Saturday , April 20 2024

The Forgotten“ ናይ 60 ደቒቕ ዶክመንታሪ ፊልም”ብሳብሪና ኣማን ኣብ ስቶክሆልም ጽባሕ ክቀርብ እዩ።

The Forgotten“ ናይ 60 ደቒቕ ዶክመንታሪ ፊልም ኮይና፡ ብሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሓደገኛ መንገዲ ናብቲ ንኽትከዶ ኣሸጋርን ከቢድን ዝኾነ ናይ ኤርትራውያን መዓስከር ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምብጻሕ እዛ ጓል ኣንስተይቲ ቦታ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተገልጸ መነባብሮ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብ መንገዳ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታትን ክሳብ ማእሰርቲ በቶም ናይ ጸጥታ ኣባላትን ተርኢ ፊልም እያ። ምስ ኩሎም እዞም ብድሆታት ግን ናብ ዓዳ ተመሊሳ እቲ ታሪክ ከተዘንትዎን ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክግበረሉን ትጽዕር ኣላ።

እዛ ፊልም ናይ ሓደ ሰዓት ኮይና ኣብ መወዳእታ ድማ ሕቶን መልስን ነታ ዓያዪት ፊልም ሳብሪና ኣማን ክህልው እዩ።

#ቆልዑ ትሕቲ #10 #ዓመት ክርእዩ ኣይፍቀድን እዩ።

ኩሉ ኣታዊ ናይታ ዶክመንታሪ ፊልም The Forgotten ብሳብሪና ኣማን ዝተሰርሐት ናብ ፕሮጀክት “Refugcare” ዝኸይድ እዩ። t


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com