ኣብ ሰብዓታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝነበረ ናብ ሞት ብዘብጽሕ ወቕዒ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኖርወይ ክሳብ 90% ክወርድ ከም
እተገብረ ተገሊጹ። ተመራመርቲ፡ እዚ ተርእዮ ምስ ምምሕያሽ ሕክምና፡ ምጉዳል ስብሒ ሰራውር ደም–ኮሌስትሮል፡ ጸቕጢ
ደምን ምጒዳል ምትካኽ ሽጋራን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይሕብሩ። ዋላ እኳ ኖርወጃውያን ብማእከላይ ገምጋም ካብ ቀደም ብኽብደት
እንተወሰኹ፡ መጠን ኮሌስትሮል ካብ 1980 ክሳብ 2015 ብ 20 ሚእታዊት ምጒዳሉ፡ ትካል ህዝባዊ ጥዕና እታ ግዝኣት FHI
(Folkehelseinstitut) ጸብጺቡ። FHI ብተወሳኺ ማእከላይ ደረጃ ጸቕጢ ደም “ዓቢ” ምንካይ ከምዘርኣየ ብምሕባር፣ ኣብ
1960 65% ሚእታዊት ኖርወጃውያን ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ፡ ሕጂ ግና ናብ 8% ምንቊልቋሎም ወሲኹ ኣመልኪቱ።
“እቲ ቀንዲ ጽልዋ ግና ሕጂ ብዙሃት ሽወደናውያን ዝሓሸ ኣነባብራ ዘለዎም ብምዃኑ’ዩ” ክብል ኣብ ሆስፒታል ካብ ክፍሊ
ሕክምና ልቢ ሴንት ኦላቭስ ትሮንድሃይም ዶክተር ካኣረ ሃራልድ ቦና ንጋዜጣ ኣፍተንፖስተን ተዛሪቡ።
“ኣብ ሓፋሽ ሓደጋ ወቕዒ ልቢ ምንክዩ ዝህልዎ ጽልዋ ዓብዪ እዩ” ኢሉ’ሎ።
ካብ ዜናታት ኖርወይ ከይወጻእና— መንግስቲ ኖርወይ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ቁጽጽር ዶባት የትርሮ ከምዘሎ ብምግላጽ እቲ
ጽኑዕ ቁጽጽር ክሳብ 11 ሕዳር ከምዝናውሖ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። እቲ ምኽንያት ድማ ስግኣት ግብረሽበራዊ
መጥቃዕቲ ከምዝወሰኸ ዝገልጽ ቀጻሊ ገምጋም እዩ ኢሉ’ሎ። መንግስቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝለዓለ ደረጃ ስግኣትን ጸጥታን
ምህላዉ ብ 8 ጥቅምቲ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ብሰንኪ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ማእከላይ
ምብራቕ ምዃኑ ኣመልኪቱ እዩ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ሊባኖስን
ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣይሁድን እስራኤልን ደረጃ ስግኣት ክውስኽ ምግባሩ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ድማ ኣብ
ንኣብነት ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስን ኤምባሲ እስራኤልን ሓለዋ ፖሊስ ክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። ኣብ መሳገሪ
ዶባት ዝግበር ምክትታል እውን ከምዝተዓበየ እዩ ዝንገር። ሚኒስተር ፍትሒ ኤሚሊ ኤንገር ሜህል እቲ ልዑል ቁጽጽር ዶባት
“ፖሊስ ብዛዕባ ተጓዓዝቲ ሓበሬታ ንምእካብ ዝያዳ ዕድል ዝህቦም እዩ” ኢላ’ላ።