Tuesday , April 23 2024

ኮረና ቫይረስ

August, 2020

  • 3 August

    መጠንቀቕታ ካብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን፡ ዓቢ ሕጽረት ኣለና ይብል

    ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 270 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን ተመዝጊቦም ኣለዉ። ብሰንኪ እኹል ዝኾነ ምንጪ ዘይምህላዉ እቲ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ምህላዉ ማሕበር መጠንቀቕትኡ ናብ ST ኣመሓላሊፉ ክብል መዕከን ዜና SVT ሓቢሩ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሰንኪ ምጉዳል ምንጪ ኣታዊ፡ ብድምር 4000 ሰራሕተኛታት ከምተፈነዉ ይዝከር። እዚ ዝኣክል ሕጽረት እንሃለወና ከምቲ ዝግባእ ክንሰርሕ ኣይክንክእልን ኢና ይብል ኣብ ኣርቤትስፎርሜድሊገን ኣባል ቦርድ ማሕበር ST ዝኾነ …

  • 3 August

    ሎቪን፡ ንጻዕርታት ዘይ-መንግስታውያን ትካላት ንኢዱ

    ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብፍላይ ኣረጋውያን ንምሕጋዝ ዝገበራኦ ሓገዛት ኣመና ከም ዝመሰጦ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣብ ናይ ፌስቡክ ውልቃዊ ሒሳቡ ገሊጹ። ዝተመዛበሉ ሰባት፡ ውጹዓት ቆልዑን ብቛንቋ ሽወደን ሓበሬታ ክወስዱ ዘሸግሮም ሰባት፡ ካብዘን ወለንታውያን ትካላት ሓገዝ ምርካቦም ድማ ሓቢሩ። ንሱ፡ ምምሕዳራት ከተማ ንኹሎም ብኮሮና ዝተጠቕዑ ሰባት ሓገዝ ከበርክታ ስለዘይክእላ ኩለን ዓይነታት ማሕበራት ዝገብረኦ ሓገዛት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ …

  • 2 August

    ድኹም ጎኒ ናይ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቡ ተባሂሉ።

    ቫይረስ ኮሮና ብቐሊሉ ዝጥቅዓሉ ኣገባብ ንምንዳይ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕታት፡ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተሓስቦ ንታሕቲ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝገብሮ ባእታ ከም እተረኽቦ ኣብቲ ዳህሳስ እተዋፈሩ ኣመሪካውያን ኣረጋጊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ኣብ ዝተገበረ መጽናዕታት፡ ንባህርያት ናይቲ ቫይረስ ንምርዳእ ዘኽእል፡ ብዙሕ ሓበሬታ ከም እተኣከበ ዘመልክተ እቲ ዳህሳስ ነቲ ቫይረስ ንምጥቃዕ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ክቐርብዎ ምጽንሖም ኣመልኪቶም። ሓደ ካብዚ ዳህሳሳት፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ዋህዮታት ብኸመይ ከም …

  • 2 August

    ናይ እዋን ሕማም ክፍሊት ብ18 ዕጽፊ ወሲኹ

    ብምክንያት ቅልውላው ኮሮና መንግስቲ ዝኸፍሎ ካሕሳ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ካብ 1 ቢልዮን ናብ 18 ቢልዮን ማለት 18 ዕጽፊ ምውሳኹ ተገሊጹ ክብል ንመንግስታውያን ኣሃዛት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። እቲ ኩባንያ ናይ ሕሙም መጸበይ ሳምንታት ብምጉዳል ንኽልተ ሳምንቲ እኹል ዝበሃል ደሞዝ ንሰራሕተኛታት ክኸፍል እኳ እንተጸንሐ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ መንግስቲ ከም ኣካል ምሕዋይ ነዘን ትካላትን ሰራሕተኛታትን ገንዘባዊ ፈሰስ ክገብር ምጽንሑ ዝፍለጥ …

  • 1 August

    ዶባት ኖርወይ ንኹሎም ካብ ሽወደን ዝኣትዉ በጻሕቲ ክፉት ኣይኮነን ዘሎ

    ሃገረ ዴኒማርክ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ዶባታ፡ ንካብ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክፉት ምዃኑ ከምዝኣወጀት ይፍለጥ። ኖርወይ ግን ነዚ ዴኒማርክ ዝወሰደቶ ውሳኔ ከምዘይትኽተልን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መምዘኒታት ተጠቂማ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ውሳኔኣ ከተመሓላልፍ ምዃና ሰብ መዚ ኖርወይ ሓቢሮም ክብል TT ኣቃሊሑ። ኣብተን  ብምብራቕ ምስ ኖርወይ ዝዳወባ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ምንቁልቋል ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ንኖርወይ ናይቶም ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት እንወሓደ …

July, 2020

  • 30 July

    ቲግኒል፡ ምዝላቕ ቀይድታት ሕብረተሰብ ኤውሮፓ፡ ጠንቂ ካልኣይ ማዕበል ኮሮና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም

    ቫይረስ ኮሮና ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣውሮጳ እንተላይ ካታሎንያን ጋልሲያን ዝተባህላ ኣውራጃታት እስፓኛ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ኣማኻሪ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንድረስ ቲግኔል፡ ” እዚ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ምስ ምዝላቕ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጸኒዖም ዝጸንሑ ቀይድታት ዘጋጠመ እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ። እዚ ዘስተውዓለት ቤልጂም ነቶም ኣዝሊቓቶም ዝነበረት ቀይድታት ደጊማ ብምጽናዓ፡ ቁጽሪ ሕሙማት ኣብ ምንካይ ትዕወት ምህላዋ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሃገራት ኣውሮፓ ዘካይደኦ ዘለዋ ምዝላቕ …

  • 30 July

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ ሰሉስ 29 Juli 2020

  • 29 July

    ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደናውያን፡ ዝያዳ ሃለኽቲ ኣቕሑ ምሽማቶም ተፈሊጡ

    ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደናውያን ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ደረጃ ሸመተ ምክያዶም ኣሃዛዊ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሰኔ፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ብንጽል ዝሽየጡ ሃለኽቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ ብ 3.5% ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መሸጣ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ገዛ ኣቕሑ፡ ናይ መዘናግዒ ፍርያታትን ናይ ገዛ መመልክዒታትን ምስ ናይ ዝሓላፈ ዓመት …

  • 29 July

    ቲግኒል፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ናብ ኖርወይን ዴኒማርክን ክገሹ ክፍቀደሎም ተኽእሎታት ኣሎ

    ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ነበርቲ ስቶክሆልም፡ ናብ ኖርወይን ዴኒማርክን ክገሹ ክፍቀደሎም ተኽእሎታት ክህሉ ከምዝኽእል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ ክብል SVT ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት፡ ብርኡይ ይጎድል ምህላዉ ተፈሊጡ።  ኖርወይን ዴኒማርክን ከም ናይ መገሻ ቅድመ ኩነት ዘቕርበኦ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ሰባት፡ ካብ 20 ሰባት ዝወሓዱ መጠነ መልከፍቲ …

  • 29 July

    ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ SL፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ናይ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ትኬት ክቆጻጸር ክጅምር እዩ

    ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝግበር ዝነበረ ምቁጽጻር ናይ ትኬት፡ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣቋሪጹ ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 29/07/2020 መስርሕ ምቁጽጻር ትኬት ክጅምር ምዃኑ ኩባንያ ህዝባዊ መጓዓዝያ SL ሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ብምጉዳሉን ገለ ሰባት ድማ ዋጋ ትኬት ብዘይ ምኽፋሎም፡ ኣታዊታት ኩባንያ SL ሰሙናዊ ናይ 100 ሚልዮን ክሮነር ክሳራ ከርኢ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com