Friday , April 19 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ኦስሎ፡ መስርሕ ዕጽዋ ጀሚራ

ርእሰ ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ካብ ሎሚ ዕለት 01 መጋቢት ጀሚራ ክሳብ 15 መጋቢት ዝጸንሕ ዕጽዋ ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ 50% ክሳብ 70%  ናይ ሓደስቲ መልከፍቲ፡ ብብሪጣንያዊ ኮሮና ዝፍለጥ ጅር (ዓሌት)፡ ዝሰዓበ ምዃኑ ብምፍላጡ እዩ። ብሪጣንያዊ ጅር፡ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ኮሮና፡ ዝፈልዮ ነገር እንትድኣ ሃልዩ፡ ቅልጡፍ ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሚ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ። ኣብያተ ንግድን ቤት ምግብታትን ድማ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ውሳነ ዕጽዋ ኣመሓላሊፋ

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ብመንገዲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ሳና ማሪን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ካብ ዕለት 8/03 2021 ጀሚሩ፡ ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር፡ መስርሕ ዕጽዋ ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ እዋን’ዚ መስርሕ፡ ኩሎም ቤት ምግብታት፡ ባራት፡ ስፖርታዊ ኣደራሻት፡ ቤተ ምዘክራት ካልኦት ህዝባውያን ቦታታትን ክዕጸዉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ዓበይቲ ተመሃሮ ድማ ንንውሕ ዝበለ እዋን፡ ብመንገዲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ …

Read More »

Harmony Media News 26-02-2021

Read More »

ኣብ መደበራት ንግዲ ዝተዶከና ቤት ምግብታት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓንቲ ጣውላ፡ ከአንግዳ መምርሒ ወጺኡ

ናይ ገዛእ ርእሰን ኣፍደገ ዘይብለን ኣብ ከም በዓል ኢክያ ዝኣመሰላ መደበራት ንግዲ ዝተዶከና ቤት ምግብታት፡ ካብ ዕለት 01/03/2021 ጀምረን፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ጣውላ ከአንግዳ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከመሓላልፍ ምዃኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣቐዲሙ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ኣብቲ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝቐርብ መምርሒታት፡ ቤት ምግብታትን ባራትን ኣብ ሰዓት 8፡30 ድ.ቐ. ክዓጽዋ ዝብል እዩ። …

Read More »

ምምሕዳር ያቭለቦሪ (Gävleborg)፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክትጅምር እያ

ኣብ ምምሕዳር ያቭለቦሪ ዝርከባ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ክጅምራ ምዃነን እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ዕላማ፡ ነቲ ድሕሪ ክረምታዊ ዕረፍቲ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ተባሂሉ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ እቲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ኣብ የስትሪክላንድ (Gästrikland) ክሳብ 10ይ ሰሙን ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ ሄልሲንላንድ (Hälsingland) ድማ …

Read More »

ሃገረ ኖርወይ፡ ዶባ ሰጊሮም ንዝሰርሑ፡ ዶባታት ትኸፍት

ዶባት ሃገረ ኖርወይ፡ ካብ ዕለት 28/01/2021 ጀሚሩ ከምዝዓጸወት ይዝከር። እቶም በዚ ውሳኔ ቀንዲ ዝተጎድኡ እንተድኣ ሃልዮም ድማ፡ እቶም ካብ ሽወደንን ፊንላንድን ተበጊሶም ዶብ ኖርወይ ሰጊሮም ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ምዃኖም ይፍለጥ። ምኽንያቱ፡ ደሞዞምን ናይ መድሕን ኣገልግሎትን ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሶልበርግ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበን ብዛዕባ …

Read More »

ደኒማርክ፡ ልምምድ ሓባራዊ (ብብዝሒ) ክታበት ከተካይድ እያ

ሎሚ ዓርቢ፡ ኣብ ደኒማርክ፡ ልምምድ ሓባራዊ (ብብዝሒ) ክታበት ከተካይድ ምዃናን ኣብዚ መስርሕ ድማ 35 ሽሕ ሰባት ክኽተቡ እዮም ዝበለት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደኒማርክ፡ ሜቲ ፍሬድሬቕስን፡ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ንዘይተጠቀማሉ ጸረ ኮሮና ክታበት እንተድኣ ሃልዩወን፡ ብጽቡቕ ዋጋ ክንገዝእ ንኽእል ኢና ክትብል ኣብ ኦክሰንሃለን፡ ኮፐንሃገን፡ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝገለጸት ተፈሊጡ። እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ፡ ከምቲ ዝድለ እንተከይዱ፡ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን 5 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ …

Read More »

ካብቲ ዝተመደበ መጠን ብዝሒ ክታበት፡ ሓደ ሲሶ፡ ጥራይ ከምዝበጸሐ ተሓቢሩ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ መስርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ከካይዳ ኣብ ጽቡቕ ምድላዋት እኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክታበት ክረኽባ ዘይምኽኣለን እዩ ክብል በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። መስርሕ ምርኽኻብ ክታበት፡ ንመስርሕ ክትባት ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ከደናጒዮ ተራእዩ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣቢሉ፡ ምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ቀዳማይ …

Read More »

ኣህጉራዊ ውድብ ኣቪየሽን፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣህጉራዊ ውድብ ኣቪየሽን (The International Aviation Organisation)፡ ብመንገዲ ኣየር ንዝጓዓዙ ተሳፈርቲ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና ክሓትት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኩለን ሃገራት፡ ኤሌክትሮኒካዊ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ከዳልዋ ኣገዳሲ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ እቲ ውድብ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ክገሹ ዝደልዩ ዜጋታት፡ ናይ ክታበት ኩነታቶም ብቐጥታ ናብ ቤት ጽሕፈት’ቲ ውድብ ክመሓላለፍ ክኽእል እዩ። ኣህጉራዊ ውድብ ኣቪየሽን፡ መስመራት በረራ …

Read More »

ቀዳምነት ክታበት ኮሮና፡ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ክወሃብ ተሓቢሩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ዘመሓላለፎ መምርሒ፡ ቀዳምነታት ክታበት ኮሮና፡ ነቶም ትሑት ኣታውን ትሑት ደረጃ ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ክወሃብ ከምዘለዎን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ድማ ብመሰረት ዕድሚኦም ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ ንኽትግበር ግን፡ ብዙሕ ስራሕ ከድልዮ ምዃኑ ኣንድሽ ቲግኒል ክብል ከምዝገለጸ ሬድዮ ኢኮት ኣቃሊሑ። ኣብ መንጎ ሳንኩፍ ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍልልይ ንምግምጋም ብጣዕሚ ከቢድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com