ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ሱዳን ሰራሕተኛታት ሩስያ ዝጸዓነት ነፋሪት ካርጎ ከምዝተሃርመት ዝገልጽ ጸብጻባት ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ሰራዊትን ፍሉይ ሓይሊ (RSF) ን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዳርፉር ቀንዲ ዓውደ ውግእ ኮይና ምህላዋ ዝፍለጥ
ኮይኑ፥ ስርሓት ሩስያ ዝኾነት ነፋሪት ልዩሺን ኢል-76፣ ኣብታ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ዘላ ከተማ ኤል-ፋሸር መሳርሕታትን
መድሃኒትን ንምብጻሕ ኣብ ተልእኾ ከምዝነበረት፥ ወተሃደራዊ ምንጭታት ንማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢሮም። ብቕድሚ ትማል
ሰኑይ፡ RSF ነታ ብወተሃደራት ግብጺ እትበርር ዝነበረት ስርሓት ሩስያ ዝኾነት ነፋሪት ከምዘውደቓ ገሊጹ’ሎ። ግብጺ ኣብቲ ን18
ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ንሰራዊት ሱዳን ወተሃደራዊ ደገፍ ክትገብር ጸኒሓ ዝብል ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ’ላ።
እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊትን RSFን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ስልጣን ዝመበገሲኡ ኮይኑ፥ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝጀምረ እዩ፡፡ ውድብ
ሕቡራት ሃገራት ንኲናት ሕድሕድ ሱዳን ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ክብል ጠቒሱዎ’ሎ። ዓሚ እቲ ኲናት
ካብ ዝጅምር ንደሓር ክሳብ ሕጂ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገለ ግምታት ይሕብሩ ክብል ኣብ ወርሓ ግንቦት ብፍሉይ ልኡኽ
ኣሜሪካ ንሱዳን ቶም ፐሪየሎ ዝተዋህበ ርእይቶ ይሕብር።