Tuesday , April 23 2024

ደሃይ ጥበባት

ገለ ኣስተንኖታት ብሕታዊ ህይወት።

ብናስሮቪች ህቡባት ሰባት ከም ሎምዘበን ጌሩ ግላዊ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐሉ ግዜ ሃልዩ ኣይፈልጥን እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ቴክኖሎጂ ማሕበራዊ ሚድያን ንሱ ዝፈጠሮ ቃቔጣ ሸውሃት ሓበሬታን ብቐዳምነት ግዳይ ዝገበሮ እንተሎ–ግላዊ ህይወት ሰባት ብሓፈሻ–ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዝና ዘለዎም (ህቡባት ሰባት) እዩ። ከም ብዙሕ ካልእ ነገራት ዝና’ውን ናይ ባዕሉ “ክሻ ምሉእ ጸገማት” ሒዙ ከም ዝመጽእ ሰብ ዝና ከይወዓሉ ከይሓደሩ እዮም ዝግንዘብዎ። …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ጻጸን ንህብን ስራሕን (Organized Force) …. (ክፋል 1 Part 1) . . .

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. መሰል ወድሰብ ….ካልኣይ ክፋል

Read More »

ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ዝተኻየደ ሙዚቃዊ ምርኢት ዝለዓለ ኣታዊ ረኺቡ። 

ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣቪቺ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደን ብተሌቪዥን ብቐጥታ እተመሓላለፈን ሙዚቃዊ ምርኢት ክሳብ 75.8 ሚልዮን ክሮና ኣታዊ ከም እተረኽቦ ተገሊጹ። እዚ ዝለዓለ ኣታዊ ምዃኑ እቶም ወደብቲ ገሊጾም ኣለዉ።  ካብ መሸጣ ቲኬት ኣትሒዝካ ክሳብ ወፈያታት ኣቢሉ ዝተረኽበ ኲሉ ኣታዊታት ናብተን ኣብ ዩክሬይን እተኸስተ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ተባሂለን ዝቖማ 6 ጒጅለታት ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ።   

Read More »

መደብ ዝርርብ 50 ደቓይቕ ምስ ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ቀዳማይ ክፋል

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ናይ ሕልና ደወል (The Inner Voice)

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ከኣ ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ህጻን ከሎኻ፡ ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ፧ ምስ ዚብሉኻ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ ናይ ምሕሳው ዝንባሌ እንተ ዘይህልወካ ድማ ኣይምሰረቕካን። ወላዲ! ህጻናት ኪሕስዉ ከለዉ ኣብ ዓይነይ ረኣዩኒ በሎም። ገለ ፍሉያት ዘርኢ (ናይ ሕልናኣም ደወል …

Read More »

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 29 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ። እዛ 216 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቑኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 2ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ኣብዚ ሞራላዊ ተዛማድነት (moral relativism) ሰፊኑሉ ዘሎ ዘመን፡ ስርቂ ከም ንግዳዊ ክኢላነት፡ ቅትለት ከም ጸጥታ ግዴታ፡ ብልሽውና ከም ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ፡ ሓሶት ከም ፖለቲካዊ ሜላ፡ ወረራ ከም ምድሓን ሃገር፡ ሃገር ምሻጥ ከም ዞባዊ ምትሕብባር፡ ጥልመት ከም ሃገራዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ሽጣራን ወዘተ. ኮይኑ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ዓለም ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን። እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ኪፈርድን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 1ይ ክፋል

ኣብ ናይዛ ዓለም ነዊሕ ጻንሒት፡ እኩይነት ወይ እከይ፡ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ምስ ስልጣነን እተሓላለኸ ማሕበራዊ ንጥፈታት እናማዕበለ ከይዱ (spiraling upward)፡ ኣብ መጠረስታ ድማ ናብ ልምዲ ተለዊጡ። መልሓስ ተበራቢሩ፡ ሕልና ግን ሞይቱ። ሕልና ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ካብ ኣራዊት ምንም ፍልልይ ኪህሉዎ ኣይክእልን። ሃና ኣረንት እተባህለት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሂትለር ሓላፊ ዝነበረ ህቡብ ጨካን ናዚስታዊ ኣይኽማን ዚምልከት መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኣይሁዳዊት ደራሲት፡ …

Read More »

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ካልኣይን መወዳእታን ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ። “ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ ብጥዕናኺ ዓድኺ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com