Thursday , April 25 2024

ምክልኻል ኮረና

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ካልኣይ ዶዝ ክታበት፡ ምሃብ ክጅምር እዩ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ነቶም ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ቀዳማይ ዶዝ ዝወሰዱ ሽማግለታት፡ ካልኣይ ዶዝ ክታበት፡ ምሃብ ክጅምር እዩ። ኣብ ምምሕዳር ጎትላንድ፡ ሎሚ ሶኑይ ንግሆ፡ እቶም ኣቐዶሞም ቀዳማይ ዶዝ ዝወሰዱ ሽማግለታት፡ ካልኣይ ዶዝ ክወስዱ ጀሚሮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። እታ ኣብ ምምሕዳር ጎትላንድ ናይ ፈለማ ክታበት ዝተወግአት፡ ኢልሳ ሶደርዳል፡ ሎሚ፡ እታ ካልኣይቲ ዶዝ ከምተኸበተ ተፈሊጡ። ካልኣይ ዶዝ ምውገአይ፡ ጽቡቕ ስሚዒት ይስመዓኒ፡ ዝበለት ሶደርዳል፡ …

Read More »

ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ጸብጻባት “ናይ ስራሕ ሓደጋ” እናበዝሑ ምምጸኦም ተሓቢሩ

ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሳምንታት ናይዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመት፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝተሓሓዙ፡ ጸብጻባት “ናይ ስራሕ ሓደጋ”፡ ብብዝሒ ከምዝተቐበለ፡ ንኩነታት ስራሕ ዝከታተል ሽወደናዊ ኤጀንሲ ገሊጹ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩንታት፡ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ተርእዮታት እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሓላፊት እቲ ኤጀንሲ፡ ኦልሪካ ሾላንደር፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ 484 ጥርዓናት ዝሓዙ ጸብጻባት ምምጸኦም፡ እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮሮና …

Read More »

ኖርወይ፡ ካብ ሓደጋ ክታበት፡ ተጠንቅቅ

ንዓበይትን ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሕሙማትን፡ ዝወሃብ ክታበት ኮቪድ-19፡ ብቡዙሕ ሓደጋታት ዝተሓጽረ  ክኸውን ከምዝኽእል በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ ኣጠንቂቑ። ኖርወይ ዘመሓላለፈቶ መጠንቀቕታ፡ ድሕሪ’ቲ ብኤጄንሲ መድሃኒት ኖርወይ ዝቐረበ ብዛዕባ እቶም ክታበት ኮሮና ምስ ወሰዱ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሞቱ 23 ሽማግለታት ዝምልከት ጸብጻብ ምስ ተመሓላለፈ ምዃኑ ይፍለጥ። ካብቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ናይ 13 ምውታት መርመራ ምስ ተኻየደ፡ ኣሊታዊ ጽልዋታት ክታበት፡ ኣብ …

Read More »

ኩባንያ ፋይዘር፡ ክዕድሎ ዝሓሰበ መጠን ክታበት ኣጉዲሉ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ፋይዘር፡ እቲ ንኤውሮፓ ከግዕዞ ተባሂሉ መዲብዎ ዝነበረ መጠን ጸረ-ኮሮና ክታበት ብምጉዳል ኣቶኩርኡ ናብ ብዝሒ መጠን ፍርያቱ ከድህብ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ኖርወጃዊ ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ካብቲ ክትቅበሎ ተመዲቡ ዝነበረ 44 ሽሕ ዶዝ ናብ 36 ሽሕ ዶዝ ምጉዳሉ ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻባት ኩባንያ ፋይዘር፡ ብዝሒ መጠን ዓመታዊ ፍርያቱ፡ ካብቲ መዲብዎ ዝነበረ፡ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶዝ …

Read More »

Harmony News. 15/ 01 /2021

Read More »

100 ሚልዮን ክሮነር ንምክትታል ኣሉታዊ ጽልዋታት ጸረ ኮሮና ክታበት

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣሉታዊ ጽልዋታት ጸረ ኮሮና ክታበት ንምጽናዕን ምምርማርን፡ 100 ሚልዮን ክሮነር ሰሊዑ ከምዘሎ ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ውሳኔ፡ ብደገፍ ናይ ሰልፍታት ሊበራላውን ሰንተርን ከምዝገበሮ ብተወሳኺ ገሊጹ። ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ነዚ ብመንግስቲ ተወጢኑ ዘሎ ንፈለማ ግዜ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ክታበትን ብዛዕባ ጸረ ኮሮና ክታበትን ዝምልከት ጎስጓስን ሓበሬታን ከድልዮ እዩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ ገሊጹ። እቲ ዝተሰለዐ ገንዘብ፡ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ፡ 13 ሽማግለታት ክታበት ጸረ ኮሮና ድሕሪ ምኽታቦም ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ

ኣብ ኖርወይ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ክእለዩ ዝጸንሑ 13 ሽማግለታት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ድሕሪ ምውገኦም ከምዝሞቱ ንመርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ብምጥቓስ ተተ ኣቃሊሑ። ኖርወይ፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮሮና ካብ ኣርባዕተ መዓልታት ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ዝጀመረት ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ 25 ሽሕ ሰባት ከም ተኸትቡ ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ፡ ኤጀንሲ መድሃኒት ኖርወይ፡ ብሰንኪ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ተራእዩ ዝተባህለ 29 ኣጋጣሚታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምተረኽበ …

Read More »

ቀይዲ ሰዓታት ቀረብ ኣልኮላዊ መስተ ቀጺሉ

ኣገልግሎት ኣልኮላዊ መስተ ዝህባ ትካላት፡ ካብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ክሳብ 15 ጥሪ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ክሳብ ሰዓት 20፡00 ክኸውን ከምዘለዎ፡ ቀይዲ ተመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ድማ እቲ ቀይዲ፡ ክሳብ ዕለት 24 የካቲት 2021 ክጸንሕ ምኻኑ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ። ድሕሪ በዓላት ሓድሽ ዓመት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቀጻልን ሓደገኛን እዩ ዘሎ ድሕሪ ምባል፡ ሃሊንግሪን፡ …

Read More »

ስኮነ፡ ንትግባረ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝከታተልን መቕጻዕቲ ዝውስንን ጉጅለ ኣቊማ

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ስኮነ፡ ንትግባረ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝከታተልን ሕጊ ኣብ ዝጠሓሰሉ እዋን ይኹን ጽቕጥቅጥ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ መቕጻዕቲ ዝውስንን ሓድሽ ጉጅለ ከም ዘቖመ ኣዊጁ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ። እዚ ኣዋጅ፡ ንመከላኺሊ ተባሂሉ ዝተመሓላለፈ ምዃኑን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝምልከት፡ ህዝቢ፡ ሓቤሬታ ንኽረክብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ’ቲ ቤት ምኽሪ ሓቢሩ። ንግዳውያን ትካላት ስኮነ፡ ምስዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ንኽወሃሃዳ፡ ቅሩብ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ብሰንኪ ጸረ ኮሮና ክታበት ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ብሰንኪ ፍርያት ኣሜሪካዊት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ከጋጥም ዝክእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣመልኪቱ፡ እቲ ዝግባእ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኩባንያ ሞደርና፡ ዛጊት ኣብ መስርሕ ሽወደናዊ ናይ ሕክምና መድሕን ስለዘየላ እዩ። ንጉዳይ ናይ ሕክምናዊ መድሕን፡ ኩባንያ ሞደርና ብዝምልከት፡ ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ፍርያት ናይታ ኩባንያ ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽህባ ስግኣት ከምዘለወን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com