Friday , April 19 2024

ምክልኻል ኮረና

ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ብሰንኪ ክታበት ኮሮና፡ ካብ ስራሕ ደስኪሉ

ብዙሓት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ሰብ መዚ፡ ክታበት ኮሮና ኣብ ዘይተራኦም ( መስርዖም ) ብቐዳምነት ድክሰዱ ከምዝጸንሑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ሕጂ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝሰርሕ ሓላፊ፡ ተመሳሳሊ ዓይነት ጉድለት ብምፍጻሙ፡ ካብ ስራሕ ከምዝደስከለ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ጉድለት ምግባሮም፡ ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ ዘለዎ ኣይኮነን ክብል ዳይረክተር ምምሕዳር ከተማ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ። ዳይሬክተር ምምሕዳር ከተማ፡ …

Read More »

Harmony media News – ዜና ሃርሞኒ 08 የካቲት 2021

Read More »

Harmony media News 05/02/2021

Read More »

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክታበት ንዘይደልዩ ሰባት፡ ምስክር ወረቐት ከዳልወሎም እዩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ነቶም ክታበት ኮሮና ክወስዱ ዘይደልዩ ሰባትን እቶም ጌና ክታበት ዘይወሰዱ ኮይኖም ግን ድማ ካብ ሽወደን ወጻኢ ክገሹ ንዝደልዩ ሰባትን ምስክር ወረቐት ኣዳልዩ ክህቦም ምዃኑ ሓቢሩ። ነቶም ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ዘይክእሉ ሰባት ብዝምልከት፡ ዝተዳለወ ፍሉይ ምስክር ወረቐት ክወሃቡ ምዃኖምን ኣብ ዝገሹሉ እዋን፡ ናብታ ሃገር ናይ ምእታው  ውሳኔ፡ በታ ተቐባሊት ሃገር ይውሰን ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ህዝባዊ …

Read More »

ማልመ፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ተዓጽያ

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ከተማ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሱንደስብሮስኮላን ምዕጻዋ ተፈሊጡ። ኣገልግሎት ዜና TT ንጋዜጣ ሲድ ስቨንስካ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 800 ተመሃሮ ክሳብ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ወሲኑ’ሎ። ሲሶ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ስራሕ ከም ዘይተረኽቡን ካብ ተመሃሮ ድማ ክሳብ ፍርቂ ዝኾኑ በዚ ተጸልዮም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝቦኸሩ ተፈሊጡ። ምምሕዳር ከተማ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ሓደስቲ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪንን ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ኣማንዳ ሊንድ ሎሚ ኣብ ዘየድዎ ጋዜጣዊ መግሊጺ፡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብሰንኪ ተለዋዋጢ ባህርያት ናይዚ ቫይረስ፡ መጻኢ ናይዚ ኩነታት ለበዳ ክንግምግም ኣይከኣልናን ኣለና። ኣቐዲምና ስጉምታት ክንወስድ እንተዘይ ክኢልና፡ እቲ ኩነታት ብቕጽበት ናይ ምቕያር ተኽእሎታት ክህልዎ እዩ ክብል፡ ሎቪን፡ ሓቢሩ። መሸጣ ኣልኮሆል፡ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት …

Read More »

ሽወደን፡ ንዜጋታታ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክትህብ ወሲና

መንግስቲ ሽወደን፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ዝውዕል ዲጂታላዊ ትሕተ ቕርጺ ንኸዳልዋ ሰልስተ ወኪላት ተልእኾ ሂቡ ኣሎ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ፡ እቲ ሰርቲፊኬት ዘውጽእ፡ ዝጥቀመሉ ይዂን ዘረጋግጽ ሰብ፡ ብዝቐለለ ኣገባብ ክረዳድኡ ይኽእሉ ክብል ሚኒስተር ዲጂታላዊ መስርሕ፡ ኣንዱሽ ኤግማን፡ ሓቢሩ ብምባል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ሰባት፡ ክትባት ከም ዝወሰዱ ንምርግጋጽ እዚ ሰርቲፊኬት ክህልዎም ይግባእ ክትብል ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ …

Read More »

ኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ሓድሽ ክታበት ኣብ ምግምጋም ከምዝርከብ ሓቢሩ

ኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት  (EMA)፡ ነቲ ብኣሜሪካዊ ኩናንያ ኖቫቫክስ ዝፈረየ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ምጽናዕን ምግምጋም ከምዝርከብ ኣፍሊጡ። ሽወደናዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ብዛዕባ ኣድማዕነት ይኹን ውሕስነት ናይዚ ሓድሽ ክታበት፡ ክሳብ ሕጂ ዝተሓበረ ነገር ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብኤውሮጳዊ ኤጀንሲ መድሃኒት ዝዋሃብ ተቐባልነት፡ መዓስ፡ ከምዝኸውን ኣይተፈልጠን ክብል ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ሓደ ብሪጣንያዊ መጽናዕቲ፡ ኣድማዕነት ፍርያት ኖቫቫክስ ዝኾነ ክታበት፡ ኣንጻር …

Read More »

ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ምኽታብ ጀሚራ።

ሽወደን ኣብ ቀዳምነት ክትባት ዘለዋ መርገጺ ከም ዝቐየረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሎሚ ኣፍሊጡ’ሎ። ኩሎም ልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ኣብዚ መስርሕ ክታበት ካልኣይ ደረጃ ክስርዑ እዮም። እቶም ዝለዓለ ክንክን ዘድልዮም፡ ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ዝበሃሉ እዮም ቀዳምነት ክወሃቦም፡ ክብል ዳይረክተር በዓልመዚ ጥዕና ዮሃን ካርልሰን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሃ። ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ ዝያዳ ጉጅለታት ክኣትዉ ከም እተገብረን እቲ ክሊ ዕድመ ድማ …

Read More »

ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የመዝግብ

ቀዳማይ ብልቃጥ (ዶዝ) ክታበት ኣስትራ ዚኒካ ድሕሪ ምውጋእ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል፡ ብ76%፡ ካብ መልከፍቲ ኮሮና ክከላኸል ከምዝኽእል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ ሓቢሮም። እዚ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ንኣድማዕነት ናይቲ ክታበት ዘረጋግጽ እዩ ክብሉ፡ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። እቶም ብክታበት ኣስትራ ዚኒካ ዝተኸትቡ ሰባት፡ እቶም ዝተሓተ ዓቕሚ ምምሕልላፍ ናይ ኮቪድ-19 ዘለዎም ሰባት ከምዝኾኑ ኣሜሪካዊት ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ገሊጻ። ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ክዕቀበሉ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com