Friday , March 29 2024
Emma-Sofia Olsson/SvD/TT

Ylva Johansson ብእማመ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ከም ዘይዓገበት ትገልጽ።

ሚኒስተር ዕዮ Ylva Johansson ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ነቲ ብጥሪ እተበጽሐ ስምምዕ ዝተርጐመሉ ኣገባብ ከም ዘየዕገባ ገሊጻ።

ብመሰረት ሚኒስተር ዕዮ እዚ ኣብያተ ጽሕፈት ዕዮ ክዕጸዋ ዝብል ናይ ሎሚ መልእኽቲ እማመ ክቐርብ ኣይነበሮን።

– ዳይረክተር ጀነራል ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ህዉኽ ስጒምቲ ዝወሰደ ይመስለኒ። ኣገልግሎት ዕዮ ብመንግስቲ እተዋህቦ ዕማም ምድህሳስ ቅርጺ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ምድላውን ኣብ ዘይግዜኦም ንሓዋሩ ዝጠፍኡ ንጠፈታት ከይህልዉን ኣብ ምርኣይ ኢና ኔርና።

ብዘይካዚ ናይ መንግስቲ ኣጠቓላሊ ህላወ ንምግምጋም ድሌት ኔሩና ትብል ሚኒስተር ዕዮ Ylva Johansson (S).

ኣገልግሎት ህዝባዊ ዕዮ ሓድሽ መርበብ ቤትጽሕፈት ክኽፈት እማመ ኣቕሪቡ ኔሩ።

ሎሚ ኣብ ዝተፈነወ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 132 ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) -ኣብ 2019 ን 2020 ንክዕጸዋ እማመ ቀሪቡ።

እተን ዝተረፋ 106 ኣብያተ ጽሕፈት ከኣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ስርሐን ክቕጽላ እየን። ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዙርያ እማመ ዝምልከት ምትሕግጋዝ ምስ ማሕበራት ንግድ ክጅመር እዩ።

ኣገልግሎት ህዝባዊ ዕዮ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ግዜ ምስትኽኻል ቅርጺ ኣብያተ ጽሕፈት ንሓፈሻዊ መትከላት ስምምዕ ጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው ዝዳሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ኣይሰሓትን።

እንተኾነ ግና ዳይረክተር ህዝባዊ ዕዮ ሚኒስተር ዕዮ ሕቶታት እኳ እንተቕረበት ኣብቲ ናይ ጥሪ ስምምዕ ናይ ገዛእ ርእሳ ትርጒም ብምሃብ ምቕጻላ ግጉይ ምንባሩ Ylva Johansson ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com