንድዚ ኣይነበረን። ግን ከኣ ደፋር ኢዩ። ንሳየንስ ዘይስሙ ሂቡ ምሕላፉ ግን ብቐሊሉ ዚርሳዕ ኣይኮነን። ኣብ 3ይ ክፍሊ ሳየንስ ኪምርህ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ምሂሩ ወደአ፡ ነቶም ተመሃሮ ድማ ሕቶ እንተለዎም ኪሓቱ ከም ዚኽእሉ ይሕብሮም። ግን ብዙሕ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣብ ስርቂ እተመርኮሰ ፍትሒ ………..

ዳኛ ኪብሃል ከሎ መቸም ጥዑይ ስም ኪህሉዎ ኣይክእልን። ኣብ ዓለምና ምስ እንርኢ፡ ጉቦ ዚብሃል ቃል ኪፍጠር ዝኸኣለ፡ ነገራት ብፍትሒ ኪረኣዩ ኣለዎም ዚብል ሓሳባት ምስ ሰፈነ ኢዩ። ኩሉ ብሚዛናዊ መገዲ ኪፍታሕ፡ ኪከሓስ፡ ኪቕጻዕ ይግባእ ዚብል ኣካዪዳ ግን ኣፍኣዊ ደኣዩ ነይሩ ምበር፡ ቤትፍርዲ ጌና ኪፍጠር ከሎ፡ ምስኡ ድማ ጉቦን ብልሽውናን ከም እተፈጥረ ንኹሉ ሰብ ብሩህ ኢዩ። ደርሆ ሒዝካ ናብ እንዳ ዳኛ ምኻድ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣገዳሲ ሃገራዊ ምኽሪ ካብ ሰራቒ ………..

ስርቂ እቲ ፈላሚ ናይ ወድሰብ ሞያ እዩ እንተ በልና ምግናን ኣይኮነን። ግን ጎነጽን ቅትለትን ማእሰርትን ስለ ዘበዝሖ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ድማ ደው ኪብል ስለ ዘይከኣለ፡ ሞያ ምዃኑ ኣቋሪጹ ብኻልእ መገዲ ኪነጥፍ ጀሚሩ። ገለ ሰባት ንንግዲ ከም ብተዘዋዋሪ መገዲ ዚካየድ ስርቂ ኢዩ ይብሉዎ። ብገለ ወገናቱ ሓቃቶም ኢዮም። ግን ጎነጽን ማህረምትን ቅትለትን ስለ ዘይብሉ፡ ዝሓሸ ስርቂ ኢዩ ክንብሎ ንኽእል። ከምዚ ክብል ከሎኹ፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብማይ ዘይትትርክስ ልቢ ………..

ኣብ ኣስመራ ኢዩ፡ ኣብ ከባቢ 2000። ሓደ ቖልዓ ኣብ ሓደ ብዘይ ወግዒ ዝሓዝኦ ኣንጎሎ ኮይኑ ረጒድ ዝዓይነቱ መወጽ ይሸይጥ። ንሓንቲ መወጽ (ሓባ) 50 ሳንቲም ኢያ፡ ግን ንስኒ ከም በረድ ኢዩ ዘጻዕዱዎ። ስኒ እንተ ዘይብልካ ድማ፡ ስኒ ከም ዘሎካ ኣብ ኣፍካ ሰዂዕካ ትረኣየሉ ማለት ኢዩ።   ሓደ ሰብኣይ ነይሮም፡ ብዕድመ ቅሩብ ዝደፍኡ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይበርሐን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣምላኽ ንኣስናኖም ኣቐዲሙ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ደፋርን ዘይሓፍርን ቁንጪ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ቁመቱ ኣዚዩ ሓጺርን ኣካላቱ ደቂቕን ዝኾነ ፍጥረት (ዕንኩራይ ጻጸ ኢዮም ዚብሉዎ ነይሮም) ምስ ሓደ ብኹሉ መዐቀኒ ዘይመዘንኡ ሰብ ኣብ ግርጭትን ባእስን ኣተወ። ዕንኩራይ ጻጸ ብድፍረቱ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ።   ዝኾነኾይኑ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ቃልሱ፡ ኪዕወት ኣይከኣለን። እቲ መባእስቱ (ዓይኒ ሕንዚዝ ኢዩ ዚብሃል ነይሩ) ሓፍ ኣቢሉ ሰፍሲፉ ኪድርብዮ ምስ ሃቀነ፡ ኩሉ ዚርኢ ዝነበረ ሰብ ”አረ በጃኻ መሓሮ” ብምባል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ናይ ህጻናት ዓለም ………..

ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣመሪካዊት ቁሸት፡ ሓደ ካህን ኣብቲ ህጻናት ዚሳተፉሉ ናይ ሰንበት ትምህርቲ፡ ነቶም ህጻናት ነቲ ናይ ርህሩህ ሳምራዊ ዛንታ በቲ ንኣታቶም ዚርድኦም መገዲ ገይሩ ከዘንትወሎም ይውስን። ከምዚ ድማ ይብሎም፥   ”ገለ ጎሓሉ ንሓደ ሰብኣይ ገንዘቡ ንኺወስዱ ይሃርሙዎ፡ ንብረቱ ወሲዶም ድማ ኣብ መገዲ ደርቢዮምዎ ይኸዱ። ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ በዓል ማኪና በቲ መገዲ ይሓልፍ፡ ነቲ ዝወደቐ ሰብኣይ ርእዩዎ ድማ መገዱ ይቕጽል። …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. እታ ዘይተማሱ ልቢ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ንእሽቶ ወዳ ናብ ገምገም ባሕሪ ትኸይድ። እቲ ህጻን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኮይኑ በይኑ ኵዕሶ ይጻወት፡ ንሳ ድማ ካብኡ ርሕቕ ኢላ፡ ኣብ ባይታ ምንጻፍ ኣንቢራ ተማዕዱዎ።   ቅሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ባሕሪ ማዕበላት ኪገላበጥ ይጅምር። ሓደ ዓቢ ማዕበል ናብቲ ገምገም ባሕሪ መጺኡ ነቲ ህጻን ምስ ኵዕሶኡ ተሰኪሙ ናብቲ ማእከል ባሕሪ ይድርብዮ።   ነዚ ዝረእየት ኣደ፡ ኡይ ብምባል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ፍቕሪ ድሕሪ ኩሉ ኪስራዕ ከሎ ………..

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአን ደሓን ዝኾነ ሃብቲ ዝነበሮን ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል 18 ዓመት ይምርዓዋ። እታ ጓል፡ ንእሽቶ ጥራይ ዘይኮነትስ ጽብቕቲ’ውን ኢያ ነይራ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ይገርሞ፡ ኩሉ ድማ ይቐንኣሉ።   ”ኣንታ ኣበይ ደኣ ረኺብካያ ነዚኣ እትመስል ጓል፡ ኣጕባዝ ዘይረኸቡዋስ ናባኻ ወዲቓ፡ ሃብትኻ ርእያ ዲያ?” ይሓትት ሓደ ካብ ብጾቱ። ”እንታይ ደኣ፡ ሃብተይ ርእያ ኢያ እምበር” ይምልሽ እቲ ሰብኣይ። ”እሞ ወላ ሃብታም ኩን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣሉታዊ ጥቕምታት ሽጋራ ………..

ሽጋራ ብዝኾነ መምዘኒ ጥቕሚ ዘለዎ ኣይመስልን። ገለ 50 ዓመታት ይገብር፡ ገለ ሰባት ንሽጋራ ከም መድሃኒት ሲኑሳይቲስ (ናይ ኣፍንጫ ውሽጣዊ ሕማም) ገይሮም ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ግን ብምርምር እተረጋገጸ ኣይመስለንን። ዝኾነኾይኑ፡ ክትበልዖ ዝደለኻ ኣባጉንባሕስ፡ ዛግራ ትብሎ እንድዩ ነገራቱ፡ ብዙሓት ሰባት ንሽጋራ ፈውሲ ናይ ከምዚዶ ናይ ከምቲ እናበሉ ይሰትዩዎ ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ትዝታ ኢዩ።   ኣለማዮ ካሕሳይ እተባህለ ኮመድያን ግን፡ ሽጋራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com