Friday , March 29 2024

ኮረና ቫይረስ

January, 2022

  • 26 January

    ኣብ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ፡ ናብ ሕክምና ስነ ኣእምሮ ተላኢኹ

    ፋስን ካራን ሒዙ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምእታው ስዒቡ፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ቀሊል ጉድኣት ዘብጸሐ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ኣእምሮኣዊ ክንክን ንኽግበረሉ ናብ ሕክምና ንኽውሰድ ተወሲኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቮርበሪ ዝርከብ ኣብ ሓደ ናይ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብፈተነ-ቕትለት፡ ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ …

  • 26 January

    ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ፡ ኣመዝጊባ

    መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብልዑል ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ቁጽሪ ናይ ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 44,791 ከምዝነበረ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ካብ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ፡ እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ኣስታት 140,000 ዝኾኑ ሓደሽቲ መልከፍቲታት …

  • 24 January

    Harmony Media News 24/01/2022

  • 24 January

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና . . . ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ይኽእል እዩ

    እቲ ብጅር ኦሚክሮን ዝሰዓበ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ መዛዘሚ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፡ ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣስታት 60% ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ፡ ብጅር ኦሚክሮን  ክልከፍ ከምዝኽእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኤውሮጳ ዝኾነ ሃንስ ክሉግ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ድማ፡ እቲ ዞባ፡ ናብ ምዝዛም ምዕራፍ …

  • 24 January

    ኣየርላንድ፡ ቀይድታት ኮቪድ፡ ኣልዒላ

    ኣየርላንድ፡ ንማዕበል ምስፍሕፋሕ ኦሚክሮን፡ ብዓወት ሰጊራቶ ኣላ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ማይክል ማርቲን፡ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ኮሮና ቫይረስ እገዳታት፡ ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚሮም ክላዓሉ ከምዝኾኑ ውን ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም መብዛሕትኦም ክንሰርሓሎም ዝጸናሕና መምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክላዓሉ እዮም ክብል፡ ማርቲን ብዓርቢ ዘፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ብዓለም ደረጃ ተኸሲቱ ዘሎ መልከፍቲ ግና …

  • 24 January

    ኣብ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ብኦሚክሮን ተለኺፎም ኣብ ሓደጋ ዝወደቁ ሰባት የለዉን

    ኣብ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ብኮቪድ ተለኺፎም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘየለን እዚ ድማ ዓቢ ለውጢ እዩ ክብል ዋና ሓላፊ፡ ዮሃን ቱንበሪ፡ ንVK ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሕብረተሰብ ቬስተርቦተን ዝርአ ዘሎ ዓቢ ናይ ለበዳ ምስፍሕፋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ርኡይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይፈጠረ እዩ ዝፍለጥ። ከምቲ ቅድሚ …

  • 22 January

    ጆንሶን . . . ለብዳ ኦሚክሮን ብምንካዩ፡ ሕጊ ምኽዳን ማስክ ኣብቂዑ

    ማዕበል ኦሚክሮን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ንታሕቲ ይወርድ ብምህላዉ፡ ናይ ኣፍ ማስክ ምጥቃም ዝርከቦም ካልኦት ሕግታት ካብ ዝመጸእ ሰሙን ክውገድ ምዃኑ ቀድማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት፡ ሕጊ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ምርኣይ ኣተኣታትያ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘለዎ ቦታታት ድማ፡ ማስክ ምጥቃም ሓጊጋ ነይራ። ይኹን እምበር እዚ ሕጊ፡ ኣብ …

  • 22 January

    ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 7,508,711 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  83.1% ካብ መላእ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣስታት 3,3 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ድማ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ማለት ድማ፡ 39.6% …

  • 21 January

    Harmony Media News 21/01/2022

  • 21 January

    ዝዋሓደ ቁጽሪ ተሓከምቲ፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ

    ከም ጸብጻብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ እንተኾይኑ፡ መጠን ናይቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ሕሙማት፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ከምዝነከየ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳገንስ ኒሄተር ከም ዝጸብጸቦ፡ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ብዛዕባ እቲ ወጽዩ ዘሎ ስታቲስቲክስ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ዝተጋነነ ቁጽሪ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዘፍለጣ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ብኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብመሰረቱ ንኻልእ ሕማም ክምርመሩ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com