Friday , March 29 2024

ኮረና ቫይረስ

February, 2022

  • 14 February

    ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናጽነት ይደልዩ ኣለዉ ።

    ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ተነቢሩ ዝነበረ ኩሉ ቀይድታት ምልዓሉ እቲ ህይወት ኣብያተ ጽሕፈት፣ ከምቲ ቕድሚ እቲ ለብዒ ዝነበረ ኣይኪኸውንን እዩ ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ዝኾነ መጽናዕቲ ከምዘመልከቶ፣  ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዚሰርሑን መዓስ ከም ዚሰርሑን ባዕሎም ኪውስኑ ስለ ዚደልዩ እቲ ለብዒ ንጹር ጽልዋ ገሩ ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ይሕበር ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገኒኖም ዘሎዉ ጠለብ ወሃብቲ ስራሕ ተዓጻጻፍነት …

  • 11 February

    ዋህዮታት ሰብነት ንኮሮናቫይረስ ኪከላኸሎ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

    ኮሮናቫይረስ ዋህዮታት ኣካላትና  ንኮሮናቫይስ ብምምሕያሽን ጕድኣት ከም ዘይህልዎ ብምግባርን ክቃለሱ ይኽእሉ ኢዮም ክብል፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎተንበርግ እተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ ሓድሽ ኮሮናቫይስ ብዋህይቶታ ወዲ ሰብ ጥራይ ልኡም ወይ ሕሱም ኪኸውን ዘሎዎ ተኽእሎ ከምዝተራእየን ብዝበዝሐ ግን ዋህዮታትና ንቫይረስ ኮሮና ክቃለሶ ከምዝኽል ንጹር ሓበሬታ ተረኺቡ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎተንበርግ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፣ ዋህዮታትና ኻብቲ ንኮቪድ-19 ዜስዕብ ሳርስ-ኮቭ-2 ዚብሃል ቫይረስ …

  • 11 February

    ምስ ምልዓል እገዳታት ሕጽረት ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ምግቢመሰተን የጋጥም።

    ኣብያተ መግብንመስተን  ቐይድታት ብምልዓሉ ዓቢ ዜና እንተኾነ፣ እቲ ምልዓል እገዳ ንበይኑ ናይ ባዕሉ ጸገም ሕጽረት  ጽቡቕ ክእለትን ተመክሮን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ሕጽረት ከምዘጋጠሞ ተሓቢሩ። ድሕሪ ምሎዓል ኩሎም ማሕበራዊ እገዳታትን መምርሕታትን ኮሮና ተኸቲሉ ኣብ ኣብያተ መሸጣ መግብን መስተን ሓያል ሕጽረት ብቑዓትን ሰብ ተመኩሮን ሰራሕተኛታት ሕጽረት ከምዘጋጠመ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዛጊት ተራእዩ ዘሎ ሕጽረት ተመኩሮ ብዘይብሎም ተማሃሮን መንሰያትን ክትካእ እኳ እንተተፈተነ …

  • 11 February

    ኣብ ኖርወይ ማእከላት መእለዪ መልከፍቲ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ።

    45% ምምሕዳራት ከተማ ኖርዌይ ኣብ መእለዪ ኣባይቲ ዘሎ ኲነታት በዳሂ ምዃኑ ይገልጻ ኣለዋ። ቊጽሪ መልከፍቲ ኣብ ትካላት ምምሕዳር ከተማ ይውስኽ ምህላዉ ሰሙናዊ ጸብጻብ ዳይረክቶረይት ጥዕና ኖርዌይ የመልክት።. 45% ካብዞም ምምሕዳራት ነቲ ኲነታት በዳሂ እዩ ኢለን ክገልጻኦ እከለዋ 55% ግና ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላወን ይሕብራ’ለዋ። ሓንቲ ምምሕዳር አተማ ግና ነቲ ኲነታት ዝኸፍአ እዩ ክትብል ኣቐሚጣቶ’ላ። ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት …

  • 10 February

    ኦስሎ ንሕግ ምርሕሓቕ ክተወግድ ትዳሎ።

    ናይ ሕማም መልቀቒ ፍቓድ ካብቲ ለበዳ ንላዕሊ ዓብዪ ሽግር ኮይኑ ምህላዉ ሃሓፊ ቆንስል ከተማ ኦስሎ ሬይመንድ ጆሃንሰን ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ነቲ ርሕቀትካ ምሕላው ረቛሒ ብምውጋድ ነታ ከተማ ክኸፍታ ድሉው ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ጋዜጣ  VG መንግስቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ነታ ከተማ ክኸፍታ ብምባል ጋዜጣዊ ዋዕላ ኽዕድም ይዳሎ’ሎ። “ገለ ሒደት ስጒምቲታት ይተርፋና ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን …

  • 10 February

    ሽወደን ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ ተላዒሎም

    ትማል ረቡዕ ኲሎም መምርሕታት ኮቪድ-19 ከም እተላዕሉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ሰለስተ መምርሒታት ሕጂ’ውን ተግባራውያን ኮይነን ክቕጽላ እየን ተባሂሉ’ሎ። ኲሎም 12 ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሜኦም ክኽተቡ እቶም ምልክታት እቲ ሕማም ዘርእዩ ድማ ኣብ ቤቶም ክውሰኑ፡ ዛጊት ዘይተኸትቡ ዓበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ እኲብ ሰብ ከይርከቡን ኣብ ውሽጢ ቤት ውን እንተኾነ ብዝሒ ሰብ እንተሎ ክፍለዩን ለበዋ ቀሪቡ’ሎ። ብዘይካዚ ሽወደን ንምእታው ዘገልግል ዝነበረ መምርሒ እውን …

  • 9 February

    ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ገለ ኣውራጃትት ሕጽረት ደም ኣጋጢምወን።

    ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ዋሕዲ ለገስቲ ደም ብሃገር ደረጃ ዋሕዲ ማዕከ ደም ኣጋጢሙ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ወይ ድማ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት ደም ቅድሚ ምልጋሶም ክጽበዩ ስለ ዘለዎም እቲ ሕጽረት ማዕከን ከጋጥም ምኽኣሉ ኣደ መንበር ውድብ ባንክ ደም ሽወደን ኢንግሪድ ጆሃንሰን ን ኤድዮ ሽወደን ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ብፍላይ ኣብ ዓይነታ ደም O ከምኡውን A ሕጽረታት ኣጋጢሙ ምህላዉ …

  • 3 February

    Harmony Media News 02/02/2022

  • 3 February

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕጊ ውሸባ ከተፍኲስ እያ

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ግና ዝኾነ ዓይነት ምልክት ናይቲ ሕማም ዘየርእዩ ሰባት ክውሸቡ ምጥላብ ክትሓድጎ መደብ ከም ዘለዋ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ኣፍሊጡ። ምልክት እቲ ሕማም ዘርእዩ ሰባት ዝሕተትዎ ውሸባ፡ ድማ ካብ 10 መዓልታት ናብ 7 ክወርድ ጌሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብታ ሃገር ቊጽሪ ናይቶም ባህርያዊ ጸረ-ኮቪድ ናይ ምክልኻ ዓቕሚ (ወይ ድማ ኢምዩኒቲ) ዘማዕበሉ ሰባት ምውሳኹ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ …

  • 2 February

    Harmony Media News 31/01/2022

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com