Sunday , June 16 2024
World Health organization Director for Europe Hans Kluge (AP Photo/Gregorio Borgia, FILE) WRC110

WHO: ኣውሮጳ ዳግማይ ማእከል ምስፍሕፋሕ ኮቪድ: ትኸውን ኣላ

ቊጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ኮሮና እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣውሮጳ ዳግማይ ምእከል ኮቪድ-19 ትኸውን ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ኣህጒር ኣውሮጳ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም ክብል ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ሃንስ ክሉግ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰባት ክታበት ክንድቲ ዝግባእ ይወስዱ ብዘይምህላዎም እዩ ክብል ድሕሪ ምውቃስ “ኣብ ክንዲ ኣብ ሕክምና ኣብ ምክልኻል ብምድሃብ ኣገባባትና ክንቅይር ከድልየና እዩ” ክብል ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ መጠን ክትባት እናንቈልቈለ ከም ዝመጸ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com