Thursday , April 25 2024
Brazil's President Jair Bolsonaro (AP Photo/Eraldo Peres) ERA101

YouTube ን ቪድዮ ቦልሶናሮ ካብ ገጻቱ ይኣሊ

ፕረዚደንት ብራዚል፡ ሃኢር ቦልሶናሮ፡ ብዛዕባ ሕማም ኮሮና ኣብ ዩትዩብ ግጒይ ሓበሬታ ሂቡ ብዝብል ክሲ፡ ነቲ ዘውረዶ ቪድዮ፡ ከምዝእለ ምግባሩ ገሊጹ።

እዚ ውሳነ YouTube፡ ምስ ትሕዝቶ ቪድዮ እምበር ምስ ስነ ሓሳብን ግላዊ ፖለቲካዊ ቅዋም ቦልሶናሮ፡ ዘተሓሕዝ ከም ዘይብሉ ገሊጹ። ካብ ምጅማር ሕማም ኮሮና ንደሓር፡ ቦልሶናሮ፡ ንዕጽዋ፡ ምውዳይ ማስክን ክታበትን ብምቅዋም ግጒይ ሓበሬታ ክህብ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ንውሳነ YouTube ኣመልኪቱ ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com