Saturday , April 20 2024
Janerik Henriksson/TT

TELIA ሰራሕተኛታት ከሰናብት እዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ከባንያታት ቴለኮምኒኬሽን ሽወደን ዝኾነ Telia ብሰንኪ ዋሕዲ ኣታዊ ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ምስ ናይ ዓሚ 3.9 ቢልዮን ክሮነር ብምውድዳር ናይ ሎም ዘበን ኣታዊኡ 1.7 ቢልዮን ካብ ትጽቢቱ ኣዝዩ ዝወሓደ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

ዋና ኣመሓዳሪ Teila ዝኾነ Johan Denellind “ትካላዊ ቅርጺና ዳግማይ ክንሰርዖ ኢና፥ እዚ ማለት ድማ ብዘይካ ውሑዳት ሰራሕተኛታትን ኣማኸርትን ካልኦት ክሰናበቱ እዮም” ኢሉ ኣሎ።።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ኣዮም በዚ ክጽለዉ ዝብል ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።

Telia ኣብ ዝቐልጠፈ ሓፈሻዊ መብርሂ ክህብ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com