Thursday , April 25 2024

ጸጋብርሃን ጎይት ኦም

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 21 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ። እዛ 184 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቅኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ ይጻወቱ …

Read More »

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታካልኣይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ።“ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ ወዘተ …

Read More »

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታቐዳማይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ኣብ ዓለም ብስራሕ ዝርከብ ክብሪ’ዩ ሰብ ዝገብረካ፣ ኪኖ እቲ ብሕብረተሰብ ክብሪ ዝህበካ መንገዲ ምኻድ ግና መወዳእትኡ ከም’ዚ ናተይ’ዩ…” ርእሱ እናሓኸኸ ንኽብሪ ስራሕ ከብርሃለይ ፈተነ። ኣብ ዓለም ብዘይ ስራሕ ክብሪ ከም ዘይርከብ ሽዑ እዋን ዝተሰዎጦ ይመስል። ‘ነታ ስራሕ’ዩ ክብሪ’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ድማ ካብ መፈለምትኡ ደጋጊሙ ኣድመጻ።ኣብ ሓደ መዛናግዒ ማእከል ኢና ብወዝቢ ተራኺብና፣ ምስ ስነ ጥበበኛ …

Read More »

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ሓቐኛ ዛንታ: ዓባይ በጊዕ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  “ነቲ ሕማቕ ስዒበዮ!” ብስንባደ ነቲ ናታ ቃል ደገምክዎ። “እወ!… ክገርመካ ‘ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ’ዩ’ ነገሩ። ኣነ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡  እዛ ሓፍተይ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ዓሰብ ንእሽተይ ዱኳን ትኸፍት። ንማለቱ ድኣ’ያ ዱኳን ከፊታ እንበር፡ ንሳስ ነቲ ናይ ደገ ደገ ወልፋ ተሃና ከተውጽእ’ያ ደልያ እየ ዝብል። ብዝኾነ ንዓይ ክትሕግዘንን ቘልዑ’ውን ክትሕዘለይ፡ ብኡ ገይርኪ ድማ ጉዳይ ትምህርትኺ ትገብሪ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዓባይ በጊዕ—

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  ኣብ ከባቢ ዕስራታት እትርከብ ጎርዞ እያ። ዕላላ ህዱእን ቁም-ነገር ዝዓብለሎን ብምዃኑ፡ ካብ’ቲ ተመሲጥካ ንኽትሰምዖ ዝድርኽ መዐቀኒታት ሓደ’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ፡ ኣመዛዚንካ ናይ ዘይምኻድ ባህርያት ከም ዘለዋ ግን፡ ካብ ዛንታኣ ክግምት ኣይተጸገምኩን።  ብቖጸራ ኣብ ሓደ ካፊተርያ ምስ ተራኸብና፡ ነቲ ብግርህነት ዝኣተወቶ’ሞ ሕጂ እትጥዓሰሉ ዘላ ግዜ ንእስነታ፡ ኣብ ምዝንታው’ያ ብቕጽበት ተሸሚማ። ኣነ እውን ንእትብለኒ ክሰምዕ ተዳለኹ፡ ንእስነት ዝመንቀሊኡ …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ከይደቐስኲ ዝሓለምክዎ ባህጊ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምካልኣይን መወዳእታን ክፋል “እንድዒ ጓለይ እዚ ቅልጥፍ ኢልካ ትገብሮ ነገራት፡ መወዳእታኡ ሳዕቤን ኣለዎ። ንስኺ ድማ ክትጥቀቒ ኣለኪ” ዕትብ ኢላ ተዛረበታ።“በሊ ከይትቕየምኒ እምበር፡ ኣነ’ስ መታን ክኣምንኒ ውዒለዮ’የ። ደጋጊሙ ምስ ለመነኒ ከይከስሮ ብምባል ውዒለዮ፡” እቲ ሓቂ ተናስሓትላ።“ክኸውን ኣይነበሮን ሄለን! ግና ዝፈሰሰ ስለዘይሕፈስ፡ ኣብ ፍታሕ ጥራይ ነድህብ ሕጂ። ቀልጢፍኪ ወድኣለይ በልዮ። ንሱ’ዩ እቲ ዝሓሸ እምበር፡ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ተህተፍትፊ ከይትህልዊ’ዩ ፍርሐይ። ባህጊ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ከይደቀስኩ ዝሓለምክዎ ባህጊ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምቐዳማይ ክፋል እቲ ፍጻመ ልክዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዋኑ ሄለን ኣብ ታኼላ ሓጐስ ተሸሚማ ንዓለም ኣይትጽረኒ ዝበለትሉ እዋን’ዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ወትሩ እትሓልሞ፡ ብቐትሩ ድማ እትብህጐ ናይ ወትሩ ባህጋ፡ እዋኑ ኣኺሉ ናብ ናይ መዛዘሚ ፍጻመ እናተቓረበ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ከም’ታ ወርሒ እቲኣ ገይራ ብሓጎስ ዘሕለፈቶ ግዜ ውሑድ’ዩ። እቲ ዘይጭበጥ ዝመስላ ዝነበረ ባህጊ ክትውንኖ ብምቕራባ።ነቲ ናይ ሓጐስ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ግዜ ምስ ሓለፈ!

ጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል “ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ። “ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ግዜ ምስ ሓለፈ

ጸጋብርሃን ጎይትኦምቐዳማይ ክፋል“ኣብ ዓለም ብስራሕ ዝርከብ ክብሪ’ዩ ሰብ ዝገብረካ፣ ኪኖ እቲ ብሕብረተሰብ ክብሪ ዝህበካ መንገዲ ምኻድ ግና መወዳእትኡ ከም’ዚ ናተይ’ዩ…” ርእሱ እናሓኸኸ ንኽብሪ ስራሕ ከብርሃለይ ፈተነ። ኣብ ዓለም ብዘይ ስራሕ ክብሪ ከም ዘይርከብ ሽዑ እዋን ዝተሰዎጦ ይመስል። ‘ነታ ስራሕ’ዩ ክብሪ’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ድማ ካብ መፈለምትኡ ደጋጊሙ ኣድመጻ።  ኣብ ሓደ መዛናግዒ ማእከል ኢና ብወዝቢ ተራኺብና፣ ኣነ ምስ ስነ ጥበበኛ ኣቢብ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዕድል ድዩ?

ሻድሻይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ምስ ዳዊት ከ ተፈላሊኹም ዶ?” ናብ ዳዊት ኣስገርኩዋ።“ልዕለይ ዳዊት’ዩ ተጨኒቑ። እዚ ሕማም ብኸመይ መጺኡኪ እናበለ ስለ ዘጨነቐኒ ክርሕቆ’የ ወሲነ….”“እሞ ተፈላሊኹም?”“ከመይ ገይርና ክንፈላለ! ክልቴና ምኽኣል ስኢንና ሳዕሪ ኢና ጸሪና። ኣብ መወዳእታ ዘሕፍር ተግባረይ ከይተሰከፍኩነጊረዮ።”“እንታይ ደኣ ኢሉ?” ግብረ-መልሲ ዳዊት ክፈልጥ ደለኹ።“ናይ ዳዊት መልሲ’ሞ ዘሰብድ እዩ—” ነቲ ኣሰንባዲ ናይ መወዳእታ ዛንትኣ ክትጸውየኒ ጀመረት፡ እናሓደረ ዝገርም ዛንታ።“ስቕ! በቃ ስቕ! ተዓኒዱ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com