Wednesday , April 24 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብማይ ዘይትትርክስ ልቢ ………..

ኣብ ኣስመራ ኢዩ፡ ኣብ ከባቢ 2000። ሓደ ቖልዓ ኣብ ሓደ ብዘይ ወግዒ ዝሓዝኦ ኣንጎሎ ኮይኑ ረጒድ ዝዓይነቱ መወጽ ይሸይጥ። ንሓንቲ መወጽ (ሓባ) 50 ሳንቲም ኢያ፡ ግን ንስኒ ከም በረድ ኢዩ ዘጻዕዱዎ። ስኒ እንተ ዘይብልካ ድማ፡ ስኒ ከም ዘሎካ ኣብ ኣፍካ ሰዂዕካ ትረኣየሉ ማለት ኢዩ።   ሓደ ሰብኣይ ነይሮም፡ ብዕድመ ቅሩብ ዝደፍኡ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይበርሐን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣምላኽ ንኣስናኖም ኣቐዲሙ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ቀዳማይ ክፋል   ሸበድበድ እናበልኩ’የ ናብ ቦታ ቖጸራ በጺሐ፣ ዝተቃጸርናሉ ቦታ፣ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ርሕቕ ዝበለ ብምኻኑ፣ ነታ ንፈለማ እዋን እትረኽበኒ ዝነበረት ጋሻ፣ ከየቐይማን ከይድንጉያን ብምሕሳብ፣ ዳርጋ ናብ ጉያ ዝገማገም ኣሳጉማ ኣኸቲለ’የ፣ ኣብ ቦታ ቖጸራ ደበኽ ዝበልኩ።  ክንራኸበሉ ዝመረጽናዮ ሰፈር፣ መታን ብሕትው ኢልና ከነዕልል፣ ብጽምዋ ዝትዓብለለ ኣብ ከፋት መአንገዲ ዓማዊ ሳን ሻይን ሆቴል’ዩ፣ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ብምንባሩ፣ ናብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ደፋርን ዘይሓፍርን ቁንጪ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ቁመቱ ኣዚዩ ሓጺርን ኣካላቱ ደቂቕን ዝኾነ ፍጥረት (ዕንኩራይ ጻጸ ኢዮም ዚብሉዎ ነይሮም) ምስ ሓደ ብኹሉ መዐቀኒ ዘይመዘንኡ ሰብ ኣብ ግርጭትን ባእስን ኣተወ። ዕንኩራይ ጻጸ ብድፍረቱ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ።   ዝኾነኾይኑ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ቃልሱ፡ ኪዕወት ኣይከኣለን። እቲ መባእስቱ (ዓይኒ ሕንዚዝ ኢዩ ዚብሃል ነይሩ) ሓፍ ኣቢሉ ሰፍሲፉ ኪድርብዮ ምስ ሃቀነ፡ ኩሉ ዚርኢ ዝነበረ ሰብ ”አረ በጃኻ መሓሮ” ብምባል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ናይ ህጻናት ዓለም ………..

ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣመሪካዊት ቁሸት፡ ሓደ ካህን ኣብቲ ህጻናት ዚሳተፉሉ ናይ ሰንበት ትምህርቲ፡ ነቶም ህጻናት ነቲ ናይ ርህሩህ ሳምራዊ ዛንታ በቲ ንኣታቶም ዚርድኦም መገዲ ገይሩ ከዘንትወሎም ይውስን። ከምዚ ድማ ይብሎም፥   ”ገለ ጎሓሉ ንሓደ ሰብኣይ ገንዘቡ ንኺወስዱ ይሃርሙዎ፡ ንብረቱ ወሲዶም ድማ ኣብ መገዲ ደርቢዮምዎ ይኸዱ። ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ በዓል ማኪና በቲ መገዲ ይሓልፍ፡ ነቲ ዝወደቐ ሰብኣይ ርእዩዎ ድማ መገዱ ይቕጽል። …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. እታ ዘይተማሱ ልቢ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ንእሽቶ ወዳ ናብ ገምገም ባሕሪ ትኸይድ። እቲ ህጻን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኮይኑ በይኑ ኵዕሶ ይጻወት፡ ንሳ ድማ ካብኡ ርሕቕ ኢላ፡ ኣብ ባይታ ምንጻፍ ኣንቢራ ተማዕዱዎ።   ቅሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ባሕሪ ማዕበላት ኪገላበጥ ይጅምር። ሓደ ዓቢ ማዕበል ናብቲ ገምገም ባሕሪ መጺኡ ነቲ ህጻን ምስ ኵዕሶኡ ተሰኪሙ ናብቲ ማእከል ባሕሪ ይድርብዮ።   ነዚ ዝረእየት ኣደ፡ ኡይ ብምባል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ፍቕሪ ድሕሪ ኩሉ ኪስራዕ ከሎ ………..

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአን ደሓን ዝኾነ ሃብቲ ዝነበሮን ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል 18 ዓመት ይምርዓዋ። እታ ጓል፡ ንእሽቶ ጥራይ ዘይኮነትስ ጽብቕቲ’ውን ኢያ ነይራ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ይገርሞ፡ ኩሉ ድማ ይቐንኣሉ።   ”ኣንታ ኣበይ ደኣ ረኺብካያ ነዚኣ እትመስል ጓል፡ ኣጕባዝ ዘይረኸቡዋስ ናባኻ ወዲቓ፡ ሃብትኻ ርእያ ዲያ?” ይሓትት ሓደ ካብ ብጾቱ። ”እንታይ ደኣ፡ ሃብተይ ርእያ ኢያ እምበር” ይምልሽ እቲ ሰብኣይ። ”እሞ ወላ ሃብታም ኩን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣሉታዊ ጥቕምታት ሽጋራ ………..

ሽጋራ ብዝኾነ መምዘኒ ጥቕሚ ዘለዎ ኣይመስልን። ገለ 50 ዓመታት ይገብር፡ ገለ ሰባት ንሽጋራ ከም መድሃኒት ሲኑሳይቲስ (ናይ ኣፍንጫ ውሽጣዊ ሕማም) ገይሮም ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ግን ብምርምር እተረጋገጸ ኣይመስለንን። ዝኾነኾይኑ፡ ክትበልዖ ዝደለኻ ኣባጉንባሕስ፡ ዛግራ ትብሎ እንድዩ ነገራቱ፡ ብዙሓት ሰባት ንሽጋራ ፈውሲ ናይ ከምዚዶ ናይ ከምቲ እናበሉ ይሰትዩዎ ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ትዝታ ኢዩ።   ኣለማዮ ካሕሳይ እተባህለ ኮመድያን ግን፡ ሽጋራ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ባዕሉ ከሳሲ፡ ባዕሉ ፈራዲ፡ ባዕሉ ቀታሊ

ኣብ ሓደ ገጠር፡ ባይሩ እተባህለ ተቐማጢ፡ ጋሕጋሕ ምድሪ ናብ እንዳ ተኽሊት እተባህለ ዓርኩ ከይዱ ማዕጾ ይኵሕኵሕ።   ’’መን’’ ይብል እቲ ኣብ ዓራት ዘሎ ተኽሊት። ’’ኣነ እየ ዓርክኻ ባይሩ፡ ክፈተኒ’’ ሽዑ ተኽሊት ጋቢኡ ተጐልቢቡ ነቲ ማዕጾ ይኸፍቶ’ሞ፡ ንባይሩ እንታይ ከም እተጓነፎ ይሓቶ። ”ደሓን ዲኻ! ናይ ደሓን ዲዩ?’’ ’’ኣይደሓንን’’ ’’ከመይ፡ ኣይደሓንን፡ እንታይ ኢዩ ነገራቱ…. እስከ ንገረኒ፡ ኣይትረበሽ…ህድእ በል..’’ ሽዑ ባይሩ ገበታ እናስተፈሰ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣዒንቲ ኣለዋኦም ዘይርእያ

ኣማኢት ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ሓደ ፈላስፋ ይቕመጥ ነበረ። ዓይነስዉር ኢዩ ነይሩ። ጸሓይ ምስ ዓረበት እሞ ጸልማት ድማ ምስ ኮነ፡ ፋኑስ (መብራህቲ) ሒዙ ኢዩ ዚዛወር ነይሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኤለክትሪክ ኣይነበረን።   ገለ ዚፈልጡዎ ሰባት ምስ ረኣዩዎ ስሒቖም። ”ኣንታ ጽሉል፡ እንታይ ኪገብረልካ ደኣ`ዩ ፋኑስ ሒዝካ እትዘውር ዘሎኻ፡ ዓይኒኳ ዘይብልካ” በሉዎ።   ንሱ ድማ፥ ”ኣነ እርኢ እየ ኣይበልኩን፡ ንስኻትኩም ግን ንርኢ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ዕዉር ንጥዑይ ኪመርሖ ይኽእልዶ?

ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ፡ ሓደ ትኳቦ እተባህለ ሰብ ኣብ እንዳ ፈታዊኡ ኣምሲዩ ንገዝኡ ኪኣቱ ገለ ናይ ርብዒ ሰዓት መገዲ ምስ ተረፎ፡ ናይቲ ከተማ መብራህቲ ብምሉኡ ይጠፍእ። ወርሒ ስለ ዘይነበረት ድማ ዕውንውን ይብል። ደርገፍገፍ እናበለ ኸሎ ምስ ሓደ ካልእ ሰብ ይጓነጽ። እቲ ሰብኣይ ገሪሙዎ ’’ደሓን ዲኻ ይብሎ?’’   ”ደሓን’የ፡ ኣብ መገዲ ከሎኹ መብራህቲ ከተማ ስለ ዝጠፍአስ ገዛይ ንግዜኡ ጠፊኡኒ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com