Sunday , June 16 2024
Credit: Petra Haupt/Sveriges Radio

ሓድሽ ሕግታት ንመሕረስቲ ብኣሉታ ይጸሉ

ኣብ ቀረባ እዋን ንሕርሲን መሕረስቲን ኣመልኪቱ ብመሰረት ዝወጸ መምርሒታት፡ ነፍሰጾራት ኣቐዲመን፡ ማለት ኣብ ሰሙን 42
ዘይኮነስ ኣብ ሰሙን 41 ንሕርሲ ክዳለዋ ዝድንግግ መምርሒታት ኣብ ልዕሊ መሕረስቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ምህላዉ
መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ኣመልኪቱ። እዚ ኣሰራርሓ ሓካይም ኣብ ስርሖም ምትእትታው ዝገብር ዘሎ ኮይኑ ከምዘይስምዖም
ምግባሩ ኣረጋጊጹ’ሎ። እቲ መምርሒ ዳርጋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተታታተወ ኮይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ማህጸን
እናህለወ ዝሞቱ ዕሸላት ዘስዕብዎ ሓደጋ ከጒድል ይኽእል እዩ ዝብል መጽናዕቲ ስዒቡ እዩ ወጺኡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com