Thursday , April 25 2024

ጥዕና

ኣብ ትሽዓተ ቆልዑ ኣሰካፊ ሕማም ወይቦ ተራእዩ።

ኣብ ትሽዓተ ናእሽቱ ቖልዑ፡ ኣሰካፊ ደረጃ ነድሪ ጸላም ከብዲ–ማለት ወይቦ—ድሕሪ ምርካቦም፡ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ወለዲ ብዛዕባ ጥዕና ስድራኦም ተወሳኺ ጥንቃቐታት ክገብሩ፡ ሰብ-መዚ ጥዕና ሓቲቶም ኣለዉ፡ እዚ ኣብ ትሕቲ 17 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ዝተራእየ ኣሰካፊ ሕምማ፡ ምኽንያቱ እንታይ እዩ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን ክብል፡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ’ሎ። እዚ ሕማም፡ ካብ ወርሕ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ተረኺቡ ዘሎ–ብመሰረት እቲ ኤጀንሲ። እዞም ቆልዑ …

Read More »

ኣፑቴከት (apoteket) ይቕሬታ ሓቲቱ።

ብመንግስቲ ሽወደን ዝውነን፡ በዓል ብዙሕ ጨንፈር ኲባንያ– ኣፑቴከት–ብዛዕባ መንነት ናይ ኦንላይን ዓማዊሉ፡ ከምኡ’ውን ናይ Facebook ሸመታኦም ቃልዕ ሓበሬታ ምሃቡ፡ ከም ዘሕዘኖ ብምጥቃስ፡ ይቕሬት ሓቲቱ’ሎ– ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እቲ ኲባንያ ተጋግየ ኔረ ዝበለ ውሽጣዊ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ናይ ንስሓ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ’ሎ። “እቲ ፍጻመ ዘጣዕስ እዩ”  ክብል ሓላፊት ሕጋዊ ጒዳያት እቲ ኲባንያ ኣና ሩግማርክ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣመልኪታ’ላ።

Read More »

ብምኽንያት ዕጽዋ ሻንጋይ፡ ቀረብ መድሃኒት ሽወደን ክጽሎ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ንግዳዊት ርእሰ ከተማ ቻይና ምዃና ዝንገረላ ከተማ ሻንጋይ ኣብ ዕጽዋ ብምህላዋ፡ ኣብ ሽወደን ዝህሉ ቀረብ መድሃኒት ብኣሉታ ክጽሎ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ— ብመሰረት ኤጀንሲ ምፍራይ ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ማሕበር ቢዝነስ ኲባንያታት መድሃኒት ሽወደን (LIF)። ናይ መፍረ ፍቓዶም ዝሓለፎም መድሃኒታት፡ ከምኒ ፓራሲታሞል ዝበሉ ጸረ-ተሃዋስያን ከምኡ’ውን ጸረ ቓንዛ፡ ኣብ ቻይንን ህንድን ከም ዝፈርዩ፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።

Read More »

ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ክንክን ሕማም ኦቲዝም ዝግበረሎም መንእሰያት ይውስኹ።

ኣብ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም፡ ክንክን ሕማም ኦቲዝም ዝግበረሎም ቆልዑን መንእሰያትን ቊጽሮም ብዕጽፊ ምውሳኹ፡ ማእከል ለበዳን ኮማዊ ሕክምናን እቲ ዞባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ሕማም ዘለዎም ኣወዳት ቆልዑ፡ ቊጽሮም ብዝለዓለ ምውሳኹ እቲ ጸብጻብ ኣርእዩ’ሎ። ተርእዮ ሕማም ኦቲዝም፡ ብ ደረጃ ሃገር ኣብ ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ይውስኽ ኣሎ፡ ክትብል ሓንቲ ካብ ኣዳለውቲ እዚ ጸብጻብ—ኣና ኦህሊስ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ዞባታት ኣብዚ ሳመር ሕጽረት ኣባላት ክንክን ጥዕና ክህልወን ከም ዝኽእል ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ወቕቲ ሳመር፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ዞባታት ሽወደን፡ ሕጽረት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ብፍላይ ድማ ነርስታት ክህሉ ከም ዝኽእል፡ በዚ ድማ ሰራሕተኛታት እዚ ጽላት ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ናይ ዕረፍቲ ሳምንቲ ክወሃቦም ከም ዘይክእል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ። እዚ ሽግር፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ቬስትራ ዮትላንድ ተጋዲዱ ይረአ ምህላዉ ሰብመዚ ገሊጾም ኣለዉ። ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ንነርሲታት ምቹኣት ዘይምንባረን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኣብ ነዊሕን ዕረፍቲ ዘይህብን ኣገልግሎት …

Read More »

ኣብ ወርሒ ግንቦት ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ ብዕጽፊ ክውስኽ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣብ እንኣትዋ ዘለና ወርሒ ግንቦት፡ ዝያዳ ሕሙማት ኮቪድ ናብ ሆስፒታላት ክመጹ ከም ዝኽእሉ፡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ምትንባዩ፡ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መዓልታዊ 25 ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ከም ዝእለዩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሓ ግንቦት ግና፡ እዚ ኣሃዝ ብዕጽፊ ክውስኽ እዩ ክብል ዳገንስ መዲሲን ጸቢጺቡ’ሎ። ኣብዚ ካብ ሚያዝያ 20-ሓምለ 20 ክዝርጋሕ እዩ ተባሂሉ ተነብዩሉ ዘሎ ተርእዮ፡ መዓልታዊ ኣስታት 60 …

Read More »

ምስ ሓበሬታ ብዝተሓሓዝ ሰለስተ ሰራሐተኛታት ተኸሲሶም።

ኣብ ብሕታዊ ናይ መጠንቀቕታ ኲባንያ ኣተርቦ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰባት ን መሰል ምዝራቚ ሓበሬታ ብምግሃሶም ተኸሲሶም። ኣቐድም ኣቢሉ ብ ኣካየድቲ ስራሕ ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ተዋሂብዎም ምንባሩ እቲ ክሲ ኣመልኪቱ። ሓንቲ ሰራሕተኛ እዚ ኲባንያ ኣብቲ ኣትሰርሓሉ ትካል መምርሒታት ኮቪድ-19 ሸለል ይበሃሉ ምንባሮም ንሓደ መራኸቢ ብዙሃን ምግላጻ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ተግባር ን ኣዋጅ ማለት ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ብሕታውያን ኲባንያታት ንመራኸቢ ብዙሃን ሓበሬታ ናይ ምሃብ …

Read More »

ድሕሪ ሕርሲ ንዘጋጥሙ ናይ ኣእምሮ ሽግራት እዂላት መደባት የለዉን ተባሂሉ።

ድሕሪ ሕርሲ ናይ ኣእምሮ ጸገም ንዘጋጥመን ቦካራት ፍሉይ ናይ ክንክን ውጥን ዘለወን ዞባታት ብቚጽሪ ዝወሓዳ ምዃነን ተገሊጹ። እዚ ጸብጻብ ብ ካሊብር ዝተባህለ መርማሪ ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን ዝቐረበ ኮይኑ እታ ፕሮግራም ናብ ሰብ መዚ ጥዕና እተን ዞባታት ዳህሳስ ምልኣኻን ዝበዝሓ ካብኣተን እታ ኣደ ኣብ ክንክን እውን እናሃለወት ምጥባው ን ምስቲ ዕሸል ግዜ ምሕላፍን ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ከም ዘለወን ምግላጸን ሓቢራ። ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ጭንቀት ናብ …

Read More »

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ብሪጣንያ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ተረኺቡ።

ኣብ ብሪጣንያ ‘XE’ ዝተሰምየ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም እተረኽበን እዚ ጅር ቫይረስ ካብቲ BA.2 ዝተባህለ ዓሌት ብዝያዳ ፍጥነት ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣመልኪቱ።  እዚ ጅር ናይ (XE) ናይ BA.1 ከምኡውን BA.2 ንኡስ ዓሌታት ኮቪድ ምውሳብ ዝፈጠሮ እዩ ክብል ፊንላንድ እንግሊሽ ኒውዝ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።  “እዚ ሓድሽ ጅር ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጥሪ 19 ናይዚ …

Read More »

ኤጀንሲ ጥዕና፡ ኲሎም 65ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ነቶም ኣብ ኣብ ዕድመ 65ን ልዕሊኡን ዘለዉ ሰባት ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ኣዚዙ’ሎ።. እዚ እናኾነ ዕድሜኦም 80ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይደክም ካልኣይ ዙር መበራትዒ (ቡስተር) ክትባት ክወስዱ ምትሕስሳቡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። ካብ 18-64 ዝዕድሜኦምን ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመን ዘበሉ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወስዱ ከም ዝግባእ እቲ አጀንሲ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።  …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com