Friday , April 26 2024

ገበን

ኣብ ኻርሆልመን ብዝተፈጸመ ተዂሲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ተቐቲሉ

ኣብ ትሕተ ምድራዊ መንገዲ ስቶክሆልም፥ ንሓደ ጉጅለ መንእሰያት እናተኸላኸለ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፥ ብፖሊስ ይምርምር ምህላዉ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከባቢ ስካርሆልመን፡ እቲ ዝተገበረ ተዂሲ ምርባሽን ፍርሕን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ጒዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ በብእዋኑ እናተጋደደ እዩ ዝኸይድ ኣሎ” ክብል ሓደ ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶ ተቐማጢ እቲ ከባቢ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ፖለቲከኛታት ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ …

Read More »

መሸጣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሕብረት ኤውሮጳ ብኢንተርነት ይሽየጥ

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዝውንኑ ሰባት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኦም ብናይ ሮማንያ ክቕየረሎም ይኸፍሉ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ብቐሊሉ ናብ ናይ ሽወደን ፍቓድ ይቕየርዎ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዘይሕጋዊ “ቱሪዝም ፍቓድ ምዝዋር መኪና” ኣብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዕዳጋ ይቐርብ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፥ ብ1000 ዩሮ ፍቓድ ሮማንያ ክገዝእ ከምዝኽእል ከም እተነግሮ፡ እዚ ዋጋ ድማ ነቲ …

Read More »

ኣብ ቅትለት ዕዳጋ ማልሞ ዝተሳተፉ ተኸሰስቲ ተፈሪዶም

ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ማልም፥ ሎሚ ዓርቢ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ሳመር 2022 ዝተፈጸመ ህይወት ዝቐዘፈ ተኹሲ ብዝተተሓሓዘ ንተኸሳሲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ። ነዚ ቅትለት ምልዕዓልን ሓገዝን ጌሩ ብዝብል ካልእ ተኸሳሲ ን 10 ዓመት ተፈሪዱ’ሎ። ክልቲኦም ተኸሰስቲ ነቲ ገበናት ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም እዮም። ኣቐድም ኣቢሉ 16 ዝዕድሜኡ ኮተቴ ነቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ …

Read More »

ኣብ ሽወደን 62 ሽሕ ሰባት ምስ ጕጅለታት ገበን ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን 62,000 ሰባት ኣብ ጕጅለታት ገበነኛታት ከም ዝንቀሳቐሱ – ወይ ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። ልዕሊ 5000 ካብዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ እዮም። እዚ ኣሃዛት ሎሚ ፖሊስ ሽወደን ምስ ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ ቃልዕ ተጌሩ። እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብዛዕባ መጻኦም ተስፋን ሻቕሎትን ዝተሓዋወሶ ስምዒት ከም ዘለዎም ይግለጽ ኣሎ። ኦሌክሳንድራ ቤልያቭስካን ንእሽቶ ወዳን …

Read More »

ባንካታት፡ ኣረጋውያን ካብ ዓሎቕ ንምክልኻል ክሰርሓ ጻውዒት ቀሪቡ

ባንክታት ሽወደን ብፍላይ ንኣረጋውያን ኣደዳ ክሳራ ዝገብር ካብ ዘሎ ዓሎቕ ኣቓልቦ ክገብራሉ ቀዳማይ ሚንስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ተላብዩ። መንግስቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንወከልቲ ባንክታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣረጋውያን ግዳያት ዓሎቕ ይኾኑ ምህላዎም ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ንምክልኻል ኣገባብ ከተኣታትዋ ጸዊዑ’ሎ። ነዚ ዝኸውን እማመ ሒዘን ክምለሳ ነተን ባንክታት ሓቲቱ’ሎ። .

Read More »

ሳፖ፡ “ሓያሎ ውዲት መጥቃዕትታት ኢራን ኣፍሺልና”

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ሳፖ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ክትፍጽሞ ዝሓሰበት ሓያሎ ዝተፈላለየ መጥቃዕትታት ደው ከምዘበለ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን ኣብ 2021 ክልተ ኣባላት ስለያ ኢራን ንቕትለት ሽወደናውያን ኣይሁድ መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ከምዝተጠርጠሩ ገሊጻ ኔራ። ብዘይካዚ ኣንጻር ሽወደን ዘቕንዑ ካልኦት ውዲታት ምፍሻሎም እታ ሬድዮ ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። “እዞም ባእታታት ኣብ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ሽወደን ብዛዕባ ዕንወት ሻምብቆታት ኖርድ ስትሪም ዝነበራ መርመራ ዓጽያ

ሽወደን ንዕንወት መስመር ጋዝ ትሕተ ማይ “ኖርድ ስትሪም” ኣመልኪታ እተካይዶ ዝነበረት መርመራ ተዓጽዩ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብለን እዩ። እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ዝርከብ ሻምብቆ ጋዝ ትሕቲ ማይ፡ ቅድሚ ዓሚ ኣብ ወርሓ መስከረም መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ዓቃቢ ሕጊ ማትስ ልዩንቪስት ሽወደን ምስቲ ፍጻመ ዝኾነ ምትእስሳር እንተለዋ ከጻሪ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ፡፡ እንተኾነ ግና …

Read More »

ሽወደን ብስለያ ኣብ ልዕሊ እተጠርጠሩ መጻምድቲ መርትዖ ከይትጥቀም ተኸልኪላ

ሽወደናውያን ኣይሁድ ክቐትሉ መደብ ኣውጺኦም ብዝብል ጠርጠራ እተኸሱ ኢራናውያን መጻምድቲ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ዝያዳ መርትዖታት እኳ እንተነበረ፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ግን ነቲ ሓበሬታ ክጥቀመሉ ኣይከኣለን ክትብል ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ መርመራ ገሊጹ። ነዚ መርትዖ ሽወደን ከይትጥቀመሉ ዝኸልከለት ካልእ ሃገር ምዃና እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ማህዲ ራመዛኒን ፈረሽተህ ሳናይፋሪድን ኣብ 2022 እዮም ናብ ኢራን ተሰጒጎም። ክልቲኦም ነቲ ግብረሽበራዊ ውዲት ኣሊምኩም ዝብል ክሲ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ኤምባሲ እስራኤል፥ ግብረሽበራዊ ገበን ተባሂሉ ይምርመር ኣሎ።

ሽወደን ነቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረሞ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ፥ ግብረሽበራዊ ገበን ኢላ ብምግላጽ መመራኣ ትገብር ምህላዋ ተገሊጹ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ነዚ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ቦምባ ኢድ ምዃኑ ዝንገረሉ ባእታ ንምምርማር ነቲ ቦታ ተቖጻጺርዎ’ሎ። ፖሊስ ዝሓለፈ ረቡዕ ናብቲ ኤምባሲ ተጸዊዕም፡ ኣብ ቀጽሩ ሓደገኛ ነገር ድሕሪ ምርካቦም፡ እቲ ሃገራዊ ጒጅለ ሃንደሳ ነቲ ባእታ ምዕናዉ ዝፍለጥ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብልሽውና ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ሽወደን ኣብ ዓመታዊ ደረጃ ኣህጒራዊ ርድኢት ተሓታትነት ብልሽውና ዝጸንሓ ደረጃ ትሕት ምባሉ ተገሊጹ። እቲ መዐቀኒ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዝረአ ዘሎ ብልሽውና መንግስታዊ ጽላት ሓፈሻዊ ዝርዝር ዝህብ እዩ። ሽወደን ካብ 100 82 ነጥቢ ብምምዝጋባ ካብ ሃገራት ኖርዲክ ካልኣይ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ’ላ። ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ክነጻጸር ከሎ ግን ሽወደን ሕጂ’ውን ኣብ ልዑል ደረጃ እትርከብ ሃገር እያ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com