Saturday , April 20 2024

ዜና መጽሄት

News Magazine ዜና መጽሄት 20240310

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 20240216

  መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ንወለዲ መንእሰያት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ ፈተና ክጅመር

Read More »

ዜና መጽሄት/News magazine 20-10-23

Read More »

ኣብ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ን ሽወደን ትውክል ስራሕ ክትመርጽ እያ።

ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት፡ ሸውዓተ ደርፊታት ናብ መድረኽ ‘ሜሎዲፈስቲቫለን” ቀሪበን። እዘን ደርፍታት ን ፍርቂ ፍጻመ ወይ ፍጻመ ክሓልፋ እየን ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ኣብ መድረኽ “ሜሎዲፈስቲቫለን” እትዕወት ደርፊ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝካየድ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ንሽወደን ክትውክል እያ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ኡልፍ ክሪስተርሰን ን ምቅጻል ቊርኣን ምኽንያት ብምግባር ምስ ወኪላት እላማውያን ውድባት ተዘራሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ምስ ወኪላት እላማውያን ውድባት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተዘራሪቡ። ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻሉ ስዒቡ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስላም ቊጥዐ ምልዕዓሉ ዝፍለጥ እዩ። ክሪተርሰን ምስዚ ድሕረ ባይታ ብምትሕሓዝ ነዚ ምርኻብ ምፍጻሙ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሓደ ካብዞም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ ኢማም ሳላሓዲን ባራካት፡ ኣብ ፊንላንድ ምሉእ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ እኳ እንተሃለወ እዚ …

Read More »

ተመሃሮ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ንምግባር ይጸዓር ምህላዉ ተገሊጹ።

ጥቓ ኣብያተ ትምህርቶም ጎነጽ እንክኽሰት፡ ተመሃሮ ዘጋጥሞም ምምዝባል ስምዒታት ንምእላይ ይስራሕ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ሽግር ንምቕራፍ፡ ሓድሽ ናይ ስራሕ ኣገባብ ከተኣታትዋ እየን። ኣብ “ሶልና” እትርከብ ቤት ትምህርቲ “ፓርክሶላን” ክኢላ ስነኣእምሮ ብምቚጻር፡ ጥዕና ኣእምሮ ተማህሮ ንምምሕያሽ ትሰርሕ ኣላ።  ዕላማ ናይዚ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ንምግባር ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ብዛዕባ ዘጋጠመ ሕማቕ ነገራት እትዛረቦ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ …

Read More »

27 ሰናተራት ኣመሪካ ንቱርክ ኣጠንቂቖም።

27 ኣባላት ዘጠቓለለ ጒጅለ “ሰናተራት” ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቱርክ ጸቕጢ ይገብሩ ምህላዎም ተፈሊጡ። እዞም “ሰናተራት”፡ ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ከይኮና ቱርክ እተካይዶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ዕንቅፋት ደው ከትብል ሓቲቶም ኣለዉ። ንሳቶም ናብ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝለኣኽዎ ክፉት ደብዳበ፡ ዔርዶጋን ሽወደንን ፊንላንድን ኣባላት ኔቶ ክኾና ዘይተሕባበር እንተኾይኑ፡ ኣመሪካ ን ቱርክ ነፈርቲ ኲናት “F-16” ከይትሸጠላ ክዓግቱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ነዚ …

Read More »

ገለ ገበናት ብርሕቀት ንምምርማር ዘኽእል ስራሕ ይዕመም ኣሎ።

ፖሊስ፡ ብቚዕ ስታፍ ኣብ ምቚጻር ከምኡ’ውን ከምዚኦም ዝበሉ ኣባላት ኣብ ምዕቃብ ተሸጊሮም ምህላዎም ተገሊጹ። ብምኽንያት እዚ ሕጽረት፡ ዝምልከቶ በዓልመዚ ካብ ስቶክሆልም ርሕቕ ኢሎም ዝሰርሑሉ ኣገባብ ከዳሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ውሽጣዊን ዞባዊን ኣገልግሎት ብስሉጥ መታን ክካይድ ብዝብል ምኽንያት፡ ፖሊስ ገለ ስርሒታት ድሮ ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ ክግዕዝ ምግባሮም ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ ገለ ገበናት ብርሕቀት ንምምርማር ዘኽእል ስራሕ ይዕመም ምህላዉ ወሲኻ ኣመልኪታ። ካብ ጽድያ …

Read More »

ዕርቃን ስእልታት ቆልዑ ብኦንላይን ይዝርጋሕ ኣሎ።

ዕርቃን ስእልታት ቆልዑን ኮተቴን ብዘይፍቓዶም ብኻልኦት ቆልዑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ምህላዉ ተፈሊጡ። እቲ ግዳይ ታግ እናተገብረ ናይ ዕርቃን ስእሉ ብዘይፍቓዱ ኣብ ጎደቦኡ ወይ ቤት ትምህርቱ ክዝርጋሕ ይግበር ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።  ቆልዑ ኣብ ኢንተርነት ከይምዝመዙ ዝቆጻጸር ውድብ ECPAT፡ ካብ 10 ክሳብ 17 ዝዕድሜኦም ቆልዑን ኮተቴን ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ፡ እዚ ገበን ኣጸቢቑ ወሲኹ ምህላዉ ገሊጹ። ብፍላይ ንግዳያት ዘለዎ ሳዕቤን …

Read More »

ኣብ ጎነጻዊ ገበን እተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሽወደን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ስቶክሆልም፡ ቫስተራስን ማልምን ኣብ ጎነጻዊ ገበን እተሳተፉ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ሎሚ መዓልቲ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ናብ መጋባእያ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ንሱ ዓሚ ኣብ ቶክሆልም ኣብ ቤት መህነጺ ኣካላት ብምእታው ሓደ ሰብ ብጥይት  ምቕታሉ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ንሱ ነዚ ገበን ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com