Saturday , April 20 2024

ጥዕና

ኦስሎ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን ተራእዩ

ካብ 30 ክሳብ 40 ሰባት ዝኣኽሉ፡ ብለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት መባእታዊ መርመራታት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ዞባ ፍሮግነር ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን፡ ብሰንኪ ሓደ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመልሰ ገያሻይ፡ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ። እቲ ሰብ፡ ነቲ ብተቖጻጸርቲ ለበዳ ዝተመሓላለፈ መምርሒታት ተኸቲሉ ምንባሩ እኳ እንተተፈልጠ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ …

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ …ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር ኣትዩ ክኸውን ከምዝክእል ገሊጹ

ኣብ ኖርወይ፡ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ፡ ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ኦሚክሮን ዝተለክፈ ኣይተረክበን። ግን ድሮ ናብታ ሃገር መጺኡ ክኸውን ከምዝኽእል ተክእሎታት ከምዘሎ፡ ብመስረት ካብ በዓል መዚ ጥዕና ዝወጽአ ናይ ሓደጋ ገምጋም ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ህዝቢ ይገይሽ’ዩ ዘሎ። በዚ ከኣ ኣብ ኖርወይ ዘይርከበሉ ምክንያት የለን ” ክብል ዳይሬክተር ምቑጽጻር ለበዳ ኣብ በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ፡ ፍሮደ ፎርላንድ፡ ንማዕከን …

Read More »

ጆ ባይደን: ዜጋታት ብ ጅር ኦሚክሮን ከይሰናበዱ ጸዊዑ። 

ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን: ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ምርካቡ ዘሻቕል እኳ እንተኾነ ዜጋታት ዘየድሊ ምስንባድ ከየርእዩ ፕረሲደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ጸዊዑ። ንሱ ሓድሽ ዕጽዋ ምእዋጅ ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዘይረኣዮ ድሕሪ ምግላጽ “ሰባት ክኽተቡን ማስክ ክወድዩን” ጥራይ እኹል ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና: ኦሚክሮን: ኣብ ካናዳ ከም እተረኽበን ኣመሪካ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ናይ ጒዕዞ እገዳ ምንባራን BBC …

Read More »

ኣብ ሃገረ ቦትስዋና፡ 19 ሉኩፋት ኦሚክሮን ተረኺቦም

ቦትስዋና ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይቲ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ -19 ኦሚክሮን ዝተረክባ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ብጠቕላላ 19 ሉኩፋት ተፈሊጦም ኣለው፡ ኣርባዕተ ካብኣቶም ኣቀዲሞም ተፈሊጦም ዝነበሩ ምኻኖም ሚኒስተር ጥዕና፡ ኤድዊን ዲኮሎቲ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እታ ሃገር፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ብዕለት 7 ሕዳር ብዲብሎማስያዊ ስራሕ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተው፡ ኣርባዕተ ወጻእተኛታት ኣብ …

Read More »

ሩዋንዳ፡ ናብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጒዕዞ ኣጊዳ

መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ካብን ናብን ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጒዕዞ ደው ምባል ሓዊስካ ካልኦት ስጒምቲታት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ። ኲሎም ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሩዋንዳ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ፡ ውጽኢት መርመራኦም ኣሉታዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገለጸ እቲ ሓድሽ መምርሒ፡ ኣብ ምእታዎም ሓድሽ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን እውን ወሲኹ ኣመልኪቱ። ካብተን ብሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦምሪክሮን ዝተጠቕዓ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ተጓዓዝቲ፡ ናይ ሸውዓተ …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተጻዕነ እገዳ ጒዕዞ ክለዓል ጸዊዓ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ኦሚክሮን ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ጐረባብታን እተጻዕነ እገዳ ጒዕዞ ኮኒኑ። ንሱ በቲ ናይ እገዳ ተግባር “ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ” ድሕሪ ምግላጽ፡ ዘይፍትሓዊ ውሳነ ብምዃኑ ብዝቐልጠፈ ክለዓል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ሓዊስካ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ እገዳ ጒዕዞ ከም ዘንበራ ዝፍለጥ እዩ። ሓድሽ ጅር ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን፡ …

Read More »

ኣብ ዝተመርጹ ቅምሶታት ቁጽጽር ምግባር ምእዘዛ ናይቶም እገዳታት ከረግጋጽ እዩ

ምምሕዳራዊ ቦርድታት ሽወደን፡ ካብ ታሕሳስ 1 ጀሚሩ፡ እቶም ኣብ ህዝባዊ ፍጻመታት ዝተነብሩ እገዳታት ኣብ ተግባር ይውዕሉ ምህላዎም ንምርግጋጽ ዝሃቀነ ቅምሶታት መሪጽካ ቁጽጽር ናይ ምግባር መስርሕ ክኽተል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሕና ከም ምኽራዊ ስጉምቲ ንብሎ፡ ብቐዳምነት ኣተኩሮና ኣብ ሓበሬታን ምኽርን እኳ እንተኾነ፡ ምስቶም ወጽዮም ዘለው ሕግታት ምእዘዛ (ስኒት) ምህላዎም ንምርግጋጽ ግና፡ ኣብቶም ተዘርጊሖም ዘለው መስርሓት ብሃውሪ (ሃንደበት) …

Read More »

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኣሻቓሊ ኮይኑ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ እገዳ ከተንብር ምዃና፡ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ምንጭታት ይገልጹ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመንበሪኦም ተመራመርቲ፡ ሻቕሎት ዘላዓዕል ሓድሽ ጅር ቫይረስ ረኺቦም። እቲ B.1.1.529 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ጅር ቫይረስ፡ ኣዝዩ ዘይልሙድ ኣቃውማ ናይ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ ኾይኑ፡ ምናልባት’ውን …

Read More »

ኣብ እዋን በዓል ልደት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ከይውስኽ፡ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ

ብዝሒ ናይቶም ምሉእ እብረ ክታበት ወሲዶም እንከለዉ ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝኣትዉ ዘለዉ ሕሙማት ኮቪድ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎን ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ገሊጹ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ፡ ነቲ ክልተ እብረ ክታበት፡ ዝህቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ይደክም ከምዘሎ ዘርኢ ክኸውን ከምዝኽእል በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ነዞም ተርእዮታት ተገንዚብና፡ ኣብ እዋን በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ለበዳ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 7,391,713 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  86.5% ካብ መላእ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም 82.1% ዝኾኑ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ማለት፡ 7,015,719 ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም። ኣብ መላእ ሽወደን፡ 1,196,688 ሰባት፡ ብኮቪድ-19 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com