Thursday , March 28 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

Jimmie Åkesson ምስ Jan Björklund, ርሱን ክትዓት ከካይዱ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

ኣዝዮም ጽርዳዊ ርክብ ዘለዎም መራሕቲ ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ Jimmie Åkesson ከምኡ’ውን ሊበራላዊ ሰልፊ Jan Björklund, ቅድሚ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ርሱን ክትዓት ከካይዱ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

እዞም ክልተ መራሕቲ ሰልፊ ብዓርቢ ጥሙር ጋዜጣዊ ዋዕላ ክነካየድ ኢና ድሕሪ ምባሎም ኣብ ፖለቲካ ሽወደን ሓደ ሰብ ዘይተጸበዮ ክስተት ምዃኑ ይዝረበሉ ኣሎ።

እዞም መራሕቲን ሰልፎምን ኣብ ፖለቲካዊ ጣውላ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ጫፋት ዝርከቡ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ ምንም ምትሕግጋዝ ኣይጸንሖምን።

ይዂንምበር Åkesson ምስ Björklund ሰባት ኣብ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለዎም ተገዳስነት ክብ ክብል ክጽዕሩ ምዃኖም ክኣ ገሊጾም ኣለዉ። .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com