Tuesday , June 25 2024
A man walks by a cinema in Paris, Sunday, July 25, 2021. Visitors now need a special COVID-19 pass to visit French museums or movie theaters, the first step in a new campaign against what the government calls a "stratospheric" rise in delta variant infections. (AP Photo/Rafael Yaghobzadeh) RAF15

The Big Sleep: እታ ንምርዳኣ ኣዝያ እተጸግም ፊልም

ቅድሚ 75 ዓመታት እተፈነወት ፊልም The Big Sleep ንምርዳኡ ዘጸግም ትልሚ ዘለዋ ብዝብል እኳ ትፍለጥ እንተኾነት እዚ ንባዕሉ ከነድንቖ ዝግባእ ጸጋ እታ ፊልም እዩ ክብል ኒኮላስ ባርበር ንሓድጊ እታ ፊልም ደጊሙ ኣበራቢርዎ ኣሎ።

እዛ ናይ ሃዋርድ ሆክስ ፊልም: በቲ ዘለዋ ሓያል ዝርርብ ተዋሳእቲ: ተግባራትን ኣብ መንጎ ክልት ከዋኽብቲ እታ ፊልም ዘሎ ጾታዊ ስሕበትን ብፍላይ ኣዘናጋዒት ከም ዝገብራ እኳ እንተኾነ: ኣሸጋሪ ዛንታን ትልሚን ዘለዋ እያ።

ኣብ 1946: ቅድሚ 75 ዓመታት ክትፍኖ ኣንከላ: ናይ ሽዑ ኣዳላዊ New York Times: ቦስሊ ክራውዘር: ኣዝያ ንምርዳኣ እተጸግም ክብል ገሊጽዋ ኔሩ።

እንተኾነ ግና: እዛ ፊልም ብገለ ነቐፍቲ ተወሳኺ ኣዘራራቢ ርእይቶታት ትረክብ ኣላ። እዛ ፊልም: ብመሰረቱ ክንዲቲ ዝተባህለላ ኣሸጋሪ ትልሚ የብላን: ወረቐት ቢሮን ቀስ ኢልካ እናሓሰብካ ክትስዕባ ዘድልየካ ሪሞት እንተሒዝካ ክትፈትሓ ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ብቐሊሉ እትርዳኦ ግና ትርጒም ዘይብሉ ፊልም ዘሎ ምርዳኡ ዘጸግም ሚስጥራዊ ትልሚ ዘለዎ ፊልምታት እውን ኣሎ ክብል ባክላብድ ይገልጽ።

ህይወትና እውን እኮ ከምኡ እያ: ኲሉ ኣብ ህይወትና ዘጋጥመና ነገራት ይርድኣና እዩ ምባል ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ፊልምታት ንክውንነት ህይወትና ብገለ መዳይ ስለ ዘጋውሑ ኣገደስቲ ዝኾንሉ እዋን ኣሎ ክብል ወሲኹ ተንቲኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com