Friday , March 29 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ኮቪድ-19 ክኽተሎ ዝጸንሐ ስትራቴጂ ክቕይር ሰልፊ ሰንተር ጸዊዑ።

ሰልፊ ሰንተር መንግስቲ ኣካይዱ ኣብ ኣታሕዛ ኮቪድ-19 ክቕይሮ ይግባእ ብምባል ዝሓሰቦ 5 ውጥናትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝያዳ መርመራ ክግበርን እማመ ኣቕሪቡ። እዚ ሰልፊ ሕጊታት ብባይቶ ንምሕላፍ ብደረጃ ዞባ ዝያዳ ተዓጻጻፍነትን ከም ዘድልዮ ድማ ሓቢሩ’ሎ። ፖለቲካውያን ሰልፊታት ብሓፈሻ ንመንግስቲን ናይ ኮሮና ቫይረስ ስትራቴጂኡን ክድግፋ እኳ እንተጽንሓ ገሊአን የድሓርሕራ ምህላወን ድማ ተመልኪቱ። ንኣብነት ብዓርቢ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ምስ ሰልፍታት ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ብምዃን …

Read More »

3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ይዛረቡ።

160 ሽሕ ዝኾኑ ነባሮ ሽወደን ነቲ ብ ሉንድ ዩንቨርሲቲ ዝተዳለወ ኣፕሊኬሽን መጸብጸቢ ምልክታት ኮቪድ-19 ካብ ኢንተርነት ዳውንሎድ ምግባሮምን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ደቒቕ ገዛእ ርእሶም ብምፍታሽ ምልክታት እዚ ቫይረስ እንተለዎም ንገዛእ ርእሶም ክምርምሩን ዝገብር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 3.5% ስቶክሆልማውያን ኣፈናዊ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ከም ዘለዎም ዝግመት ኮይኑ ኣብ ዞባ ስኮነ ዝበሉ ቦታታት እቲ ኣሃዝ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክፍሊ ጀነቲክስ ከምኡ’ውን …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን መርመራ ኮሮና ዘገም ብምባሉ ምሕዛኑ ገሊጹ።

“እዚ ኣብ መንጐ መንግስትን ዞባታትን ምንባብ ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብዚ እዋን ሓጋይ ብዛዕባ ዝህሉ ዕድላት ጒዕዞ ሕቶ ከም ዝቐረበሉን ነዚ ኣመልኪቱ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ምዝርራብ ምህላዉን ገሊጹ’ሎ። “ቊጽሪ ሞት እንድሕሪ ርኢና ዝበዝሑ እቶም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተጓዕዙ ዘይኮነኑ ኣብ ኣባይቲ መእለዪ ዝናበሩ ሽማግለታት ሙኻኖም ይገልጽ። ኣብ …

Read More »

ሽወደን ነቲ ብኣውሮጳዊ ኮሚሽን ን ኮቪድ-19 ዝምልከት እማመ ትነጽጎ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ንዝሰዓበ ቊጠባዊ ቅልውላው ንምሕዋይ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ናይ 750 ቢልዮን ዮሮ እማመ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እዚ እማመ ብፈረንሳን ጀርመንን ዝተደገፈ ኮይኑ ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ኲለን ኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድምጺ እወታ ከም ዘድልዮ፥ እንተኾነ ግና ሽወደን ድሮ ነጺጋቶ ምህላዋ ተመልኪቱ። ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ሃንስ ዳህልግረን እዚ ብረቡዕ ቀትሪ ዝወጸ እማመ ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ክንዲ ኣብ …

Read More »

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ተባሂሉ።

90% ካብቶም ሽወደናውያን ግዳያት ሞት ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ 70 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት እዮም ኔሮም። ካብዚኣቶም እቶም 49% ኣብ መናበዪ ሽማግለታት ዝቕመጡ 25% ከኣ ኣብ መናበዪ ዝእለዩ ዝነበሩ እዮም ክብል ኣሃዝ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኣመልኪቱ። እዞም ካብ ወርሓ ግንቦት ኣትሒዞም ደጊሞም እተኸለሱ ኣሃዛት መጠነ ሞት ሽማግለታት እናወሰኸ ክውስኽ ምጽንሑ ገሊጻ ላ። ንኣብነት ኣብ 6 ግንቦት 45.6% ኣብ 25 ግንቦት ከኣ 48.8% …

Read More »

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ንቴግኔል ይነቕፍ።

ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ሽወደን ነቲ ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ሬድዮ ሽወደን ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ኣመልኪቱ ብትሪ ነቒፍዎ። “ኲሎም ካብ ዶባት ሃገርና ወጻኢ ዘለዉ ኣህዛብ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ክኾኑ እዩ ዝግብኦም ኔሩ” ክብል እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።፡ ኣምባሳደር ማርዮ ኮስፒቶ ቲግኔል ብ 24 ግንቦት ምስ P1 ንዝገበሮ ቃለመሕትት ብምንቃፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ጽሑፉ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብቲ ቃለ …

Read More »

መጠነ ሞት ኣብ ሽወደን ይንኪ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ወርሓ ግንቦት መጠነ ሞት ሕሙማት ኮሮና ሽወደን እናነከየ ምምጽኡ ክፍሊ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። እዚ ምንካይ ብፍላይ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ብፍላይ ዝለዓለ ምዃኑ ብኣንጻሩ ግና ኣብ ቫስትራ ጉትላንድ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮና ምውሳዂ ተገሊጹ’ሎ። ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጀሚሩ ሰሙናዊ መጠነ ሞት ዜጋታት ምንካዩ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ዝኸፍአ ግዜያት ሞት ክሳብ መፋርቕ ሚያዝያ ዝነበረ ምዃኑን ኣብዚ እዋን ብማእከላይ ገምጋም 106 ሰባት መዓልታዊ …

Read More »

ፊንላንዳዊ ሓኪም፡ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝተረኽቡ ግዳያት ኮሮና-19 ካብ ሽወደን ዝመጹ እዮም።

ሓደ ኣብ ከባቢ ኦስተርቡተን ዝሰርሕ ፊንላዳዊ ሓኪም፡ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሰባት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ብቫይረስ ዝተለኽፉ ምንባሮምን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናብታ ሃገር ክግያሽ ከምዘይግባእ ክብል ከምዘጠንቀቐ SVT ሓቢሩ። ኣብ መጨረሽታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበት ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነት ካብ ሽወደን ዝመጸት ሰብ ነይራ ክብል ኣብ ሆስትፒታል ፋሳ ዝሰርሕ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ፡ …

Read More »

ስቶክሆልም ሓድሽ መርመራ ክትጅምር እያ።

ምምሕዳር ኮሮና ኣብ ሰሙን 40 ሽሕ ተቐማጦ ዝምርመርሉ ፕሮግራም ክትፍኑ እያ ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ ፕሮግራም “ፍሉይ ንጥፈት ዘካይዱ” ተባሂሎም ዝተረቚሑ ክፍላት ሕብረተሰብ እውን ኣብዚ መርመራ ክካተቱ ክግበር እዩ ክብል ዳይረክተር ጥዕናን ሕክምናን ብዦርን ኤሪክሰን ሓቢሩ’ሎ። ካብቶም ብቐዳምነት ክምርመሩ እዮም ተባሂሎም ዘለዉ ልዑል ናይ ምልባድ ሓደጋ ዘንጸላለዎምን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝርከቡን ኣባላት እዮም ተባሂሉ’ሎ። በዚ ኣሃዝ መርመራ እቶም ኣብ ስልሳይ ደረጃ …

Read More »

ናይ ጾታዊ መጻምዲ ምብዛሕ ንለበዳ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ጾታዊ መጻምዲ ምብዛሕ ወይ ምስ ቡዙሓት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ንለበዳ ከም ዘቃልዕ ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ብምጥቃስ ሓቢሩ። መጻምዲ ዝኾነ ይዂን ምልክት እንተዘይብሎም ጾታዊ ህይወቶም ከስተማቕሩ ዝመኸረ እቲ ጸብጻብ ምስ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝግበር ጾታዊ ዝምድና ግና ነዚ ሕማም ኣብ ምልባድ ኣሉታዉ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com