Saturday , April 20 2024

Tag Archives: tigrinska sverige

ሓደ ሰዓት ንቕድሚት ብምምዕርራይ ሰዓትና ምቕያር ኣይንረስዕ።

ሎሚ ለይቲ ዕለት 25   ናብ ዕለት 26 መጋቢት ዘዉግሕ፣ ሰዓታት ክረምቲ ( ዊንተር ) ፣ ናብ ሰዓታት ሓጋይ ( ሳመር ) ክቕየር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ መሰረት ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ሓደ ሰዓት ንቕድሚት ናብ ሰዓት ሰለስተ ሰዓትካ ብምምዕርራይ ምቕያር ይካኣል። ኣብ ሞባይል ተሊፎናት ይኹን ኤሊክትሮኒካዊ መሳርሕታት እንተኾይኑ ኸኣ፣ ኩሎም መስርሕታት ባዕላቶም ክቕየሩ እዩም።

Read More »

ጥዕና ኣእምሮ ኣካል ካሪክለም ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ።

ቈልዑ ልክዕ ከም ስፖርት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ እውን ክመሃሩ ከም ዝግብኦም 16 ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ቈልዕ ኣሰርሓ ውድባት ጻውዒት ኣቕሪበን። ካብ 1 ክሳብ 15 ዝዕድሜኦም ቈልዑ ሽወደን ብስእነት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝሳቐዩን ጸረ ጭንቀት መድሃኒት ዝወስዱ ቆልዑ ቊጾም ክውስኽ ምርኣይ እውን እናተለምደ ምምጽኡን እተን ውድባት ኣብቲ ጻውዒተን ኣመልኪተን ኣለዋ። ኣብ ክፍሊ ዝወሃብ ምህሮ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንቆልዑን መንእስያትን እዚ ሽግር ፈጺሙ ከይዓብልሎም እናሃለወ ብኸመይ …

Read More »

ብምኽንያት በረድ ብርክት ዝበለ ሓደጋታት ትራፊክ ኣጋጢሙ።

ብስኑይ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ዝወረደ ብርቱዕ ውርጪ ኣብ ጽርግያታት ብምግጋሩን ሸታሕትሖ ብምፍጣሩን ጠንቂ ሓደጋ መካይን ምዃኑ ተገሊጹ። ብምኽንያት እዚ ክስተት ትማል ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ስቶክሆልም ሰለስተ መክይን ህዝባዊ መጓዓዝያ ዕንወት ከም ዝበጽሐን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብዘይካዚ ኣብ ኣፕሳላ ልዕሊ 40 ዝኾና ኣውቶቡሳት ብሰንኪ በረድ ካብ ቀንዲ ጽርግያ ብምንሽርታተን ናብ ቦትአን ናይ ምምላስ ስራሕ ከም እተኻየደ ተገሊጹ።

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነበርቲ ኦስተርሱንድ

30 ታሕሳስ 2020 ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ናይቲ ከተማ ንኾሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብሰንኪ እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ መኣከቢ (ሎካል) ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ዘበገሶ ትኪ ኩሉኹም ኣብ ውሽጢ ገዛ ክትኮኑን ማዓጹን መሳኹቲን ከምኡውን ናይ ኣየር መውዓይ(ventilation) ክትዓጽዎ ጸዊዑ። ንዝያዳ ሓበሬታ ሬድዮ ሽወደን ያምትላንድ ተኸታተሉ።ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com