Thursday , April 25 2024

ጥዕና

ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ዝርከብ ሰባት ን “ዘይምኽንያታዊ ትጽቢት” ተቓሊዖም ኣለዉ ተባሂሉ። 

ሓደ ሲሶ ካብቶም ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ዝርከቡ ተሓከምቲ ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘድልዮም ሓገዝ ንምርካብ ዘይምኽንያታዊ ነዊሕ ትጽቢት የሕልፉ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ን ክንክን ድሕረ-ኮቪድ ኣመልኪቱ ብ ኤጀንሲ ጥዕና ሽወደን ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ክንክን ዝወጸ ፋልማይ መጽናዕታዊ ጸብጻብ እዩ። ኣብዚ ዳህሳስ ካብ ዝኣተዉ ተሓከምቲ ፍርቆም ናይ ድሕረ-ኮቪድ ሓገዝ ንምርካብ ዘይምኽንያታዊ ነዊሕ ትጽቢት ምሕላፎም ተገሊጹ። ኣብ ድሕረ-ኮቪድ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሑ ከምኒ …

Read More »

ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ። 

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ኮቪድ-19 ን ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ኣይኮነን፡ ኣብ  ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ስግኣት እውን የለን ማለት እዩ። ብተግባር እንክረአ እዚ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝጥርጥር ሰብ ሕክምና ክከታተል ኣይግደድን፡ ዳህሳስ ለበዳ ከምኡውን ውሸባ ይዂን ምፍላይ እውን ደጊም ኣይከድልዩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ሕማም ሕጂ’ውን ከም ዘሎን ሰባት …

Read More »

ኣገልግሎት ጸጥታ ዴንማርክ፥ ጥሩፋት ንለበዳ ኮሮና ኣብ ጠቕሞም የውዕልዎ ኣለዉ። 

ማእከል ድሕነትን ስለያን ዴንማርክ ን ስግኣታት ግብረሽበራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዓመታዊ ትንተና ንመጀመርታ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ዝቐንዐ ጥሩፍነት ከም እተራእየ ገሊጹ። ኣብ ልዕሊ ብምርጫ ዝመጹ ሰብመዚን ካልኦትን ጎነጽ ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት ምልላዩን እዚ ተርእዮ ምስ ለበዳ ኮሮናን ካልኦት ረቛሒታትን ምትሕሓዝ ከም ዘለዎን እቲ ማእከል ወሲኹ ሓቢሩ።  “ጥሩፋት ምፍርራህን ካልእን ሜላታት እዮም ዝጥቀሙ፥ ብዙሓት ካብዞም ታህዲዳት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን …

Read More »

ዴንማርክ፡ ኲሉ መምርሒታት ኮሮና ኣልዒላ። 

ካብ ትማል ሰሉስ ኣትሒዙ ንዴንማርክ ዝኣቱ ሰብ መርመራ ኮቪድ ክገብር ኣለዎ ዝብል ሕጊ ለበዳ ክለዓል ምዃኑ ተገሊጹ።  ካብቲ ዝጸንሐ መምርሒ፡ ናብ ዴንማርክ ዝኣትዉ ሰባት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናይ ኮሮና መርመራ ክግበረሎም እትብል ክሳብ ትማል ተግባራዊት ኮይና እያ ጸኒሓ። ዝተረፈ ካልእ ኣካል ፓከጅ መምርሒታት ካብ ባሕቲ ወርሓ ለካቲት ኣትሒዙ ከም እተላዕለ ዝዝከር እዩ።  እዚ ናይ ክትባት ረቛሒ ነቶም ክትባት ዘይወሰዱ …

Read More »

እንስሳታት ዘቤት ዘለዎም ስደተኛታት ዩክሬይን ሕክምና እንስሳ ክበጽሑ ጻውዒት ቀሪቡ። 

ምስ ፍትዊ እንስሳ ዘቤቶም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ምስክር ወረቐት ክትባት ሕማም ዕቡድ ከልቢ እንድሕሪ ዘይብሎም ኮይንኖም ናብ ማእከል ሕክምና እንስሳ ብምኻድ እንስሳኦም ከመርመሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።  ዩክሬይን እንስሳ ዘቤት ብቐጻሊ እተኽትብ ሃገር ብምዃና ናብ ሽወደን ሕሙማት እንስሳታት ክኣትዉ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘየሎ ክኢላ ሕክምና እንስሳን ኣብ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ሓላፊት ምቊጽጻር ሕማማት ረኽሲን ካትሪና ግሌን ንሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኖርወይ፡ ተወሰኽቲ 400 ዓሌታት ሓሸራ መዝጊባ። 

ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓድሽ ኣገባብን መፈንጠራን ኣቢላ ተወሰኽቲ 400 DNA ዓሌታት ሓሸራ ምእካባ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ።  ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ቊጽሪ ሓሸራታት ዓለምና ብናህሪ ከንቈልቊል ምጽንሑ ተመራመርቲ ጀርመን ድሕሪ ዘውጽእዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ቊጽሪ ሓሸራታት ንምምርማር ዘንቀደ ወፍሪ ከም እተፈነወ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ ሓደስቲ DNA ክርከብ ከም እተኻእለ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ወሲኻ ሓቢራ። እዞም ሓሸራታት ኣብ ምብራቕ …

Read More »

ጥዕና ኣእምሮ ኣካል ካሪክለም ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ።

ቈልዑ ልክዕ ከም ስፖርት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ እውን ክመሃሩ ከም ዝግብኦም 16 ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ቈልዕ ኣሰርሓ ውድባት ጻውዒት ኣቕሪበን። ካብ 1 ክሳብ 15 ዝዕድሜኦም ቈልዑ ሽወደን ብስእነት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝሳቐዩን ጸረ ጭንቀት መድሃኒት ዝወስዱ ቆልዑ ቊጾም ክውስኽ ምርኣይ እውን እናተለምደ ምምጽኡን እተን ውድባት ኣብቲ ጻውዒተን ኣመልኪተን ኣለዋ። ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ምህሮ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንቆልዑን መንእስያትን እዚ ሽግር ፈጺሙ ከይዓብልሎም እናሃለወ ብኸመይ …

Read More »

ፍርቂ ቆልዑ ካብ ደቂ ሶማልያ ኣብ ሓደጋ ኣብ ጥሜት ወዲቖም ። 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰሉስ ከም ዘጠንቀቖም እቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ብርቱዕ ድርቂ ዳርጋ ፍርቂ ኻብቶም ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ከቢድ ጕድለት ኣመጋግባ ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ።ሰልፊ ማእከል ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ከም ድዅዕን ኤለክትሪክን ናፍታን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኣታዊታት ኣብ ሕርሻ ህጹጽ ቢልዮን ዝኸውን ህጹጽ ኵነታት ክግበረሉ ሓቲቱ ኣሎ ። ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ዩኒሴፍ …

Read More »

ሕጊ ሓገዝ ንሞት ብኢጣልያዊ ቤት ፍርዲ ተነጺጉ::

ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ሞት ንዝደልዩ ሰባት ንኽሞቱ ዝሕግዝ ኣገባብ ንምትእትታዉ ዝቀረበ ጥርዓን ብላዕለዋይ ቅዋማዊ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ከምዝተነጸገ ንጋዜጣ ኮሪየረ ደላ ሰራ ብምጥቃስ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። እታ ጋዜጣ ኣብ ሕታማ ከምዘስፈረቶ፣ እቲ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሓገዝ ንሞት ብዝብል ምንቅስቓስ ዝቐረበ ሕቶን እማመን ካብ መሰረታዊ ቅዋም ሃገረ ኢጣልያ ብምብጋስ ከምዝወሰነ ኣፍሊጣ።    እቶም ነዚ ሕቶ …

Read More »

ሓንቲ ሰበይቲ ብሓድሽ ኣገባብ ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ድሒና ::

ሓንቲ ሰበይቲ ዕትብቲ ደም ምትካል ዘጠቓልል ሓድሽ ሜላ ተጠቒማ ካብ ኤች. ኣይ. ቪ. ካብ ሕማማ ዝሓወየት ሳልሰይቲ ሰብን እታ ቐዳመይቲ ሰበይትን እያ ። እተሓዋወሰ ዓሌት ዘለዎ ሰብ ንፈለማ ግዜ እዩ ሓውዩ ። ካብቲ ቕድሚኡ ኣብ እተገብረ ኽልተ ዕዉት ሕክምና ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ንምትካል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሱር ዋህዮታት ዕትብቲ ደም ብቐሊሉ ኺርከብ ይከኣል እዩ ። ብዘይካዚ እቲ ኻብ ዕትብቲ ዚመጽእ ደም ልክዕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com