Tuesday , April 23 2024

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓንቲ ዓለም፣ሳየንስ፥ ኪነዓቕ ዘይብሉ መገዲ ሓቂ

ኣማኑኤል ሳህለሳየንስ ማለት ብስነሞገትን ብትዕዝብትን ብተመክሮን ብምምዛንን ብምዕቃንን ዚካየድ ናብ ሓቅነት ዚመርሕ መገዲ እዩ። ናብቲ ሓቂ ንምብጻሕ ከኣ ኣብ ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን ኣይኣምንን ኣይምርኮስን እዩ። ንኹሉ ነገራት ምኽንያት ወይ ጠንቂ ይደልየሉ።ሳየንስ ኣብ ተባዕን ደፋርን ኣእምሮ ይምዕብል: ነቲ ሰብ ብያታን ብወግዕን ዚኣምነሉን ዚምክሓሉን ፍልጠጥን መትከላትን ዶግማታትን ድማ ኣብ ሕቶ ከእቱዎን ኪሰብሮን ከምክኖን ዋጋ ዘይብሉ ገይሩ ከትርፎን ድሕር ኣይብልን።መብዛሕትኡ ኣብ ሳየንስ ዘይኣምን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ቋንቋን ዘረባን (language and speech)

ኣማኑኤል ሳህለ ቋንቋ ኪብሃል ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ሜላ እዩ። እዚ ድማ ብምንቅስቓስ ኢድን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን፡ ብመልክዕ ስእልን፡ ብሽታን፡ ብሓጸርቲ ድምጽታትን፡ ካብ ኣፍ ካብ ዚወጽእን ኣገባብ እተኸተለን ድምጺ (ዘረባ) ወዘተ ይትግበር። ዘረባ (speech) ኪብሃል ከሎ ግን ናይ ቋንቋ ዝለዓለ ደረጃ ኾይኑ ኣብ ወድሰብ ጥራይ ዚርከብ ብናውቲ ኣፍን በቲ ዚቆጻጸሮክፍሊ ሓንጎልን ዚኽሰት ድምጻዊ ተርእዮ እዩ። ወዲሰብ በቲ ካብ ጎረሮ …

Read More »

ኣፍኣውን ኣካላውን ዘረባ (body language)

ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ሰብ ኪዛረበና ከሎ ወይ ምስኡ ከነውግዕ ከሎና፡ ስለምንታይ ኢና ገጹ ክንሪኦ እንደሊ? ነቲ ብደገ ኮይኑ ኪዛረበና ዚደሊ ሰብ እውን፡ እቶ ኢና እንብሎ። ከምዚ መግበሪና ምኽንያት፡ ነቲ ዘረባ ካብቲ ኣፉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ገጹን ነቲ ኣካላቱን ብምዕዛብ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሓበሬታ ክንግምግሞ ስለ እንደሊ እዩ። ሓደ ህጻን ንኣዲኡ ገለ ሃብኒ ኢሉ ምስ ዚሓታ፡ ንሳ ኸኣ ከም ዘይትህቦ ምስ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ካልኣይ ክፋልን መወዳእታንኣማኑኤል ሳህለ ኣንፈታውን ቦታውን ምስትውዓል (spatial intelligence) ገለ ሰብ ኣሎ ኣብ ሓደ ከተማ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንኹሉ ናይታ ከተማ ሸነኻትን መውጽእን መእተውን ዕዳጋኡን ቤተክርስትያኑን መስጊዱን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ዘቐምጦ፡ ካብ ገዝኡ ወጺኡውን ንኺምለስ ኣይደናገርን። ገለ ድማ ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ከተማ ዓመት ተቐሚጡ፡ እቲ ቀንዲ ጎደና ወይ እቲ ስታድዩም በየን ከም ዘሎ ዘይፈልጥ።ከምቲ ሓደ ብጻይና …

Read More »

ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ኣማኑኤል ሳህለ ገለ ሰብ ኣሎ ብዶክቶረይት ዲግሪ ተመሪቑ፡ ፕሮፈሰር ዚብል መዓርግ ለቢሱ ከብቅዕ፡ ክዛረብ ክትስምዖ ከሎኻ፡ እምበርዶ ተማሂሩ እዩ ትብል። ኣቦታትናኮ ካብ ምህሮ ኣእምሮ ኢሎምዎ እዮም። ከምቲ ሓደ ኣብ 1920ታት ኣብ ሃገር ጣልያን ኪምሃር ምስ ተላእከ፡ ትምህርቱ’ውን ምስ ወደአ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ንኣቦኡ ኣብ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ዝበሎ እዩ፥ “ኣቦ! እዛ ወርሒ ሚላኖስ ልክዕ ነታ ወርሒ ዓድና እያ እትመስል……”። ክልቲአተን ቆሎ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ዕስለኣዊ ባህሪ (herd instinct)

ኣማኑኤል ሳህለ ሰብ ንበይኑ ኪኸውን ከሎን ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ኪኸውን ከሎን እተፈላለየ ባህርያት እዩ ዘርእይ። እቲ ንበይኑ ኪገብሮ ዘይደፍር ነገራት፡ ምስ ብዙሓት ኪኸውን ከሎ ኪገብሮ ይደፍር። ፍርሁ እውን ይጎድል። ብዙሕ ኣይጭነቕን። ምስ ህዝብኻ መዓትስ ዳርጋ ገዓት እኮ ተባሂሉ እዩ። ህጻናት ኣብ ጥቓ ገዛውቶም ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ርኢኹምዶ ትፈልጡ? ሰብ ኪሓልፍ ከሎ፡ ገለ ዓይነት ድምጺ ምግባር ወይ ገለ ቃላት ምድርባይ ኣየፍርሆምን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም።ኮቪድ-19፥ ናይ ለውጢ ደወል

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ኣብ ዳርጋ ኩሉ ዘመንን መዋእልን፡ ንኺምህር ወይ ዓይኒ ኪኸፍት ዝኸኣለ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ፍጻመታት ተራእዩ እዩ። ንብድሕሪ ሕጂ እውን ኪቕጽል እዩ። ከም ኣብነት፡ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ከቢድን ሰፊሕን ኲናት፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ወራር፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ደርቅን ጥሜትን፡ ለበዳ፡ ወዘተ። ብወገን ፍልጠት እንተ ርኢና ድማ፡ ዓበይቲ መምህራንን፡ ሊቃውንትን፡ ፈላስፋታትን፡ መንፈሳውያን መምህራንን፡ ንኣእምሮ ሰብ ዚልውጥ ሓድሽ ትምህርትን ግንዛበን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ህይወት ትርጉም ኣለዎዶ?

(ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን) ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ ንትርጉምን ዕላማን ህይወት ብዚምልከት፡ ህይወት ወይ ፍጥረት፡ ስሩጽ (intrinsic) ዕላማ ከምዘይብሉ፡ ግን ኣእምሮ ሰብ ነቲ ዕላማ ባዕሉ ከም ዚፈጥሮን ከም ዚምህዞን ገሊጸ ነይረ። ዕላማን ትርጉምን ምፍጣርካ፡ ከምኡውን ድሕሪ ሞት ዘሎ ኩነታት ዘይምፍላጥካ ናብ ከቢድ ስግኣትን ስነልቦናዊ ቀውስን ዘብጽሕ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ካብ ጥንቲ ነቲ ቅርጺ ዝሰኣነሉ ሓቃውነት (reality)፡ ባዕሉ ቅርጺ እናሃበ ኣእምሮኡ ንኸዕርፎ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ህይወት ትርጉም ኣለዎዶ?

ኣማኑኤል ሳህለ ህይወት ወይ ፍጥረት፡ ትርጉም ወይ ዕላማ ኣለዎዶ? ኢልካ ምስ እትሓትት፡ መብዛሕትኡ ሰብ እወ ብምባል እዩ ዚምልሽ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል፥ ህይወት ትርጉም እንተ ዘይህልዎ ደኣ ምንባር እንታይ እዩ ዕላማኡ? ንምንታይከ ተፈጢርና? ግንከ ህይወት ወይ ፍጥረት ትርጉም ከም ዘይብሉ እንተ ዚረጋገጽ ነይሩ ምንባር ምገደፍናዮዶ? ብምባል ከም ብሓድሽ ክትሓቶ ትግደድ። ኣይምገደፍናዮን፡ ከመይሲ፡ ሓንሳእ ኣብ ህይወት ምስ ኣቶኻ፡ ክትመውት ወይ ክትጠፍእ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ምህዞታትን ርኽበታትን ሳዕቤኑን (inventions and discoveries)

ኣማኑኤል ሳህለ ዝበዝሕ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምሂዙ ኪብሃል ንሰምዕ። ግን ዝኾነ ምህዞ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይክስተን እዩ። ብብዙሓት ኣእዳው ተመራመርቲ ዝሓለፈ መስርሕ እዩ እንተ ተባህለ ይምረጽ። እቲ ምሂዙ ዚብሃል ሰብ፡ እቲ ነቲ ኪምሃዝ ዝነበሮ ነገር ወይ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ኢዩ ኣብ ዕላማኡ ወይ ኣብ ጥርዙ ከብጽሖ ዝኸኣለ። ንኣብነት ራድዮ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ተማሂዛ ንብል። ግን ቅድሚ ራድዮ ምምሃዛ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com