Wednesday , April 24 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 9 ብኣማኑኤል ሳህለ

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ? ሓኪም ምስ ተረኣኻ ውጽኢቱ ኣይነገርካንን እሞ፡ እጽበ ኣሎኹ። ኣብታ ዝሓለፈት ደብዳበይ ዘይነገርኩኻ ፍጻመ ኣሎ። ቀልጢፈ ዘይነገርኩኻ ድማ ቅሩብ ስለ ዘሕፈረኒ እዩ። ግን ሕጂ ነብሰይ ስለ ዝወቐስኩዋ ክነግረካ መዲበ እየ ዝጽሕፈልካ ዘሎኹ። ሓጋይ ብምንበሩ፡ ሃሩርውን ብርቱዕ ብምንባሩ፡ ናብ ሓደ እንዳ ዓርከይ ከይደ። ንሱ ትሕቲ ዕድመ ብምዃኑ ምስ ሽወደናውያን ስድራቤት እዩ ዚቕመጥ። ናብቲ ዝቕመጠሉ ቦታ ምስ …

Read More »

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ መበል 14 ክፍለዘመን ዝነበረ ናይ ሮማ ጳጳስ ግረጎሪ ታሽዓይ፡ ኣብ ገዛኻ ደማሙ ምሓዝ ከም ኣምልኾ ሰይጣን ገይሩ ስለ ዝቖጸሮ፡ ንደማሙ ኣብ ኤውሮጳ ከም ዝጸንታ ገይሩወን። ከምዚ ምግባሩ ንኣናጹ ከም ዚበዝሓ ገይሩ፡ ኣናጹ ድማ ብወገነን ነቲ ብቡቦኒክ ፌራ ወይ ብጸሊም ሞት ዚፍለጥ ሚልዮናት ሰባት ዝቐተለ ተላጋቢ ሕማም ምኽንያት ኮይነን እየን።ኣብ ጥንታዊትን ግብጺ፡ እቶም ነቶም ፈርኦናት ብቐረባ ዘገልግሉ ዝነበሩ ባረዩ፡ ኣብ …

Read More »

ፍልስፍናን ስነ-ምግባርን ብናስሮቪች

ቀዳማይ ክፋል ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስነ-ምግባር ግጉይ ግንዛበ እዩ ዘለዎም፡፡ ስነምግባር ዝህሉ ንምቕጻዕ ኣሲርካ ንምሓዝ ወይ ንምዅናን ኣይኮነን፡፡ ነዚ ዝዓዩ እዅላት ኣብያተ ፍርዲ : ኣብያተ ማሕቡስን መደበራት ፖሊስን ኣለዉ፡፡ እዞም ትካላት ንባዕሎም ሕፍቲ ብዘይብሉ ንጹህ ስነ-ምግባራዊ መትከላት ድዮም ዝምርሑ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ሶቅራጦስ ብመስርሕ ፍርዲ ሓሊፉ እዩ ንሞት ተኾኒኑ፡ እንተኾነ ግና ካብቶም ዘቕተልዎ ዝዓቢ ስነምግባርን ናጽነት ኣእምሮን …

Read More »

ስምካ ልዕሊ መቓብርካ

“ብዝተቐበሎ ጥራይ ከቢሩ ዝነበረ ሰብ የለን። ክብረት ኣምሳያ’ቲ ዝሃብካዮ ዝወሃበካ ሽልማት እዩ” – ካልቪን ኩሊጅ ማሃትማ ጋንዲ “እቶም ሸዉዓተ ዉጉዛት ተግባራት” ኢሉ ዝገልጾም ዝነበረ “ሃብቲ ብዘይ ዕዮ፣ ሓጎስ ብዘይ ሕልና፣ ፍልጠት ብዘይ ጠባይ፣ ንግዲ ብዘይ ስነምግባር፣ ስነ-ፍልጠት ብዘይ ሰብኣዉነት፣ ሃይማኖት ብዘይ መስዋእቲ፣ ከምኡ’ዉን ፖለቲካ ብዘይ መትከል” ዝብሉ እዮም ነይሮም። ህጻን ክዉለድ እንከሎ መን’ዩ ዝዕልልን ዝሕጎስን? ወለዲ፣ መቕርብን ኣዕሩኸ-መሓዙትን! መን’ከ ይበኪ? …

Read More »

ኢድካ ናብ ካልኦት ዘይምውጥዋጥ!

ኣብዚ ዓለም፣ ወድ ሰብ ጥራይ እዩ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ፍጡር ሰፊሕ ልቦናን ጥበብን ተዓዲሉ። ይኹን’ምበር ኣብ ህይወት ምሉእነት ስለዘየልቦ ኣብ ትግባረ ዉጥናቱ ዕንቅፋታት ከጋጥምዎን ጌጋታት ክፍጽምን ንቡር እዩ። ዝበዝሕ እዋን ሰባት ንዓወቶም ምስ መንፍዓቶም ከተኣሳስርዎ እንከለዉ፣ ንፍሽለቶም ድማ ናብ ግዳማዉያን ረቛሒታት ወይ’ዉን ካልኦት ሰባት ከጸግዕዎ ይረኣዩ። ጌጋታት ግን ምኽኒት ስለዘናደኻሎም ዘይኮነ ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሕካ ክትገጥሞም ሕልናዊ ቅሩብነት ምስ እተርኢ ጥራይ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓላፍነትን

ናዚስታዊ ኣዶልፍ ኣይኽማን ጻዕረኛ ኣመሓዳሪ እዩ ዝነበረ፡፡ ​Adolf Eichmann ካብ 1942 ጀሚሩ ኣይሁዳውያን ኣውሮጳ ኣብ ፖላንድ (እንተላይ ኦሽቪትዝ) ናብ ዝርከቡ መዳጎኒ መዓስከራት ምውፋር ቀንዲ ተልእኾኡ ነበረ፡፡ እዚ ውጥን ኣካል ናይቲ ሂትለር “ናይ መወዳእታ ፍታሕ” ኢሉ ዘጠመቖ ኣብ ኲለን ጀርመን ብሓይሊ እተቘጻጸረተን ከባቢታት ዝነብሩ ኣይሁድ ናይ ምጽናት ዕላማ እዩ ዝነበረ፡፡ ኣይኽማን ናይዚ ፖሊሲ ወጣኒ ኣይነበረን፡፡ እንተኾነ ግና ስሉጥ ናይ ባቡር መጓዓዝያ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 8

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ ትምህርተይ ጽቡቕ እኸይድ ኣሎኹ። ኤለትሪቺስታ ክኸውን እየ ዝደሊ። እቲ ኣብ ዓድና ዘጥረኹዎ ትምህርትን ተመክሮን ጠቒሙኒ ኣሎ። ገሊኦም ብጾተይ፡ ኣብ ናይ ምኽሻን ትምህርቲ ዝኣተዉ’ውን ኣለዉ። ከልቢ ዘዛውሩ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይረኣኹን። ኣነ ካብ ኩሉ ዝገርመኒ፡ እቲ ኣብ ሃገርና እንንዕቆ ስራሕ፡ ኣብዚ ብዙሕ እዩ ዚኽፈሎ። ኣብ ሃገርና ኣብ ባንክታትን ኩባንያታትን ምስራሕ እዩ ብዙሕ እቶት ዘምጽኣልካ፡ ኣብዚ ግን እቲ ኣዚዩ …

Read More »

ትፈልጡዶ ቁ. 2 ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ድሕሪ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣመሪካ፡ እታ ቀዳመይቲ ብ 1777 ንኣመሪካ ከም ሃገር ዝፈለጠታ ሃገር፡ ሞሮኮ ከም ዝኾነት ትፈልጡዶ? 2. እታ ኣብ ትግራይ ክልል እትርከብ ናይ ኣል ነጋሽ መስጊድ፡ ከም ካልአይቲ መካ ከም እትቝጸር፥ ከምኡውን ብሰንኪ መስጎግቲ ደቀመዘምራን ነብዪ መሓመድ፡ ብሰንኪ ፈላሚ መጥቃዕቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ኣብ መካ ኣዛን ኣቋሪጹ ከሎ፡ ኣብ ነጋሽ ይቕጽል ከም ዝነበረ ትፈልጡዶ?   3. ታሕሳስ 1-1890 ጥልያን ንኤርትራ ከም ግዝኣቶም ምስ መስረቱዋ፡ ባጽዕ እያ ከም ርእሰ-ከተማ ኤርትራ ብወግዒ እተፈልጠት። ደሓር …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ኣፍሪቃ ስለስተ ዓይነት ኣዛብእ ከም ዘለዉፈረስ ደው ኢሉ ከም ዚድቅስበረድ ካብ ማይ ከም ዚፈኵስኣብዛ ዓለምናን ካብቶም ሕንዛማት ኣትማን፡ እቶም ዘይሕዛማት ከም ዚበዝሑቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ቋንቋ ኪዛረቡ ከም ዚኽእሉኣንጭዋ ንድሙ ከተህድማ ከም እትኽእልእቲ ዝበዝሐ ናይ ኣካላትና ስብሒ ኣብ ሓንጎልና ከም ዚርከብቀደም ዘመን ደቂ ንጉስ ዝኾኑ ቈልዑ ብኣደታቶም እናተኣልዩ ከም ነገስታት ይገዝኡ ከም ዝነበሩክሪስቶ ፎሮ ኮሎምቦ …

Read More »

ምስ መጽሓፍቲ ንመሓዞ!!ብበሪሁሉ ብኣማን

ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ኣባላቱ እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን። ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ’ዉን ኣብ ዓዉደ-መጽናዕቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com