Friday , March 29 2024
Naina Helen Jåma/TT

Mikhail Damberg ሽወደናውያን ኣባላት ዳዕሽ ናብ ሽወደን ክምለሱ ድሌት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ሽወደን Mikhail Damberg ሽወደናዊ ዜግነት ዘሎዎም ኣባላት ናይቲ ግብረሸበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ጉዳዮም ኣብቲ ዝተታሕዝሉ ሃገር ብሕጊ ክረእይ እምበር ናብ ሽወደን ክምለሱ ድሌት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ንጻዉዒት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሀገራት ኤዉሮጳ ዜጋታተን ኣባላት ዳዕሽ ክርክርባ ኣሎወን ብምባል ንዝሃቦ ምሕጽንታ ተኸቲሉ ብወገን ሽወደን ዝተዋህበ መልሲ ምዃኑ ተመልኪቱ። መንግስቲሽወደንካብዓመተ 2011 ኣትሒዙ ሽወደን ከምሃገር ኣብ ሶርያ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ስለዘይትህብ ዜጋታት ሽወደን ናብ ሶርያ ከይጉዓዙ ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይዝክር። ንሽወደን ወሲኽካ ኣብ ሶርያን ኢራቕን ዘሎዉ ኣባላት ዳዒሽ ዝኾኑ ዜጋታት ኖርዲክ ብኸመይ ክትሓዝ ከምዘለዎ ምስ ሃገራት ኖርዲክ ምምኽኻር ይካየድ ምህላዉ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com