Thursday , March 28 2024

ምክልኻል ኮረና

ሽወደን ን ሽማግለታት ራብዓይ ዙር ክትባት ክወሃብ ተላብያ።

  ዕድሜኦም 80ን ልዕሌኡን ዝኾኑ ሽማግለታት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም መታን ከይጐድል ኻልኣይ ክትባት ኮቪድ-19 ክወስዱ ከም ዝግባእ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዘለዎ ፍጡን ናይ ምልባድ ተኽእሎ ኣብ ግምት ዘእተወ ለበዋ ምዃኑ እውን ተገሊጹ። እዚ ለበዋ ንዂሎማ ኣብ መእለዪ ትካላት ከምኡውን ሓገዝ እናተገብረሎም ኣብ ኣባይቲ ኣገልግሎት ዝቕመጡ ሰባት’ውን እዚ ሓገዝ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናጽነት ይደልዩ ኣለዉ ።

ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ተነቢሩ ዝነበረ ኩሉ ቀይድታት ምልዓሉ እቲ ህይወት ኣብያተ ጽሕፈት፣ ከምቲ ቕድሚ እቲ ለብዒ ዝነበረ ኣይኪኸውንን እዩ ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ዝኾነ መጽናዕቲ ከምዘመልከቶ፣  ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዚሰርሑን መዓስ ከም ዚሰርሑን ባዕሎም ኪውስኑ ስለ ዚደልዩ እቲ ለብዒ ንጹር ጽልዋ ገሩ ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ይሕበር ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገኒኖም ዘሎዉ ጠለብ ወሃብቲ ስራሕ ተዓጻጻፍነት …

Read More »

ዋህዮታት ሰብነት ንኮሮናቫይረስ ኪከላኸሎ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ኮሮናቫይረስ ዋህዮታት ኣካላትና  ንኮሮናቫይስ ብምምሕያሽን ጕድኣት ከም ዘይህልዎ ብምግባርን ክቃለሱ ይኽእሉ ኢዮም ክብል፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎተንበርግ እተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ኮሮናቫይስ ብዋህይቶታ ወዲ ሰብ ጥራይ ልኡም ወይ ሕሱም ኪኸውን ዘሎዎ ተኽእሎ ከምዝተራእየን ብዝበዝሐ ግን ዋህዮታትና ንቫይረስ ኮሮና ክቃለሶ ከምዝኽል ንጹር ሓበሬታ ተረኺቡ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎተንበርግ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፣ ዋህዮታትና ኻብቲ ንኮቪድ-19 ዜስዕብ ሳርስ-ኮቭ-2 ዚብሃል ቫይረስ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ገለ ኣውራጃትት ሕጽረት ደም ኣጋጢምወን።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ዋሕዲ ለገስቲ ደም ብሃገር ደረጃ ዋሕዲ ማዕከ ደም ኣጋጢሙ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ወይ ድማ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት ደም ቅድሚ ምልጋሶም ክጽበዩ ስለ ዘለዎም እቲ ሕጽረት ማዕከን ከጋጥም ምኽኣሉ ኣደ መንበር ውድብ ባንክ ደም ሽወደን ኢንግሪድ ጆሃንሰን ን ኤድዮ ሽወደን ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ብፍላይ ኣብ ዓይነታ ደም O ከምኡውን A ሕጽረታት ኣጋጢሙ ምህላዉ …

Read More »

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገለ ቦታታት እገዳታት ተኣዊጆም

ኣብ ዌይልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜናዊ ኣየርላንድን ‘Boxing Day’ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ስፖርታዊ ቅነ፡ ሓደሽቲ እገዳታት ክትግበሩ ምዃኖም  ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ለይታዊ ቤት ትልሂታት ይዕጸዉ፣ ናይ ርሕቀት ሮቓሒታትን መስርሓትን ይትግበሩ፣ ከምኡ ውን ናብ ባራት ዝኣትዉ ቁጽሪ ናይ ሰባት እንዳነከየ ክኸይድ ይግበር ከምዘሎ፡ ስካይ ኒውስ ስፖርት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ምልባዕ ኦሚክሮን ጅር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣወጁ …

Read More »

ለበዳ ኮሮና ብንጹር ምጒዳል ኣርእዩ ተባሂሉ። 

ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ምጒዳል ምርኣዩን ቊጽሪ ኣብ ሆስፒታል ዝሕከሙ ግዳያት ድማ እናንቈልቈለ ምምጽኡን ተገሊጹ።  እዚ ምጒዳል ኣዝዩ ብንጹር ዝረአ ምዃኑ ክኢላ ሕማማት ለበዳ ኣንድርስ ተግኔል ኣብ ቤትጽሕፈት ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።  እዚ ምጒዳል ሕማም ኮሮና እተኸስተሉ ቀንዲ ምኽንያት ሰባት ይኽተቡ ብምህላዎም ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፥ ምኽታብ ለበዳ እዚ ሕማም ከም ዝንኪ ብንጹር ከም ዘርኢ ኣስሚሩሉ። …

Read More »

Harmony Media News 23-04-2021

Read More »

ኣገዳሲ ሰሚናር ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ 19

ኣካል ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝኾነ ባህላዊ ማእከልን ሃርሞኒ ሚድያን ብሓባር ብምኻን ኣብዘዳለናዮ ሰሚናር ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ መብርሂ ክህቡና ተዓዲሞም ዘለው ክኢላታት ስፒሻሊስት ዶር. ቴድሮስ ኣማኒኤል ከምእውን መኣዛ ያሬድ ተስፋማርያም ክኢላ ጥዕናዊ ሓበሬታ እዮም። ኣብዚ ብማሕበራዊ መራኸብታት ሃርሞኒ ሚድያ ብመንገዲ ዙም ዓርቢ ዕለት 26 መጋቢት 2021  ልክዕ ሰዓት 18:00 ዝካየድ ሰሚናር ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክንፈልጦም …

Read More »

ሃገረ ሱዳን፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ተቐቢላ

ሃገረ ሱዳን፡ ብረቡዕ ዕለት 03/03/2021፡ ብመንገድ ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ከምዝተቐበለት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ዓብደላ ሓምዱክ፡ ብመንገዲ ውልቃዊ ሒሳብ ትዊተር ገሊጹ። እዚ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝመጸ 820 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ሓደ ክፋል ካብቲ ብመንገዲ ኮርቫክስ ንሱዳን ክበጽሕ ተመዲቡ ዘሎ 3.4 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ። ብመንገዲ ኮቫክስ ዝዕደል ጸረ ኮሮና ክታበት ካብ …

Read More »

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ንሽማግለታት ክትህብ ምዃና ትሕብር

ሃገረ ዴኒማርክ፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ዝኾነ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ክትወግእ ክትጅምር ምዃና በዓል መዚ ጥዕና ዴኒማርክ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሓደ እንግሊዛዊ መጽናዕቲ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ከጋጥም ንዝኽእል ሓደጋ ሕማም ኮቪድ-19 ክንኪ ከምዝኽእል ዝሕብር ውጽኢት ድሕሪ ምቅላሑ እዩ። ኣቐድም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com