Wednesday , April 24 2024

ዩክረይን

ኣብ ስቶክሆልም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዩክሬን ንምድጋፍ ተኣኪቦም

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሰርገልስ ቶርግ ሰፊሕ ሰልፊ ተኻይዱ፡፡ እዚ ሰልፊ ንኻልኣይ ዓመት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘኪሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ስዕረት ሩስያ እቲ እንኮ ቅቡል መደምደምታ ናይቲ ኲናት ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብ ሽወደን ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ ምናልባት ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

Read More »

ሃገራት ኤውሮጳ ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ይቕጽላ

ኩለን 27 መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን 50 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ንምሃብ ተሰማሚዐን። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ሓድሽ ምወላ ብሓጎስ ከም ዝቕበል፥ እዚ ምወላ ንቁጠባውን ፋይናንሳውን ምርግጋእ እታ ሃገር ዘሐይል ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ሚኒስትሪ ቁጠባ ዩክሬን ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ፈላማይ ክፋል እዚ ገንዘብ ክረክብ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ከምቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳ ዝገበሮ፥ ሕጂ’ውን …

Read More »

ኣበል ዩክሬናውያን ኣይክውስኽን እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ንዩክሬናውያን ስደተኛታት ዝወሃብ መዓልታዊ ኣበል ከምዘይውስኽ፥ ኣብ ክንድኡ ዩክሬናውያን ኣብ መዝገብ ህዝቢ ንኽኣትዉ ነቲ መስርሕ ከቀላጥፍ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ድማ ንዩክሬናውያን ዝያዳ ተበጻሕነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ውሕስነት፥ ሓገዝ ኤጀንሲ ሽቕለትን ገለ ካልእ ጥቕምታትን ክህቦም እዩ ክትብል ሚንስተር ኢኒግሬሽን ማርያ ማልመ ስተነጋድ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ርግጽ’ዩ፡ እዚ ንውሕ ዝበለ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓትት ብምዃኑ ግዜ ክወስድ ይኽእል …

Read More »

ቭላድሚር ፑቲን ን ሰራዊት ሩስያ ዝለዓለ ናእዳ ኣቕሪቡ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ብግልጺ ከይጠቐሰ፡ ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት መደረኡ ሰራዊቶም ሓባራዊ ደገፍ ክግበረሉ ጸዊዑ። ንሱ፡ ንወተሃደራቱ ንሓቂ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘለኹም ጀጋኑ ኢኹም” ክብል ንኢዱ። ብተወሳኺ ንብዙሓት ሩስያውያን ቀንዲ ኣርእስቲ ዝኾነ ቁጠባዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ን 2024 ዓመት ስድራቤት ክትከውን ኣዊጁ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፑቲን ብወተሃደራት ተዓጂቡ መደረ ዘስምዐ …

Read More »

ኣገልግሎት ፖስታ ሽወደን ፖስትኖርድ ናብ ዩክሬን ዝያዳ ፓኬጃት ክንክን ክረክብ ይጽበ።

ሽወደናውያን ካብ ምጅማር ምሉእ ወራር ሩስያ ኣትሒዞም ኣስታት 94 ሽሕ ፓኬጃት ክንክን ናብ ዩክሬን ሰዲዶም። ኣገልግሎት ፖስታ ሽወደን “ፖስትኖርድ” ነዞም ፓኬጃት ካብ ውልቀ ሰባት እናተቐበለ ብነጻ ክሰዶም ጸኒሑ እዩ። “ካብ ቊሪ ዝከላኸል ክዳን፡ ጓንቲ፡ ካልሲ፡ ውሽጣዊ ክዳን … እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝዮም ዘድልዩ ነገራት እዮም” ይብል ኣካያዲ ህዝባዊ ጉዳያት ፖስትኖርድ ሄንሪክ ኢሺሃራ። ብኻልእ መዳይ ሽወደናውያን ክኢላታት ሃንደሳ ንዩክሬናውያን የሰልጥኑ’ለዉ። ኣብ …

Read More »

ዘለንስኪ፡ “ሩስያ ዛጊት ሓደ ሕምሲት መሬት ዩክሬይን ወሪራ ሒዛ’ላ”።

ወራር ሞስኮ ካብ ዝጅምር 100 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰራዊት ሩስያ ዛጊት 20% መሬት ዩክሬይን ብሓይሊ ወሪሩ ምህላዉ፡ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብ ላክሰምበግ ንዘለዉ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ኲናት ዕርዲታት ኣብዚ ሕጂ እዋ ንናብ 1000 ኪሎሜትር ተዘርጊሖም ምህላዎም ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኲሎም ኣብ ተጠንቀቕ ዝጸንሑ ሰራዊት ሩስያ ኣብዚ ወራር ተዋፊሮም ኣለዉ” ክብል ዘለንስኪ ነቶም ኣባላት ኣይቶ ብ ቪድዮ ኣብ …

Read More »

ስደተኛታት ዩክሬይን ብድሆታት ኣባይቲ ይገጥሞም ኣሎ ተባሂሉ።

ምስ ወለንተኛታት ኣጸጋዕቲ ዝቕመጡ ገለ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ኣባይቲ ናይ ምርካብ ብድሆ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ እዋን ነዊሕ ናይ ምህሮ ዕረፍቲ እዞም መጸጋዕቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ስለ ዝኾኑ፡ ወቕቲ ሳመር ነቶም ሓደስቲ ኣባይቲ ዝደልዩ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣሸጋሪ ናይ ምጽባይ ግዜ ክኸውን እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እታ ሬድዮ ናታልያ ንዝተባህለት፡ ኣብ ዕረፍቲ ግዜኣ እትሰርሕን ደቃ እተምህርን ዩክሬናዊት ኣዘራሪባ ኣብ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com