መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ንዝመጽእ ዓመት ዝኸውን ዝርዝር ባጀቱ ዕላዊ ጌሩ። ትማሊ ምሸት
ዝተገልጸ 88.8 ቢልዮን ዩሮ ዝተግመት ባጀት ናይ 12.2 ቢልዮን ዩሮ ሕጽረት ከምዘለዎ ዘርኢ ኮይኑ፡ መንግስቲ እቶት ግብሪ
ንምዕባይን ወጻኢታት ንምንካይን ዝውሰዱ ስጉምትታት ይወስድ እኳ እንተሎ፡ ዕዳኡ ብናህሪ ክዓቢ ምጽንሑ ዘመልክት እዩ
ተባሂሉ’ሎ። መንግስቲ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መንግስቲ ዝወሰዶ መጠን ልቓሕ ይቕጽል ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ። ሚኒስተር
ፋይናንስ ሪካ ፑራ (ፒኤስ) ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተሰማምዓሉ 1.8 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ምጉዳል
ወጻኢታትን 1.4 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ወሰኽ ግብሪን እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ባጀት ኣስታት 16 ቢልዮን ዩሮ ሕጽረት ከምዘርኢ
ዝሕብር እዩ ክትብል ገሊጻ’ላ። መንግስቲ፡ እቲ መጠን ዕዳ ክሳብ 2027 ንኸይውስኽ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወ ደጊማ
ብምግጋጽ፡ እዚ ድማ ብድምር ናይ ኣስታት ትሽዓተ ቢልዮን ዩሮ ፊስካላዊ ምትዕርራይ ዘድልዮ እዩ ክትብል ወሲኻ ኣመልኪታ።
Related Stories
September 9, 2024