Thursday , April 25 2024

ኮረና ቫይረስ

January, 2022

  • 4 January

    እስራኤል . . . ልዕሊ 60 ንዝዕድሜኦም፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክትህብ ጀሚራ

    እስራኤል፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሜኦም ንኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሳልሳይ ብልቃጥ ክትባት ወሲዶም ንዝጸንሑ ሰባት፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክታበት፡ ክትዕድል ምጅማራ ተገሊጹ። እቶም እዚ ክትባት ዝምልከቶም ዜጋታት፡ ኣብ ማእከላት ጥዕና ሪጋ ሒዞም ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ነዚ ራብዓይ ብልቃጥ ክወሃብ ድሕሪ ምኽታሞም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነፍታሊ በነት፡ ዜጋታት ሓድሽ ድርዒ መከላኸሊ ክህልዎም ምዃኑ ብተሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ …

  • 3 January

    Harmony Media News 03/01/2022

  • 3 January

    እስራኤል: ሀርድ ኢምዪኒቲ ክትበጽሕ ትኽእል እያ ተባሂሉ

    እስራኤል ምስ ምምጻእ ማዕበል ኦሚክሮን ሀርድ ኢምዩኒቲ ከተማዕብል ከም እትኽእል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። እታ ሃገር: ነዚ ክትረክብ ዋጋ ክትከፍል ከም እትኽእል ዝገለጸ: ናኽማን ኣሽ: ኣብ ክንዲ እዚ ሀርድ ኢምዩኒቲ ብክትባት ኣቢሉ ክመጽእ ከም ዝመርጽ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ክሳብ ምውዳእ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ 4 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር …

  • 3 January

    ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርታት ዝተወስዱ ተወሰኽቲ መምርሒታት የለዉን

    ድሕሪ በዓላት ልደት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙንን ፈረቓን ቤት ትምህርትታት ናይታ ሃገር ክኽፈቱ ምዃኖም ተፈሊጡ። ጎናጎኒ ምስ’ዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ተላባዒ ዝኾነ ኦሚክሮን ጅር እቲ ዓብላሊ ቫይረስ ዝኾነሉ ግዜ ከም ዝኾነ ትጽቢታት ኣለው። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Health Agency of Sweden-FHM) ኣብዚ ሰዓት’ዚ: ነዚ ሕጂ ዘሎ ምልባዕ ንምክልኻል: ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርትታት፡ ተወሳኺ መምርሕታትን ስጉምትታትን ምትእትታውን …

December, 2021

  • 31 December

    ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ማዕበል ኦሚክሮን ጠርዙ ምሕላፉ ተገሊጹ

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ: ራብዓይ ማዕበል ኦሚክሮን ካብ ጠርዚ ብምሕላፉ ናይ እቶ እቶ ሕጊታት ክለዓል ከም እትገብረ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። እዚ ጅር ኦሚክሮን ናይ ምልባድ ተኽእሎኡ ዝለዓለ እኳ እንተኾነ ካብ ናይ ዝሓለፈ ለበዳ ብዝወሓደ ምጭንናቕ ሆስፒታል ከም እተራእዮ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ብዘይካዚ መጠነ ሞት እውን ጸቢብ ምውሳኽ ጥራይ ምርኣዩ ተመልኪቱ።   ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እተረኽበ ጅር ኦሚክሮን መላእ ዓለም ብዘሰንብድ ናህሪ …

  • 31 December

    ጀርመን: ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ተመላኽት

    ጀርመን ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ተመላኽት ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን: ካርል ላውተርባኽ: (Karl Lauterbach) እቶም ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኽንክዩ ተባሂሎም ኣብ ተግባር ውዒሎም ዘለው መምርሒታት ነቲ ሓድሽ ማዕበል ኦሚክሮን ጅር ንምክልኻል እኹል ከምዘይኮኑ ኣጠንቂቑ። “እዞም ሕጂ ብዝተወሰነ መልክዕ ኣንጻር እዚ ማዕበል ናይ ለበዳ ንዕወተሎም ዘለና መከላኸሊታት፡ ነቲ ዕዙዝ ዝኾነ ምውሳኽ ናይ ቁጽሪ ዘርእይ ዘሎ ናይ ኦሞክሮናዊ ጅር መልከፍቲታት ንምዕጋት እኹል ከምዘይኮነ …

  • 31 December

    ኣብ ስጳኛ፡ ኣዚዩ  ልዑል ዝኾነ መጠን መልከፍቲ ተመዝጊቡ

    ካብ ዓርቢ ክሳብ ሶኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ስፓኛ፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ዝኾኑ ሓደስቲ ግዳያት መልከፍቲ ኮቪድ ከምዝተመዝገቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣብ ስጳኛ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት፡ ካብ 100.000 ነበርቲ ልዕሊ 1.200  በጺሑ። እዚ ድማ፡ ድሕሪ መጋቢት 2020፡ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ከምዝኾነ ጋዜጣ ኤል- ፓሪስ ጸብጺባ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ እቲ ዝለዓለ …

  • 31 December

    ሽወደን፡ መጠን ዝርጋሐ ኦሚክሮን፡ ከምዝፈላለ ገሊጻ

    ምስፍሕፋሕ ናይ መልከፍቲ እንዳወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎን – ኣብ ናይ በዓላት ልደት ዘሎ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ሓድሽ መልከፍቲ ከምዝወሰኸን መብዛሕትኦም ድማ ክትባት ዘይወሰዱ ሰባት ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ ብ14% ከምዝወሰኸን ተገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም ብሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ውን ወሲኹ ምህላው ጸብጻብ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መጠን …

  • 30 December

    ውድብ ጥዕና ዓለም . . . ማዕበል ለበዳ ጅር ደልታን ኦሚክሮንን ይመጽእ ኣሎ

    ማዕበል ለበዳ ጅር ደልታን ኦሚክሮንን ሓደገኛ ሱናሚ ኮቪድ 19 የስዕብ ምህላዉ ዳይረክተር በዓል መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገሊጹ። ፈረንሳ ንኽልተ መዓልታት ብተኸታታሊ ኣብ ዝተኸስተ መልከፍቲ 208 ሽሕ ሰባት ከም ዝሓመሙን እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዝበዝሐ ኣሃዝ ለበዳ ምዃኑን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 265,427 ሰባት በዚ ሕማም ከም እተለኽፉ …

  • 30 December

    ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ኣንቢራቶም ዝነበረት ቀይድታት ኮቪድ፡ ተትርር

    ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ እቲ ቅድም ክብል ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ዝግበሩ ጉዕዞታት ዝነበረ መጠንቀቕታ፡ ካብ ምድብ 3 (ዝለዓለ ሓደጋ) ናብ ምድብ 4 (ኣዝዩ ዝለዓለ ሓደጋ) ተኽርሮ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ማልታን ሞልዶቫን እውን ካብ ምድብ 3 ናብ ምድብ 4 ከም ዝተሰጋገራ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ድሮ መብዛሕትአን ኤውሮጳውያን ሃገራት እንትርፊ ኣልባንያን ኮሶቮን፡ ኣብ ምድብ 4 እየን ዝርከባ። ሕቡራት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com