Tuesday , June 25 2024
Credit: Pontus Lundahl/TT

ሰልፊ ደሞክራትና ደገፎም ይንኪ–ሓምለዋይን ጸጋማውያንን ይዕወቱ

ሰልፊ ዴሞክራትና ክገብሮ ዝጸንሐ ገስጋስ ኣብ’ቲ ናይ ትማል ሰንበት ምርጫ ኤውሮጳ ባይቶ ኣብ መወዳእታኡ ከም ዝበጽሐ
ተገሊጹ። እዚ ምርጫ’ዚ ምስቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ክነጻጸር እንከሎ ደገፍ ናይቲ ሰልፊ ከምዝነከየ ድማ
ተሓቢሩ። ብኣንጻሩ ጸጋምን ሓምለዋይን ሰልፍታት ጽቡቕ ዕድል ክገጥሞም እንከሎ፡ ሊበራላውያን ድማ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ
ዝነበረቶም ሓንቲ መንበር ክዕቅቡ ክኢሎም ኣለዉ።
“ሰልፊ ደሞክራትና ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ኣድሓርሒሮም ስለዘይፈልጡ፡ እዚ ንዓኣቶም ዘይፈልጥዎን
ብመጠኑ ዘሕምምን ተመክሮ ክኸውን እዩ” ክብል ሓላፊ ፕሮግራም ኤውሮጳ ኣብ ትካል ኣህጉራዊ ጉዳያት ሽወደን ኒኮላስ ኣይሎት
ትንታነኡ ኣቕሪቡ’ሎ። እዚ እናኾነ መብዛሕትአን ሰልፍታት ባይቶ ሽወደን ንገለ ክፋል ናይቲ ኩለን ኣባላት ሃገራት ኣብ 2030
ብውሑዱ ኣብ 20% ስፍሓት መሬተንን ባሕረንን ስነ-ህይወት ንምምላስ ሸቶ ዘቐመጠ ሕጊ ምሕዳስ ተፈጥሮ ሕብረት ኤውሮጳ
ከም ዝቃወማ ተሓቢሩ። እቲ ሕጊ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብባይቶ ኤውሮጳ ዝጸደቐ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብኣባላት ሃገራት ዝበዝሐ
ድምጺ ዝድግፍ ድምጺ ክረክብ ኣይከኣለን፡ ሽወደን ምስ ሃንጋሪ ሓንቲ ካብተን ዝቃወማ ሃገራት እያ። ቅድሚ ምርጫ ሕብረት
ኤውሮጳ ብኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ፡ ካብተን ሸሞንተ ውድባት እቶም ሓሙሽተ ብቐንዱ ነቲ
ዝቐረበ ሕጊ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com