![](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2024/03/2579275c-51e1-49ec-a922-c9d58abec48b.webp)
Credit: Stefan Jerrevång/TT
ዋና ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ጆን ዳህል ቶማሶን ብእንግሊዝኛ ክረዳዳእ ምዃኑ ምግላጹ ኣዘራራቢ ኮይኑ። እቲ ነዚ መግለጺኡ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ፕረስ ገሊኡ ላግጺ ዝተረፈ ኸኣ ናእዳ ኮይኑ ፡ ሓደ ኣባል ባይቶ ነዚ ብዜግነቱ ደንማርካዊ ኣስለጣኒ “ኣኽብሮት ዝጎደሎ” ክብል ዘሊፍዎ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ክፍሊ ቋንቋን ብዙሕነትን ኣኒካ ቶርሳገር ሆግ፡ ስክፍታኦም ዝገልጹ ዘለዉ ሰባት ንውሳነኡ ኣብ ክንዲ ምዂናን ፡ ቶማሶን ንምንታይ እንግሊዝኛ ይመርጽ ምህላዉ ኣተኲሮም ክሓስቡ ኣለዎም ክትብል ርእይቶኣ ን ሬድዮ ሽወደን ሂባ’ላ።