Friday , March 29 2024

ጥዕና

ኲባንያ መፍረ መካይን ቮልቮ ሰራሕተኛታቱ ካብ መገሻ ቻይና ይኽልክል።

ኲባንያ መፍረ መካይን ቮልቮ ሰራሕተኛታቱ ካብ ሽወደን ንቻይና ዝገብርዎ ጒዕዞ ክእግድ እዩ ተባሂሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምእዋጁ እዩ። ኣቦመንበር ጨንፈር ንግድ ሽወደን ኣብ ቻይና ላርስ ኣክ ሰቨሪን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ቻይና ዝርከባ ኲባንያታት ሽወደን ኣኼባታተንን ናይ ጒዕዞአንን ምስራዘን ድማ ተሓቢሩ። እቶም ካብ ቻይና ዝምለሱ ሰራሕተኛታት ቮልቮ ውሸባ ( ኳረንቲን) ክግበረሎም ምዃኑ ድማ ሬድዮ …

Read More »

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ንኹሎም ሽወደናውያን ናብ ውሱናት ከተማታት ቻይና ንኸይገሹ ይመክር።

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ንኹሎም ሽወደናውያን ናብ ቻይና ብፍላይ ድማ ናብቲ ክሮና ቫይረስ ተዘርጊሑሉ ዘሎ፡ ከተማ ዎሃንን ምምሕዳር ሆቢን፡ ንኸይገሹ ይመክር። ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ቦታታት ቻይና ክንደይ ሽወደናውያን ከምዘለዉ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ ዋሃብ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኢሪክ ካርልሶን ትማሊ ሰንበት 26 ጥሪ 2020 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። በዓል መዚ ጥዕና ቻይና ነዚ ናይ ቫይረስ ምስፍሕፋሕ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ እኳ …

Read More »

ኣብ ማልሞ ክልተ ናይ ክሮና ቫይረስ ምልክታት ተራእዩ።

ሰበ ስልጣን ጥዕና ማልሞ፡ ንክልተ በቲ ኣብ ቻይና ዝጀመረ፡ ክሮና ቫይረስ፡ ተለኺፎም ንኸይኮኑ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዩርኒቨርስቲ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ውሸባ ከም ዘእተወ ጋዜጣ Sydsvenskan ሓቢራ። እቶም ሕሙማት፡ ትማሊ ሰንበት መርመራ ዝተገብረሎም ድሕሪ ናይ ምስትንፋስ ጸገምን ካልእ ምልክታት ናይ ብክሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምስ ተራእዮም ምዃኑ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ትገልጽ። እቶም ናብ ቻይና ገይሾም ዝተመልሱ ሰባት እሞ ኸኣ …

Read More »

ደቢባዊ ክፍል ሽወደን ኣብ ግዚኡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘይምርካቦም ይሽገሩ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ዝግበረሎም ሰባት ምህላዎምን ነዊሕ ትጽቢት ከሕልፉ ይግደዱ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኤጀንሲ IVO ካብዞም ሕሙማት ገሊኣቶም ብመንሽሮ ጸላም ከብዲን ቆስጠን ከም ዝጥቅዑ ምፍላጡ ሓቢሩ’ሎ። እዞም ሕሙማት ኣብ ግዜኦም ሕክምና ዘይምርካቦምን በዚ ድማ ቀልጢፎም ክሓውዩ እንተገብኣም ሰኣን ፍጡን ረድኤት ሕማሞም ይጋደድ ምህላዊ ተሓቢሩ’ሎ። እዚ ኤጀንሲ ናይ ምጽባይ ግዜ ክጎድል ከም ዝግባእ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

Read More »

ፖሊስ ኣሽሓት ናይ ስለያ ካሜራታት ይተኽሉ ምህላዎም ተገሊጹ።

ፖሊስ ሽወደን ብዙሕ ገበናት ኣብ ዝፍጸመሉ ቦታታት ካሜራታት ክተኽሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እዚ ዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ ሽወደን ኣንደርሽ ቶርንቤሪ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ቲቲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት እዩ። ቶርንቤሪ ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕቲ ነዞም ካሜራታት ክተኽሎም ምዃኑ’ውን ገሊጹ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ሕጊ ናብ ትግባረ ከም ዝተቐየረን ሓደገኛታት ተባሂሎም ኣብ ዝተለለዩ ቦታታት ህዝባዊ ቦታታት ካሜራ ክትከል ከም ዝተፈቕደን ይዝከር።

Read More »

ሽወደናውያን ንሕማም ልቢ ዝምልከት ጽቡቕ ሕክምና ይረኽቡ የለዉን ተባሂሉ።

ዓመታዊ ርብዒ ሚልዮን ዝኾኑ ሽወደናውያን ብሕምም ልቢ ከም ዝሳቐዩን ዋላኳ ኣገባብ ሕክምና እናተመሓየሸ እንተመጸ ኣዝዮም ሒደት ጥራይ ሕክምና ንምርካብ ዓቕሚ ከም ዘለዎምን ተገሊጹ። ፕሮፌሰር ሆስፒታል ካሮሊንስካ ሓኪም ላርስ ሉንድ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ኣዝዩ ሕማቕ ውዳበን ግስጋሰን ንሕክምና ልቢ ሓሊኹ ሒዝዎ ምህላዉን ሕሙማት ዝድለ ሕክምና ይረኽቡ ዘይምህላዎምን ኣብሪሁ። ንሱ ዋጋ ሕክምና ልቢ ምውሳኹ ተበጻሕነቱ ግና ምንቊልቋሉ ኣመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ፋውንዴሽን ቢል ጌትስ ንሽወደናውያን ኪኢላ መሕረስቲ ንኣፍሪቃውያን ከማኽራ ሓጽዩወን።

እቲ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ናይ ረድኤት ትካል ምዃኑ ዝንገረሉ ቢልን መሊንዳ ጌትስን ፋውንዴሽን መሕረስቲ ሽወደን ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣገልግሎት ክህባ ሓጽዩወን ይበሃል ኣሎ። ኣብ ክፍሊ ጥዕና መፍረ ትካል ካሮሊንክስካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ሄለና ሊንድግረን በዚ ውሳነ ሕጒስቲ ምዃናን ኣሕረስቲ ሽወደናውያን ዘለወን ፍሉይ ብቕዓት ዝተመስከረሉን ኣጋጣሚ እዩ ክትብል ነቲ ውሳነ ገሊጻቶ’ላ። ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ” ካብ …

Read More »

ሕሙማት ቈልዑ ኣመኽኒኻ ዝግበር ምትላል ካሕሳ ሕክምና ብዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ።

ብምትላል ምብላዕ ካሕሳ ሕክምና ህጻናት ዝጥርጠሩ ወለዲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ወሲኹ ተባሂሉ ክብሉ ኣሃዛት ፎርሸክሪንካሳ ( Försäkringskassan) ኣመልኪቶም።፡ በዚ ተጠርጢሮም ናብ ፖሊስ ዝመጹ ጥርዓናት ኣስታት 1614 ኣብ 2019 ምብጽሖም ኣብ 2018 ግና 1091 ጥራይ ምንባሩ ድማ ተመልኪቱ። ወለዲ ብምክንያት ሕማም ህጻን ውላዶም ሓዲኦም ካብ ስራሕ ምስ ዝበዂሩ ካሕሳ ናይ ምሕታትን ምቕባልን ኣገባብ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊት ክፍሊ ወልዲን ቈልዑን …

Read More »

ሓበረታ ንተቐማጦ ምምሕዳር ሳላ !!

ነበርቲ ምምሕዳር ሳላ ንዝሰትይዎ ኮነ ንመግቢ ዝጥቀሙሉ ማይ ቅድሚ ምጥቃሞም ኣፍሊሖም ክሰትይዎ ከምዘለዎም ምምሕዳር እቲ ከባቢ ይሕብር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብመሰረት ኣብ ቤት ፈተነ ማለት ላባራቶሪ ዝተገብረ መርመራ ማይ ናይቲ ከባቢ ብ ባኽተርያ ከምዝተበኸለ ብምርግጋጾም እዮም። ስለዚ ተቐማጦ ከባቢ ምምሕዳር ሳላ ግዳይ ዘየተደልየ ሕማም ካብ ሙዃን ኩሉ እቲ ጥቀምሉ ማይ ከተፍልሕዎ ከምዘለኩም እዚ ምምሕዳር ብምምካር ብፍላይ ኣብ ከባቢታት Västerfärnebo ፣ …

Read More »

ዘይፈልሐ ጸባ ንጥዕና ጠቓሚ ድዩ ጎዳኢ?

ዘይፈልሐ፡ ብስነፍልጠት ድማ ‘ፓስቸራይዝ’ ዘይኮነ ጸባ ምስታይ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ናይ ኣካላትና ክብ ኪንዮ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ኣለርጂታት ምክልኻልን ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢን ሓጋዚ እዩ። እንተኾነ ግን ጸባ ምፍላሕ፡ ናቱ ኣድላዪነት ኣለዎ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክቴርያ ንምቕታልን፡ ጸባ ከይተበላሸወ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክጸንሕን ሓጋዚ እዩ። ኣብ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜን አየርላንድን ፓስቸራይዝ ዘይኮነ ጸባ፡ ኣብ ማዕከላት ዕዳጋ ኮነ ንኣሽቱ ድኳናት ምሻጥ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com