Friday , April 19 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

Södersjukhuset ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ንዝበለቶ ዶክተር ካብ ስራሕ ኣባሪራ።

ትካል ክንክን ጥዕና Sodersjukhuset ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ንዝበለቶ ዶክተር ካብ ስራሕ ኣባሪራ’ላ።

እዚ ዶክተር ኣብ 2016 እውን ብተመሳሳሊ ተግባር ተጠርጢሩ ኣብ መርመራ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕረሲደንት ሆስፒታል Mikael Runsio “ቅድሚ ሕጂ ጥርዓንኩም ኣብጺሕኩም ክንሰምዓኩም እናተገባኣና ብምግንጓይና ብዙሕ ይቕሬታ ንሓትት” ኢሉ’ሎ።

ኣብቲ ጸብጻብ ቅድሚ ሕጂ ብከቢድ ገበን እተወንጀለ ሰራሕተኛ’ውን ካብ ስራሕ ክሰናበት ተጌሩ ኣሎ ተባሂሉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ድሕሪ ሕጂ ከይድገም ሆስፒታልና ካብዛ ሰዓት ጀሚሩ ኣበርቲዑ ክቃለስ እዩ ብምባል ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

“ናይ ስራሕ ኲነታት ክነመሓይሽ ዓበይቲ ስጒምቲታት ኣብ ምውሳድ ንርከብ ኣሎና።

እቶም ብገበን ዝጠርጠርናዮም ኣሰናቢትናዮም ኣሎና። ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ኣካያዲ ስራሕ ክንምዝዝ ኢና።

ብዘይካዚ ናይ ስልጠና ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ዝህሉ ኲነታት ክነጻርዮ ኢና” ክብል Mikael Runsio ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com