Thursday , April 25 2024

ጸጋብርሃን ጎይት ኦም

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም…………….ራብዓይ ክፋል

“በቓ! ክሳብ መወዳእታ ዝገበርክዎ ቕልስ ክሰልጠኒ ስለ ዘይክኣለ፣ ኣብ መወዳእታ ሓይለይ ጸንቂቐ ዘፍ ስለ ዝበልኩ፣ እቲ ገባሪ እከይ ኣብ ልዕሊ ክብረይ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ድልየቱ ፈጺሙ። በቓ ተጋሲሱኒ… እዋይ…” ኣስካሕክሐት። “ኣታ ወዲ! ዘሕለፍኮ ቓንዛ ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ኣብ’ቲ መጀመርታ ሓይለይ ወዲአ’ኳ እንተነበርኩ፣ እቲ ቓንዛን ኣብ ልዕለይ ዝፍጸም ዝነበረ ሓይሊ ዝትሓወሶ ዓመጽን ግና፣ ምረቱ ዝጽወር ስለ ዘይኮነ፣ ልበይ ክሳብ ነጢራ ክትወጽእ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……………………….ሳልሳይ ክፋል

“ጌና ዕላለይ ኣይወዳእኩን፣ ክሳብ መዛዘሚ እንተሰሚዕካኒ፣ ናይ ብሓቒ ከም’ዚ ድያ ኣሕሊፋ ከም ትብል ርግጸኛ’የ። ቐው ኢልካ ክትጥምተኒ ጸኒሕካ፣ ከም ግምተይ ሕሉፍ መልክዐይ ኢኻ ከተዋዳድር ጸኒሕካ። ብዓልቲ ተስፋ ስለ ዝኾንኩ እምበር፣ ሽግር ንወዲ ሰብ ይድዉኖ እንተዝነብር፣ ኣነ ቐዳሜቲ ናቱ ግዳይ ምኸንኩ። ክገርመካ ጸገም ካብ ንእስነተይ ግዲ ምሳይ ዓብዩ፣ ይጸሮ’የ… እቲ ዝኸፍኣ ጸገም ድሒሩ’ዩ መጺኒ፣ ክቅጽል’ዶ?” ግዲ ፈዚዘ ርእያትኒ፣ ብሕቶ ከም ዝበራበር …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……………………….ካልኣይ ክፋል

“የሕዋት’ከ ኣይነበርኹን ድዮም?” ክሳብ ሕጂ የሕዋታ ዘይምጥቓሳ እናገረመኒ ተወከስክዋ። “ነቲ እዋን ክዝክር ከለኹ፣ ኩሉ እንድዩ ፋሕ ፋሕ ዝብልኒ እናኺነ። ሰብ ኣብ ገዝኡ እንተዘይቐሲኑ፣ ነገራት ፋሕ ፋሕ’ዩ ዝብሎ፣ ነቲ ናይ ሽዑ ፍጻሜ ስለ ዝዘከርኩ እምበር ካልእ ኣይኮነነ። ሽዑ ዝጀመረ መሪር ዕድል’ዩ ካብ ሕጂ ምሳይ ዝሳለ ዘሎ። ፍቕሪ ገዛ ወሳኒ’ዩ በጃኻ። ብዝኾነ ንዓይ ሓዊስካ ሰለስተ ኣሕዋት ኢና ነይርና። እታ ቦኽሪ ገዛና፣ ሓዳር …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ቀዳማይ ክፋል   ሸበድበድ እናበልኩ’የ ናብ ቦታ ቖጸራ በጺሐ፣ ዝተቃጸርናሉ ቦታ፣ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ርሕቕ ዝበለ ብምኻኑ፣ ነታ ንፈለማ እዋን እትረኽበኒ ዝነበረት ጋሻ፣ ከየቐይማን ከይድንጉያን ብምሕሳብ፣ ዳርጋ ናብ ጉያ ዝገማገም ኣሳጉማ ኣኸቲለ’የ፣ ኣብ ቦታ ቖጸራ ደበኽ ዝበልኩ።  ክንራኸበሉ ዝመረጽናዮ ሰፈር፣ መታን ብሕትው ኢልና ከነዕልል፣ ብጽምዋ ዝትዓብለለ ኣብ ከፋት መአንገዲ ዓማዊ ሳን ሻይን ሆቴል’ዩ፣ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ብምንባሩ፣ ናብ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም 4ይን መወዳእታን ክፋል

  “እስከ ኣብርህለይ፡ እተን ሰለስተ መንገድታት ዝበልክየን፧” ንዕላላ ኮሊፈ ተወከስክዋ። “ብእግሪ ዝበልኩኻ፡ ካብ ግሪኽ ተበጊስካ ብተርታ ወይ ልክዕ’ኳ ዝፈልጦ ተዘይኮንኲ፡ ግና መጀመርታ ናብ መቖደንያ፡ ሰርብያ፡ ኲሬሽያ፡ ቦዝንያ ወዘተ እናቖረጽካ ናብ ኢታሊ ኢኻ ትኣትው፡ እዚ ብእግሪ ኾይኑ ከቢድን ምስ ደቒ ኣንስትዮ ዘይከይድን’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤውሮጳ ፓስፖርት ሒዝካ ብኣየር ፖርት ትፍትን፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተሰንዐ ቪዛ ትፍትን፡ ሰብ ብኸምዚ’ዩ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ሳልሳይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ ንብዓት ጸረር ኣበለት፡ ዝኸፍኣ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርር ዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታ ዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ። “ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡” ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ ኣይወሰደለይን፡ እንተውሓደ ቤት መስተ …

Read More »

መሓዙተይ!

ሓቀኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋም “ከምዚ ከዕልለካ ዝጸናሕኩ እዩ። ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’የ ነይረ፡ ዳሕራይ ግን ኣንፈተይ ጠፊኡ፣ ኩሉ ተሓዋዊሱኒ…” ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ብትካዘ ኣዕለበጠት። “እንታይ ዝበለ ዕንቅፋት ድዩ ኣጋጢሙኪ?” ንኣስታት ክልተ ሰዓት ልባ ኣውዲቓ፡ ብርግኣት ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት ሃንደበት ኣብ ዓሚቕ ምስቁርቋር ምእታዋ፡ እቲ ንኹሉ ዝጸውር ሞራላ ተተንኪፉ ከይከውን ሰጋእኩ። “ኣብ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ …

Read More »

መሓዙተይ!

ሓቀኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ቀዳማይ ክፋል “ትምህርቲ፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ምንቅስቓስ ደቂ-ሰብ ብዘጋጥም ተሞኲሮ’ዩ ዝፍጠር፡” ብምባል’ያ ዕላላ ጀሚራትለይ። ደጋጊመ ካብ ምዕዛብ – ገና ኣብ ፈለማ 20ታት ከም ዘላ ክግምት ክኢለ። እቲ ወዝ ከም ዝነበሮ ዝምስክር ገጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወገኑ ማዳ ዘሪኡ ብምንባሩ፣ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣሰካፊ ጸገም ከም ዘጋጠማ፡ ምስ’ቲ ተኣሳሲሩ ተጨቢጡ ዝነበረ ኣካላ ብምውህሃድ ክድምድም ተደናደንኩ። ብመገዲ ወዲ ኣሃዱየይ እየ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com