Thursday , March 28 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2020

  • 18 December

    ብሰንኪ ምልባዕ ክሮና ቫይረስ ተወሰኽቲ ቀይድታት ክግበሩ ምኻኖም ተፈሊጡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎቨን ምስ ምክትሉ ኢዛቤላ ሎፌንሎሚ ዕለት 8 ዲሰምበር 2020 ሰዓት 16:15 ኣብ ዝህብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ብሰንኪ ምልባዕ ክሮና ቫይረስ ተወሰኽቲ ቀይድታት ክግበሩ ምኻኖም ካብ ዓንኬል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጸ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ክቡራት ተኸታተልትና ንዝርዝር ትሕዝቱኡ ኣብ ናይ ምሸት ፈነወ ዜና ከነቅርቦ ምዃና እንዳሓበርና ክትከታተሉ ንዕድም።

  • 18 December

    ግዚያዊ ሕጊ ለበዳ ኮሮና ግዚኡ ዘይሓለወ ተባሂሉ ይንቀፍ ።

    መንግስቲ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ንምምካት ለበዳ ኮሮና ዝዉዕል ብመልኽዕ ርእይቶ ዝሓለፈ ሰሙን ዘቕረቦ ግዚያዊ ሕጊ ግዚኡ ዘይሓለወ ወይ ከኣ ደንጉዩ ዝቐረበ ሕጊ ምዃኑ ካብ ፖለቲከኛታት ክሳብ ሕክምናዊ ሞያተኛታት ዝርከብዎም ወገናት ነቐፌታ ኣቕሪቦም። እቲ ንመንግስቲ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ብቕዋም ሃገር ዘይተዋህብዎ ስልጣን ኣብዚ እዋን ለበዳ ንምጥቃም ዘኽእልዎ ዝተፈላለዩ ሕግታት ብባይቶ ሃገር ንምጽዳቕ ዘቕረቦ፣ እማመ ኩሉ ነገር ምስ ኮነ ሕጂ ምቕራቡ ንብዙሓት …

  • 18 December

    ኣብ ሽወደን ንኣዋሃህባ ክታበት ኮሮና ምድላዉ ይጻፈፍ ኣሎ።

    ኣብ ሽወደን ነቶም ብደረጃ ሕብረት ኤዉሮጳ ተቐባልነት ረኺቦም ዘሎዉ ፊዘርን ቢዮንቴክን ዝተባህሉ ክልተ ክታበት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ናብ መዓላ ህዝቢ ንምውዓል፡ ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ ሃገራዊ መደብ ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን በብዘብኡ ዝግበሩ ዘለው ምድላዋት የዋሃህድ ከምዘሎን ኩለን ምምሕዳር ዞባታት ሽወደን ንጠለባተን ዘድሊ ዓቀን መዲቡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ።  ኩሉን ዞባታት ሽወደን እቲ ዘድልየን ብዝሒ ዓቐን ምስ ረኸባ ፡ ብመሰረት ንሓደ …

  • 11 December

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna. 11 December 2020

  • 9 December

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 December 2020

  • 9 December

    ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ስቶክሆሎም፡ ነጻ ቦታ ከምዘይብለን ሓቢረን

    ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ዝርከባ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝህበኦ ኣገልግሎታት ኣብ ጥርዙ ከምዝበጸሐ ሓቢረን። ካብቲ ዝለወን ቦታታት፡ እቲ 99% ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዘሎን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር እዚ ተርእዮ ናይ ፈለማ ምዃኑ ጋዜጣ ዳግኔዝ ኒሂተር ገሊጹ። እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት፡ ናይ ሞትን ሕየትን ብምዃኑ፡ ሓደገኛ ይገብሮ ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ ሓላፊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኾነ ቢሮን ፒርሾን ሓቢሩ። …

  • 9 December

    ሚኒስተር ፋይናንስ፡ እቶም ዝለዓሉ ተረባሕቲ ድጎማ መንግስቲ፡ ቤት ምግብታት እዮም ትብል

    ሆቴላት፡ ቤት ምግብታት፡ ባህላውን መዘናግዕን ጨንፈራት ኣገልግሎታትን እቶም ቀንዲ ተረባሕቲ ናይቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብመንግስቲ ዝተዋህበ ገንዘባዊ ሓገዝ (ድጎማ) እዮም ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፡ ሓቢራ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ወነንቲ ናእሽቱን ብሕታውያን ኩባንያታትን ብውልቆም ንዝሰርሑ ሰባትን፡ ገዚፍ መጠን ድጎማ ከምዘካየደ፡ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። መንግስቲ፡ ነቶም ብሕታውያን ኩባንያታት ዝገብሮ ድጎማ፡ …

  • 9 December

    መንግስቲ ሽወደን: ሰባት: ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ ከም እንደገና ጸዊዑ

    ምሰፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት: መንግስቲ: ነቲ ሰባት ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ ዝብል መምርሒ: መሊሱ ከም ዘትረሮ ተፈሊጡ። እዚ መምርሒ ኣብ ተግባር ንኽውዕል: ኣስራሕቲ: ምቹእ ኲነታት ከደላድሉ ድማ ተላብዩ።  በዓልመዚ ናይ ስራሕ ሃዋሁን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት: ብወገን ኣስራሕቲ ክግበሩ ንዝኽእሉ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፉ ከም ዝግባእ: መንግስቲ: ድሕሪ ምዝኽኻሩ: ሰራሕተኛታት ካብ ኣባይቶም ዝሰርሕሉ ኩነታት ንኽበዝሕ ጸዊዑ። ዝሰርሕ …

  • 8 December

    ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዝንቀሳቐሱ መጠን ብዝሒ ገያሾ ዝተሓተ ኮይኑ

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ቁጽሪ ናይቶም ብመንገዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዝተንቀሳቐሱ ገያሾ ብጣዕሚ ትሑት ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን ገሊጹ። ሓደ ካብቶም ዓሰርተ መዓርፎ ነፈርቲ ኩባንያ ስዊዳቭያ፡ 386 ሽሕ ዓማዊል ከምዝኣንገደን፡ ምስ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ብ87% ከምዝጎደለ ተፈሊጡ.። ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብሮማ (Bromma) ዝለዓለ መጠን ምጉዳል ከም ዘርኣየን እዚ ድማ ኣብ …

  • 8 December

    ነርስ፡ ቀዳማይ ማዕበለ ኮሮና ምልክት ናይዚ እንርእዮ ዘሎና ካልኣይ ማዕበል እዩ ኔሩ

    ከተማ ሄልሲንቦሪ፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮሮና እተጠቕዓ ከተማታት እያ። ሕጂ ዝለዓለ ለበዳ ኮሮና ዘለዋ ምምሕዳር ከተማ ምዃና ድማ ይፍለጥ። እቶም ተሓጋገዝቲ ሓካይም (ነርስታት)፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ስለ ዘለዉ፡ ነዛ ንዓይኒ ምድሪ ዝኸዱላ ግዜ’ውን የብሎምን ክትብል ኣብ ሆስፒታል ሄልሲንቦሪ፡ ኣብ ጨንፈር ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ተሓጋጋዚት ሓኪም ዝኾነት ተረሳ ሞዲን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። ንሳ ወሲኻ፡ ብዙሓት ካብ ኣባላትና፡ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com