Friday , April 26 2024

ዜና

ኣብ ሰራዊት ሶርያ ዘገልገሉ ዜግነት ሽወደን ይኽልከሉ

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 700 ሶርያውያን ኣብ ሰራዊት ሶርያ ኣገልጊሎም ብዝብል ምኽንያት ዜግነት ሽወደን ከምዝተኸልከሉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ካብ 2004 ዝወጸ ውሳነ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝሕብሮ፡ ገበናት ኲናት ኣብ ዝፈጸሙ ውድባት ዝተሳተፉ ሰባት ን 25 ዓመታት ዜግነት ሽወደን ኣይወሃቡ እዮም፡፡ ሰራዊት ሶርያ ብመንግስቲ ሽወደን ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ገበናት ኲናት ካብ ዝፈጸሙ ትካላት እዩ ዝጽብጸብ። ማትስ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ኮኾብ ሲነማ ህንዲ ሳልማን ኻን ፈተነ ቕትለት ተኻዪዱ

ፖሊስ ህንዲ፡ ን መንበሪ ኮኾብ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ሳልማን ካን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብረት ፈጺሞም ዝበልዎም ክልተ ኣባላት ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ዝተዋስአን ቅድሚ 20 ዓመታት ክልተ ኣናብስ ብምቕታል ን ዕሉል ጕጅለ ቢሽኖይ ከምዘቖጥዖ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ቢሽኖይ ንኣንበሳ ከም ቅዱስ ዝቖጽር ሃይማኖታዊ ጒጅለ እዩ። ሳልማን ኻን በቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሖን፡፡ እቲ ተዋሳኣይ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኑ። “ነዚ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ብዕቱብ ክንርእዮ ኣለና” ክብል ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ተዛሪቡ። እቲ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ዝመጽእ ለበዋታት ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ እናኾነ እስራኤል ብዝመረጸቶ ኣገባብን ኣብ ዝመረጸቶ ግዜን ንመጥቃዕቲ ኢራን ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ገሊጻ’ላ። ድሕሪ …

Read More »

መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ብመንግስቲ ዕጒባት ኣይኮኑን ተባሂሉ

61% ፊንላንዳውያን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ኣብ ስርሑ ድኹም ኣፈጻጽማ ከምዘርኣየ ይኣምኑ ክብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትካል መጽናዕቲ ቨርያኒ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ። 38% ካብዚኦም ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣዝዩ ድኹም ክብሉ እንከለዉ፡ 23 ሚእታዊት ድማ ብመጠኑ ድኹም ኢሎም ከም ዝቐጽርዎ ገሊጾም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ሓደ ሲሶ 34% ንተግባራት መንግስቲ እንተወሓደ ብመጠኑ ዘዕግብ ኮይኑ እዩ ዝረኣየና ክብሉ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብሓፈሻ …

Read More »

ደርፊ ABBA “ዋተርሉ” 50 ዓመታ መሊኣ

ህቡብ ጒጅለ ሙዚቃ “ኣባ” ኣብ 1974 ኣብ ዩሮቪዥን ዘዐወተቶም ዋተርሉ ዘርእስታ ደርፊ ብቕድሚ ትማል ትማሊ ሰንበት 50 ዓመታ መሊኣ። ድሕሪ ዓወቶም ኣብ ዝነበራ ዓመታት ዓቢ ኣህጉራዊ ተቐባልነት እኳ እንተረኸቡ፡ ሙዚቃ ኣባ ኣብ ሽወደን ከምቲ ናይ ደገ ዘይኮነ ዝተመቓቐለ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ክኢላታት ውሽጢ ዓዲ ን “ሸቐጣዊ” ባህሪ ናይተን ውሩያት ደርፍታቶም ይነቕፉ ኔሮም እዮም። “ኣባ ናይ ኲሉ ግጒይ …

Read More »

“ወልፊ ጌይም” ከም ሕማም ክምዝገብ እዩ

ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡ ወልፊ ቪድዮን ኮምፒዩተር ጸወታን ኣብ ሽወደን ብወግዒ ዝተረጋገጸ ጸገም ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕክምና ዘለዎ ሕማም እዩ ክብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ንሕማም ክሊኒካዊ ወልፊ ዝመርሕ ፕሮፌሰር ኣንደርስ ሃካንሶን ገሊጹ። ንሱ ነዚ ጸወታ ጌይም ከም ሕማም ወልፊ ምምዳብ ነቶም ወልፊ ዲጂታላዊ ወይ ቪድዮ ጸወታ ዘለዎም ሰባት ተስፋ ዝህብ ኲነታት ዝፈጥር እዩ ክብል …

Read More »

ልዕሊ 500 ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ተነጺጉ

ቁሩብ ልዕሊ 500 ሰባት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተኣታተወ ሓድሽ ረቛሒ ደሞዝ ስለዘየማልኡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ሕቶኦም ከምዝተነጽገ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ዝወጸ ኣሃዛት ይሕብር። መብዛሕትኡ እዚ ምንጻግ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተገብረ ኮይኑ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ግን ብማእከላይ ገምጋም 68 ሰባት ኣብ ወርሒ ፍቓድ ስራሕ ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ተነጊርዎም ኣሎ፡፡ ምኽንያት ናይዚ ኸኣ እኹል …

Read More »

ህቦብላ በረድ ዓበዪ ጸገማት ትራፊክ የስዕብ

ትማሊ ሰሉስ ዝወረደ በረድ ኣብ ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ኣብ ጽርግያታት ዓበይቲ ጸገማት ኣስዒቡ። ኣብ ማእከላይ ደቡባዊ ሽወደን ካብ ዮንሾፒንግ ብሰሜን ሸነኽ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ E4 ፡ ዘሎ ምስጋድ ትራፊክ ክሳብ 25 ኪሎ ሜተር ይዝርጋሕ። “ኣብዘን ሰዓታት ክሰርሕ ትጽቢት ኣይነበረንን” ትብል መራሒት ሎሪ ኢቫ ኪንቶማ ካብ ካቢና ንሃገራዊት ሬድዮ ሽወደናዊት ቻነል P4 i Jönköping ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዋና ወለዱ ብግዜኡ ኣይክልውጥን እዩ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንከን”፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ወለድ ንምንካይ ይጽዕር ከምዘሎ እንተኾነ ግና ክሳብ ሽዑ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ዋና ወለዱ ንግዚኡ ኣብ 4% ከይተቐየረ ይገድፎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪ ሪክስባንክ ኤሪክ ቴዲን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ካብ ዝቕባበ ዝመጽእ ጸቕጢ ኣዝዩ ከምዝቐለለ ብምሕባር፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ጽድያ ወለድ ምንካይ ዝብል …

Read More »

ብዙሓት ተማሃሮ ካብ SFI ዘቋርጹ

ዳርጋ ፍርቂ ካብ ተማሃሮ SFI ትምህርቲ የቋርጹ — ብዙሓት ድማ ድሕሪ ዓመት ስራሕ ምጅማር ኮነ ትምርቲ ምቕጻል ከም ዘይክእሉ ተገሊጹ። ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ “ስኮልቨርኬት”፥ ዝበዝሑ ተመሃሮ ስለምንታይ ካብ SFI ይወጹ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ መርመራ ኣካዪዱ ኔሩ። “እቲ ምኽንያት ጉዳይ ስድራቤትን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት ግን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እዮም ትምህርቶም ዘቋርጹ ዘለዉ” ትብል መርማሪት ናይቲ ትካል ሃና ኦስተርሉንድ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com