Wednesday , April 24 2024

ሓደጋ

ብባርዕ ዝዓነወ መናፈሻ ማይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ዮተቦሪ ክስሕብ ትጽቢት ተጌሩሉ ኔሩ ተባሂሉ

ንመናፈሻ ማይ ኦሽያና ዘዕነወ ባርዕ ክሳራኡ ን መናፈሻ ሊሰበርግ ጥራይ ከም ዘይኮነ ተሓቢሩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ንግዲ ምዕራብ ሽወደን ዮሃን ትሮቨ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መናፈሻ ማይ ድሕሪ ምኽፋቱ ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ናብ ዮተቦሪ ክስሕብ ትጽቢት ምንባሩ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ባርዕ ካብ ዝለዓል ልዕሊ 24 ሰዓታት እኳ እንተሓለፈ ዛጊት ሓደ ሰብ ደሃዩ ኣይተረኽበን ኣሎ።

Read More »

ኣብ ማያዊ መናፈሻ ሊሰበርግ ባርዕ ሓዊ ይለዓል

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ማእከላይ ዮተቦሪ ኣብዚ ሓጋይ ክኽፈት ተወጢኑ ዝነበረ ሓድሽ መስሕብ “መናፈሻ ማይ” ዋተርፓርክ ሊሰበርግ ዘጋጠመ ባርዕ ንምግታእ ይጽዕሩ ኣለዉ። ኣብቲ ቦታ ዓቢ ናይ ምድሓን ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። በዚ ድማ ኩሉ ተቐማጣይ እቲ ከባቢ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ክጸንሕ፥ መስኮት ማዕጾን መዝሓሊን ከኣ ንግዜኡ ክዓጽዉ ዝምዕድ ኣገዳሲ ህዝባዊ መተሓሳሰቢ ቪኤምኤ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ባርዕ ንግሆ ከምዝተላዕለ እዩ ዝንገር ዘሎ። ብመሰረት …

Read More »

ብሓደጋ ባቡር ሓደ ሰብ ይመውት

ትማሊ ንግሆ ኣብ ምዕራብ ሽወደን ካብ ከተማ ኡደቫላ ንምብራቕ ኣብ እትርከብ ባቡር መጓዓዝያ ምስ ናይ ጽዕነት መኪና ብምግጫዋ ሓደ መራሒ ባቡር ክመውት እንከሎ፥ ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ። ጸብጻባት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሕብርዎ፡ እታ ናይ ጽዕነት መኪና ንመገዲ ባቡር እናሰገረት ኣብ በረድ ብምሽካላ እዩ እቲ ምግጫው ክኽሰት ክኢሉ።

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሰንኪ እተኽስተ ሓያል ህቦብላ– ኣራንሺ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዝዞባ ስካነ ብሰንኪ ዝተኸስተ ሓያል ንፋስን ብርቱዕ በረድን ሓያሎ መካይን ምዕናወንን ካብ ቀንዲ ጽርግያታት ከም ምውጽአንን ተፈሊጡ። ኣብ ማልሞ ዝርከብ ጋዜጠኝ ቻነል ውሽጢ ዓዲ ሬድዮ ሽወደን ማርያ ማትሰን፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ ክንድዚ ዝኣክል መካይን ካብ ጽርግያ ክስሕባ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ። ንሳ “መብዛሕትኡ ሓደጋታት ዝኽሰአሉ ዘሎ ጎደና ኣብ መንጎ ማልሞን ኤንገልሆልምን ዘሎ E6’ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልጽ። እቶም …

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ወርሓ ሚያዝያ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ኣብ ወርሓ ሚያዝያ፡ ኣብ ኖርወይ፡ ብምኽንያት ሓደጋ ትራፊክ 12 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም፡ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ ኣፍሊጡ። እዚ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ብጠቕላላ ምስ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ዝዳረግ ኣሃዝ ምዃኑ እቲ በዓልመዚ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። “ኣብ ውሕስነት ትራፊክ ዝኸፍአት ወርሒ እያ ኔራ” ክብል ሓላፊ በዓልመዚ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ጒሮ ረኔስ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ዓመት፡ ክሳብ ሕጂ 25 ሰባት ኣብ ጽርግያታት ኖርወይ ምሟቶምን፡ እዚ ድማ ምስ …

Read More »

ዴንማርክ፥ ሰዓል ዝሓመመ ኣውቲስታ ኣውቶቡስ ምስ ሓደ ህንጻ ተጋጭዩ።

ኣብ ኖርዝ ዚላንድ ዝቕመጥ ሓደ ኣውቲስታ ኣውቶቡስ ብሰንኪ ሕማም ሰዓል ከሀንጥስን ክስዕልን ኣብ መኪናኡ ቊጽጽር ብምጒዳሉ ምስ ሓደ ቪላ ከም እተጋጨወ ተገሊጹ። በቲ ሓደጋ ዝተጎድአ ሰብ የለን ተባሂሉ’ሎ። እቲ ኣውቲስታ ቅድሚ ናብቲ ቪላ ምግጫዉ ናይ ትራፊክ ዓንዲ ምዕናዉ ንመሰካኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ኣብ ኖርዝ ዚላንድ በዓልመዚ ፖሊስ ሀንሪክ ተሊን ኣመልኪቱ።  እቲ ኣውቲስታ ካብ ቀረባ ግዜያት ኣትሒዙ ኒሞንያ ሕሚሙ ብብርቱዕ ክስዕል ምጅማሩ እቲ በዓልመዚ …

Read More »

ነፍሰ ቕትለት ናይ ምፍጻም ዝንባለ ንዘለዎም ኮተቴ ዝግበር ምክትታል ኣዂል ኣይኮነን ተባሂሉ።

ነፍሰ ቕትለት ኣብ ዝፍጽሙ ቆልዑን መንእሰያትን ዝግበር ገምጋም-ሓደጋ እዂል ኮይኑ ከም ዘይተረኽበ ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንኸምዚ ዝብሉ ጒዳያት ኣመልኪቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ጸብጻባዊ ገምጋም ድሕሪ ምቕራቡ እዩ። እቲ ጸብጻብ ንሓንቲ ኣብ 16 ዕድሜኣ ነፍሰ ቕትለት ዝፈጸመት ኮተቴ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም "እቶም ሓካይም ስነኣእምሮ ኣብ ክንዲ ዝግባእ ግዜን ክንክንን ሂቦም ዝሰምዕዋ ከፋንዉዋ ጥራይ እዮም ዝደልዩ …

Read More »

ኖርወይ፡ ሓምሽተ ሰባት ብ ፈተነ ቅትለት ተኸሲሶም። 

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶቭነር ኣብ ክልተ ሰባት ፈተነ ቕትለት ዝፈጸሙ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።  ሓደ ካብዞም ግዳያት ብስሕለት ብዝወረዶ ከቢድ መቚሰልቲ ኣብ ሆስፒታል ክእለ እንከሎ እቲ ካልኣይ ግና ፍዂስ ዝበለ መውጋእቲ ጥራይ ስለዘጋጠሞ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ፍጡን ሕክምና ከም እተገብረሉ ዝፍለጥ እዩ። ዝሓለፈ ዓርቢ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ብቐዳም ድማ ካልእ ሰብ ክተሓዙ እንከለዉ ትማሊ …

Read More »

ሩስያ ን ሉሃንስክን ዶነትስክን ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ሂባ።

ሩስያ ነተን ካብ ምብራቕ ዩክሬይን ዝተፈንጨላ ዞባታት ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ከም ዝህበን ብቐጥታ ብተሌቪዥን ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ ሓቢሩ። ብዘይካዚ ፑቲን ምስዞም ካብ ዩክሬይን ዝተገንጸሉን ደገፍቲ ሩስያን ዝኾኑ መራሕቲ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ውዕል ምኽታሙ AFP ጸብጺቡ። ፑቲን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝጸንሐ ታሪኻዊ ርክብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃበ ነዊሕ መግለጺ ዩክሬይን ብቐንዱ ብ ሕብረት ሶቪዬት ዝቖመት ሃገር እያ ኢሉ። እዚ ውሳነ …

Read More »

ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ካብ መንደራጋሕ ክጥንቀቑ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ኣብ እምባታት ሽወደን ኣብ ጸወታ ምንሽርታት በረድ ዝሳተፉ ዘበሉ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ዘጋጥም መንደራጋሕ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ሰብመዚ ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ለካቲትን ምጅማር ወርሒ መጋቢትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንሰሙን ዝዕጸዋሉን ብዙሓት ስድራቤታት ንበዓላት ናብ ዓቐብ ዝበዝሖ ከባቢታት ከም ዝዛወሩን እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም። ኣብ ምንሽርታት በረድ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ጸዳፋት ቦታታት ኣብ ፍሉጣት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com