እዚ እናኾነ፥ ኣብ ሽወደን እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበረሰብ ህንዲ፡ በዓል “ብርሃናት” ህንዲ ዲዋሊ እናቐረበ ምምጽኡን ነቲ
በኦኣል ንምጽንባል ዘሎ ተገዳስነት እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉን ተሓቢሩ። ንህንዳውያን ኣዳለውቲ መመገቢን በዓላት ብፍላይ እዚ
ክመጽእ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበይዎ ኣውደኣመት እዩ።
“ኣብዚ ኣብ ሽወደን ኴንና ዲዋሊ ከነብዕል ከሎና ናፍቖት ዓድናን ስድራናን ከም ዘይስምዓና እዩ ዝገብር” ትብል ኣብ ስቶክሆልም
ኣዳላዊት እዚ መደብ ህንዳዊ ካጆል ሳሃኒ ። ንሳ ነዚ በዓል ዝዓበየን ዝደመቐን ንምግባር፥ ሰባት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ እዋን
ዕረፍቶም ነዚ ኣውደኣመት ከስተማቕርዎ ክትጽዕር ምዃና ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ህንዳውያን ብብዝሒ
ናብ ሽወደን ይመጹ ምህላዎም፥ ብዘይካዚ ኣብ ሽወደን ኣብ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት (ኣይቲ) ዝሰርሑ ህንዳውያን ምህላዎምን፡
ግዱሳት ሽወደናውያንን ኣብዚ በዓል ክሳተፉ ከም ዝደልዩ በዓል ቤታ ይገልጽ።
“ቀንዲ ድርኺት በዓል ዲዋሊ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፥ ቅድስና ኣብ ልዕሊ ክፍኣት፥ ፍልጠት ኣብ ልዕሊ ድንቊርና ከም ዝስዕሩ
ንምምልካት እዩ። ኲልና ኣብ ውሽጥና ገለ ካብዚ ሕማቕ ጸልማት ገለስ ይህልወና እዩ። ዲዋሊ ነዚ ጸልማት ምስ ገዛእ ርእስና
ብምቅላስ ክንስዕሮ ከም እንኽእል እንዝክረሉ በዓል እዩ” ክትብል ካጆል ሓቢራ።